2015-10-15 19:27:00

ወንጌል ሥድራቤት ትርግታ ልቢ ሲኖዶስ!


አበው ሲኖዶስ “ጸዋዕታ ቃልኪዳናዊ ሕይወት አለሊኻ ምኽአል” ብዝብል አርእስቲ በብናአሽቱ ጕጅለታት ዝተዛተይዎ ብቃልን ጽሑፍን አብ ምልአተ ጉባኤ ብምቅራብ ነዙይ ክፍሊ እዚ ከአ “ወንጌል ሥድራቤት ናይ ምሉእ ሲኖዶስ ትርግታ ልቢ እዩ” ከመይ አብ ወንጌል ሥድራቤትን አብቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ቃል ኪዳን እትምህሮ ትምህርትን ኩሉ ስለዝርከብ ቢሎም፣

አበው ብሓፈሻ አብዚ ክፍልዚ ክውሰኽ አለዎ ዝበልዎ መሪሕ ናይ ዘመንና ሰባት ክኸውን ዝኽ እል ቃል አምላኽ ስለዝኾነ ብዙሕ ጥቅስታት ቅዱስ መጽሓፍ ክውሰኾ ከማኡውን ንመንእሰያት ንክምርዓው ምትብባዕ ከመይ ብዙኃት ክፈርሁን ከደርሓርሕሩን ስለዝረአዩ ምሥጢረ ተክሊልን ንኩሉ ጊዜ ዘሰክሞ ኃላፍነትን እናአስተምሃርካ ከተተአማምኖም የድሊ፣ እዚ ዝተሃላለኸን ብርቱዕ ሥራሕ ዘድልዮ ስለዝኾነ ነቲ አሉታዊ ዝኾነ ውሑድ ኩነታት ገዲፍካ እቶም ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ተባዓት መንእሰያት ዝህብዎ ምስክርነትውን አብ ግምት ምእታው የድሊ፣ ጣዕሚ ኪዳናዊ ሕይወት ብጭቡጥ ምግላጽን ምምስካርን እምበር ዘሀውትት ሓሳባት ምቅራብ አየድልን፣ ኪዳናዊ ሕይወት ጸዋዕታ ስለዝኾነ መን እሰያት ነዚ ጸዋዕታ እዚ አለልዮም ም እንቲ ክኽ እሉ ብቃል አምላኽን አስተንትኖን ጸሎትን ምድጋፎም ከምዘድሊ እውን ተገሊጹ፣ እዚ ሲኖዶስ እዚ አብ ድሮ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ይግበር ስለዘሎ አብ መንጎኦም ዘሎ ምትእስሳር እውን ከምዝበርህ ገቢርካ አብ ሕግን ትምህርትን ጥራይ ዘይኮነ ጉዳይ ሰብ ሓዳር ብዓይኒ ምሕረት ዝረአየሉን መሰነይታ ክግበረሉን አለዎ፣ ከመይ ምሕረት አምላኽ ንኩልናን ንኩሉ ግዜን ስለዝኾነ ምናዳ ነተን ጸገም ዘለወን ሥድራቤታት ብፍቅራዊ ጉስነት ምሕጋዞም የድሊ አብ ሥርዓተ አምልኾ ሰናብቲ ክሳተፉ ምትብባዖም ሓጋዚ እዩ፣ ዝብል ሓሳባት ቀሪቡ፣

ንሊቀ ጳጳስ ርእሰ መንበር ሊቀ ጵጵስና ዘበአሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ንአበው ሲኖዶስ ዘቅረብዎ ሓሳብ ተወኪስናዮም ዝሃቡና ቃል ነቅርበልኩም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.