2015-10-17 15:51:00

ሲኖዶስ፦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ ብፁዓን አበው ናይ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.


ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለታዊ ዛዕባ ከይዲ ነፍሲ ወከፍ ዋዕላ ሲኖዶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል፣ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዋዕላ እንታይ ተመስሎኡን ከመይ ከምዝነበረን እንክሕብሩ፦ እቲ ዋዕላ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ሳልሳይ ክፍሊ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ዝተመርኰዘ ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ምስኦም ኣብቲ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ድማ ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ፍልዩ ተዓዘብቲ ኰይኖም ካብ ዝሳተፉ ዘለዎ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ውሽጢ ናይ ኢስቶኒያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ስቴፋንን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ትሩሮ ጳጳስ ክቡርነቶም ቲሞትይ ቶርንቶን ከምእተሳተፉ እንክፍለጥ፣ ኣስዒቦም ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ሲኖዶስ በዓል ምኽንያት ዝወሃብ መገልጺ ከምዘየለ ብዓንተውኡ ኣፍሊጦም፣ ኣብቲ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተካየደን ከምኡ እውን ቀጺሉ ኣብቲ ናይ ዕለት 16 ዝተኻየደ ዋዕላ ብጠቕላላ 30 ኣባላት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ከምኡ እውን ሰለስተ ሰብ ሓዳር ካብ ተዓዘብቲ ኣብ ሲኖዶስን 12 ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልቲ ተዓዘብቲ ኣብ ሲኖዶስን ከምኡ ኣውን 27 ዘረባ ከምዝቐረበ ጠቒሶም ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒትን ኣብ መዳይ ቅልውላው ሰብ ሓዳር ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ድጋፈ ንቤተ ክርስቲያንን ኣብ መርሕነት ግደ ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ዓቢይ ምዃኑ ከምእተሰመረሉ ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ እቲ ዘለዎም ተመክሮ ከካፍሉን ብፍላይ ከም ልኡካነ ወንጌል ነቲ ተመክሮኦም ናይ ምክፋል ጸዋዕታ ከምዘለዎምን እዚ ድማ ስድራ ቤት ብሉጽ መእንገዲ ስፍራ ምዃኑ ዝመልክት ምዃኑ እቲ ውዕሎ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጦም ።

ዛዕባ ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳር ኣብ መርዓ

ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ሲኖዶስ ቋንቋ እንግሊዝይና ተጠቀምቲ ቃል ወሃቢ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ብቋንቋ ጀርመንይና ዝመሓላለፍ መደብ ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሃገንኮርድ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ንግላዊ ተመክሮታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሰፊሕ ቦታ ዝሃበ ምንባሩ ሓቢሮም፣ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ወሊድነትን ናይ ጽንሲ መቆጻጸርን ተራ ስድራ ቤት ኣብ ሕንጸት ሰላምን፣ ዘኽታማት ምንባይ ግደ ውላድ ዘይብሎም ኣባይቲ ስድራን፣ ብዛዕባ ውሳኔ ይፈታሕ ኣብ ምስጢረ ተኽሊልን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ምይይጥ ከምእተኻየደ ገሊጾም። ቀጺሉ ብዛዕባ ዝተፋትሑን ዳግም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩን ኣብ ዝምልከት ነጥቢ እዚ ጉዳይ ከምዘየለ ምርኣይ ዘይኰነስ መልሲ ከምዘድልዮ ብዝተኣመነ መገዲ እቲ ዋዕላ ከምዝዘተየሉን፣ ነዚ እማኔ’ዚ ድማ ብጐዳና ጣዕሳን ንስሓን ዝምራሕ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣሎ፣ ነዚ ዝድጋፉን ድዩ፣ ወይ ድማ ዝቃወሙን ኣብ ስርወ እምነት ምጽናዕ ዝብልን  ነቢያውነት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምስቲ ቅቡል ዝብል ባህሊ ዘይምኻድን ብዝብሉ ሓሳባት መልሲ ምሃብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዝተንጸባረቐሉ ዋዕላ እዩ ኔሩ። ናይቶም ርእዮታት ማእከል ድማ ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳርን ምስጢረ ተኽሊል ዘይፍታሕ እዩ ዝብል ነጥቢ እዩ ዝነበረ። ስለዚህ ከምዝፍለጥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዓቢይ ኣርእስትን ስርወ እምነት ዝትንክፍ ብምዃኑ ንኣኡ ዘጽንዕን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እዋናዊ ዝዀነን እዋናዊ ሕቶ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልላይን እዚ ድማ ምስኡ ክኸይድ ዝኽእል ኣብ ሕገ ቀኖና ዝውሰኽ መምርሒ ዘጽንዕ ድሕሪ ፍጻሜ ሲኖዶስ ዝዓዪ ፍሉይ ድርገት ክቐውም ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ድማ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሲኖዶስ እቶም ቋንቋ እንግሊዘይና ተጠቀምቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝመጹ ናይ ሲኖዶስ ኣበው መብዛሕቲኦም ኣብ ሳልሳይ ዓለም ውላድ ከም ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ናይ መጻኢ ምልክት ተስፋ ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ ስለዚህ  ውላድ ኣብ ስድራ ቤት ዘለዎ ግደ እዚ ድማ ናይቲ ምትእስሳር ዘተባብዕ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ሃገንኮርድ ኣፍሊጦም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደገፍ ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣረጋውያንን

