2015-10-15 16:27:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፦ ምስፋሕ ዘይተጻዋርነትን ዘይምቕባልን


ኣብዚ እዋን’ዚ ንኤውሮጳ እውን ዘይፈልያ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነትን እምነትካ ብግልን ብማሕበርን ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይገሃስ ከምዘሎን፣ ነቲ ብባህልን ብሃይማኖትን ቋንቋን ካባኻ ዝተፈልየ ናይ ዘይምቕባል ዝምባለ እናሰፍሔ ይኸይድ ምህላውን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ምግሃስ ተግባር ክሳብ ርኡይ ኣሳዶ እናዀነን ብፍላይ ኣብ ዓለም እዚዩ ነዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝተቓልዔ ድማ ማሕበረ ክርስቲያን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ምዕባለን ተቛም ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ውሕስነትን ምዕባለን ኣብ ኤውሮጳ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ጸረ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፦ ኣኽራርነትን ዘይዴሞክራሲያውያን መንግስታትን

ኣኽራርነትን ምልካውያንን ዘይዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝኽተላ ሃገራት ናይ ሃይማኖት መሰልን ክብርን ግህሰት ርቛሒ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ገሊጾም ኣብ ብዙሓት ናይ ዴሞክራሲ ባህሊ ሱር ዝስደደለን ሃገራት ድማ ዘይሃይማኖታዊ መንግስቲ ብዝብል ምስምስ ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰስ የብሉን ዝብል ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ኣመለኻኽታ መሰረት ድማ ኅብረ ባህላታት ስለ እቲ ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውይነት ምስፋሕ ኣሚቱ ነቲ ናይ ሃይማኖት መሰልን ክብርን ዝግህስ ሰላሕታ ግብርታት ይርአይ ኣሎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዘይምቅባልን ኣድልዎን ኣብ ኤውሮጳ

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ዘጨንቅ ናይ ዘይምቕባልን ግብረ ምንጻግን ኣድልዎን እናሰፍሔ ይኸይድ ምህላዉ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ገላገር ንኣብነት በርገሳዊ ስልጣን ንሃይማኖታት ከም መዛተይቲ ዘይምርአይን ኣብ ውዳቤ ሕብረተሰብ ሃይማኖት ዘለዎ ኣበርክቶ ቦታ ዘይምሃብ እዚ ድማ እቲ ቐጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ዝወልዶ ዘሎ ድላይ እዩ፣ እቲ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዝተዓደሎ ናይ ሃይማኖት ኣድማስ ንብዙሓት ህዝብታት ኤውሮጳ ንናይ ህልውና መወከሲ እዩ። ስለዚህ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኽባር ነቲ ሃይማኖቱ ክነብር ዝደሊ ሰብ ወይ ድማ ማሕበረሰብ ዘይኰነስ ንሃገር እውን ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣግሰልግሎት የመልክት።

ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣኽብሮት ናይ መንግስቲ ግቡእ ሓላፍነት እዩ

ናይ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ምሕታትን ናይ ካልኦት መሰልን ክብርን ምግሃስ ተገራጫዊ ተግባር እዩ። ስለዚህ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮት መሰረት ዝዀነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኽባር ናይ መንግስታት ግብኡ ሓላፍነት እዩ። ነጻነተይ እናበልካ ናይ ካልእ ነጻነት ምግሃስ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናጽነት ዘይምኽባር እዩ ዝኸውን፣ ምእንቲ’ዚ መንግስታት ስለ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝዀነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ክድግፉን ከነቓቕሑን ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.