2015-10-14 11:36:00

ማኅበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ዘሥርዓተ ግእዝ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን፣


ክብረ በዓል ማኅበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሎሚ ዓመት እቲ ቀንዲ ዕለቱ ሰንበት 23 መስከረም 2008 ግእ. ዝብዕል እኳ እንተኾነ፣ ብምኽንያት ሰንበት ካህናት ኵሎም ኣብ ቍምስናታቶም ምእንቲ ክቅድሱ፣ እቲ ዕለት ንሰኑይ ከምዝሰጋገር ኰይኑ እንሆ ሎሚ ዓመት 24 መስከረም 2008 ከምዝበዓል ተጌሩ። እቲ መደብ ሰንበት 23 መስከረም 2008 ኩሎም ደቂ ማኅበር ካህናት ከካብ ቍምስናታቶም ተአኻኺቦም፣ ልክዕ ሰዓት 4፣00 ድ.ቀ ደወል ተደዊሉ፣ ካህናት ደቂ ማኅበርን ገዳማዉያንን፣ ተመሃሮን ንኡስ ገዳም ዘርኣ ክህነት ከረንን፣ ብመረጌታ ኤርምያስ ተማእኪሎም ናይ ክብረ በዓሉ ብሓቂ ድሙቕ ዝኾነ ጸሎተ ዋዜማ ዓሪጉ፣ ዕምቆትን ምስጢርን ሰማዕትነት ኣባ ገብረሚካኤል ዝገልጽ ቅኔታትን’ውን ፈሲሱ። ድሕሪ ዋዜማ ናይ ድራር እንግዶት አብ መንበረ ጵጵስና ተገይሩ፣ ናይ ሰኑይ መደባት ብኣቦ መንበር ንማኅበርተኛታት ድሕሪ ተሓቢሩ፣ ብጸሎት ምስጋና ተዓጽዩ ኵሎም ደቂ ማኅበር ነናብ መዳቅስኦም ተፋኒዮም።

ሰኑይ ዕለት 24 መስከረም 2008 ዓ.ግዕዝ፣ ሰዓት 3፣00 ቅ.ቀ ደወል ተደዊሉ፣ ሰዓት 3፣30 ቅ.ቀ ማኅሌት ተጀሚሩ። ካህናትን ተመሃሮ ንኡስ ገዳም ዘርኣ ክህነት ከረንን ብመረጌታ ኤርምያስ ተማእኪሎም፣ ምዕሩግ ማኅሌተ መላእክት ዓዕሪጎም። ምስ ማኅሌት ቀጺሉ እቲ ዝዓበየ መስዋእቲ ቅዳሴ እዩ ስዒቡ። ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 5፣15 ቅ.ቀ ጀሚሩ፣ ቀዳስያን ካህናት ኵሎም ኣባላት ማኅበርን፣ ካብ ማኅበር ሲታውያን፣ ከምኡ ላዛርስቲ ዝተወከሉ ካህናት ብኣባ ሃብተልዑል ገብራይ ሊቀ ካህናት መካነ ሊቀ ካህናት ሓቢን መንተል፣ ቀዳሲ ካህን ተማእኪሎም፣ ብሓሳብ ቅድስና ብፁዕ ኣቦና፣ ዝሓለፉ ካህናት፣ ዝሓመሙ ካህናት፣ ናብ ቅዳሴ ተኣትዩ። ክቡር ኣባ ሃብተልዑል ገብራይ፣ ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 10፣ ድሕሪ ኣንቢቦም፣ ቀዳማይ ሰማዕት ክርስቶስ ኮይኑ፣ ብደሙ ንዝሃነጻ ቤተ ክርስትያን ከኣ ብዙሓት ከም ክርስቶስ፣ ምእንቲ ክርስቶስ ካብ እስጢፋኖስ ሊቀ ዲያቆናት ጀሚሩ ብዙሓት ደሞም ዘፍሰሱ ሰማዕታት ዘፍስሱ ዘለዉን እዩ። እዞም ሎሚ እንዝክሮም ዘሎና ብፁዕ ኣቦና ኣባ ገብረሚካኤል፣ ነታ ሓቂ እምነት ኣብታ ሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ሓዋርያውት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ተኺቦማ፣ ምስ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብሙኻን ነታ ሓቂ ብደሞ መስኪሮማ። ስለዚ ሎሚ ንሕናውን ኣብዚ ናይ ምስክርነትን ሰማዕትነትን ዘድልዮ ጊዜ ስለዘለና ነፍሲ ወከፍና በበቲ ዝተጸዋዕናሉ ብእምነት ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕና፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ምስክርነትና ክንህብ፣ ንትእዛዛት እግዚኣብሔር ብምሕላው’ን፣ ኣብ ፍቅሪ ተልእኮና ክንተግህን፣ ጾምን ጸሎትን ዘሰነዮ ሕይወት ክነብርን ክሳብ ዘለዓለም ዘካይደና ምስ እግዚኣብሔር ዘኅብረና ተስፋ ክንዕጠቅን አሎና ኢሎም።