እቲ ናይ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ውሽጢ ዝፍጸም ዓመጽን ብዙሓት ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ከም ውርደት ስለ ዝሓስብዎ ብውሽጦም ሒዞምዎ ዝነብሩ ብዙሓት እያቶም እዚ ናይ ስቓይ ሱቕታ መፍትሒ ክርከበሉን ንኣረጋውያን ብፍላይ ድማ ኣላዪ ዘይብሎ ተነጺሎም ንዝነብሩ በዚ ምኽንያት ናብ ርእሰ ቅተለት ዘብሉ ብዙሓት ብምዃኖም ብዓንተውኡ ኵለ መዳያዊ ደገፍ ክረኽቡ ምንቕቃሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምተመልከተን፣ ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒትን ወሊድነትን ጽንሲ ምቁጽጻርን ዝብሉ ነጥብታት ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ ሓላፍነት እዩ፣ ካህናት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ዘይተቐረቡ ብምዃኖም ዝህብዎ ሕንጸት ውሱን እዩ ዝኸውን ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ከም ፍቕሪ ድኣ እምበር ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝሕሰብ ምልክታ ሓጢኣት ከምዘይኰነ ኣብ ወንጌልን ብሓፈሻኡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተመርኰዘ ሕንጸት ክትህብ ይግብኣ ዝበለ ዋዕላ ምንባሩ ገሊጾም።

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልቲ ብተዓዛብነት ኣብ ሲንዶስ ዝተሳተፉ

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ዘላ እዋናዊ ተመክሮ ተመክርኤን ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ እቲ ናይ ብፁዓ ኣበው ሲኖዶስ ሕቶ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተሓባብር ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ኢስቶኒያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ስተፋኖስ ገሊጾም፣ ብናይ ማዕርነት ዝብል ርእየት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ዘመሓላልፍዎ ውሳኔን ዘጽድቕዎ ሕግታትን ነቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ባህርያዊ ጾታዊ ፍልልይ ዝሓክኽ እዩ፣ እዚ ድማ ብዓይኒ ስርወ እምነት ጥራሕ ዘይኰነስ ብዓለማዊ ሕይወት እውን ዓቢይ ጌጋ እዩ። ስለዚህ ነዚ ሕቶ’ዚ ቤተ ክርስቲያን መልሲ ክትህበሉ ይግብኣ ግቡእነት ጥራሕ ዘይኰነ ድማ ምሉእ ስንድውና ክህልዋ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ክቡርነቶም ቶሞትይ ቶርንቶን ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ስድራ ቤት ዝምልከት ጉዳይ ኣበርክቶ ክህባ ብዝህብዎ ኣበርክቶ ድማ ክተሓባበራ ዝተጸውዓ እያተን፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ናይ ተስፋ ትእምርቲ እዩ። ናጻን ግልጽን። ዝተፈላለየ ሓሳብ ክህልወካ ንቡር እዩ። ዘደንቕን ዝዕንቅፍን ኣይኰነን፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ንኸተበርክት ምስ ኣተቕርቦ ግና፣ ስለዚህ እቲ ሲኖዶስ ብሕውነት ዘተሓቛቑፍ ሓድነት ኣብ ብዙህነት እዩ ምስ በሉ ኣባ ሎምባርዲ ናይ ዕለቱ ጋዚጣዊ መገለጺ ዛዚሞም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.