ድሕሪ ቅዳሴ፣ ካህናት ንቍርሲ ናብ መንበረ ጵጵስና ከይዶም ቆሪሶም። ነቲ ድሕሪኡ ዝተሰርዓ መደባት ንምቅጻል ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ጵጵስና ብምእካብ ሰዓት 8፣00 ቅ.ቀ ማኅበር ስሩዕ መደብ ጀሚሩ።  ከም ቀዳማይ መደብ ዝተሰርዓ፣ ኣስተምህሮ ብኣባ ሃብተሚካኤል ባህልቢ ዝተሰናደወ፣ ትርጉም መልእክቲ ምሕረት ብምኽንያት ርእሰ ሊቃ ነጳጳስ ዝኣወጅዎ “ዓመተ ምሕረት” ናይ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ትርጉም፣ ካብ ቛንቛ ጣልያን ብምቱርጓም ዘሳናደውዎ፣ ኣባ ሃብተሚካኤል ባህልቢ ስለዘይጠዓሞም፣ ብኣባ መርሃዊ ሃብታይ ንጉባኤ ተነቢባ። እቲ ቀንዲ ዕላማ፣ ትርጉም ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ ምፍላጥን፣ አብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ዕላማን ቅድሚ ኵሉ ክስራዕ ዘለዎ ምሕረት ኣምላኽ ምዃኑን፣ ኩሉ ቤተ ክህነትን ምእመናን ነዚ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ምሕረት ዕድል ክንጥቀመሉ፣ ከምኡውን ኩልኹም ቤተ ክህነት ኣብ መንበረ ኑዛዜ ከይሰልከኹም፣ ንተነሳሕቲ ብምሕረት እግዚኣብሔር ከተጸናንዕዎም ሓደራ ዝብል መልእኽቲ ተነቢቡ።

ሕጊ ማኅበር ብኣባ ጐይትኦም ሳሚኤል ተነቢቡ፣ ርኢቶ ሕቶን ተዋሂቡ  ካብኡ መደብ ዘተ ቀጺሉ።

መዛተዪ ሓበሬታ

  1. ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጸገማት ዝገጠሞም ካህናት፣
  2. መጻሕፍቲ ካህናት ማኅበር ካብ ቅዱስ ሚካኤል ናብ መንበር መጺኡ፣ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
  3. ናይዞም ኣብዚ ዓመት ዝሞቱ ካህናት 90 ቅዳሴ ናይ ሰለስቲኦም ክቅድሰሎም፣
  4. ኮሚቴ ስነጽሑፍ፣ ከም መበገሲ ናይዚ ዝሓለፈ 2007 ዝተገብረ መደባት ትምህርትን ቃለ ጉባኤን ዘጠቃለለት ሰሪሖም ሓንቲ ንኡስ መጽሓፍ፣ ኣቅሪቦሙልና ኣለዉ።
  5. መደብ ናይ ወርሒ የካቲት፣ 07/02/2016 / 14/02/2016 ተመዲቡ ስለዘሎ ኩሉ ወዲ ማኅበር ፈሊጡ መደቡ ክሰርዕ ብሓለፍቲ ማኅበር ተሓቢሩ።
  6.  ምቅባል ሓደስቲ ኣባላት’ ፩. ኣባ ማሕደር ቃልኣብ  ፪. ኣባ ዳዊት ሕድሪ ማርያም፣
  7. መደብ ወርሒ የካቲት  አስተምህሮ ዘቅርቡ ካህናት - ምሕረት ኣምላኽ… ኣባ ዮሴፍ ሰሎሙን፣ - ንስሓ….. ኣባ ዘምህረት ብርሃነ







All the contents on this site are copyrighted ©.