2015-10-13 19:28:00

ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣሥመራ


ወትሩ 4 ጥቕምቲ ዓመታዊ  ክብረ በዓል እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ፍሉጥን ስሙይን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝበዓለሉ ዕለት ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሎም ዘመ’ንውን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት  ኣሥመራ ፡ ሰንበት 04 ጥቕምቲ 2015 ብዙሓት ኣባላት ንኡሳን ኣኅዋት ኣኃው ካፑቺኒ፡ ኣባላት ካልኦት ማኅበራት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ካብ ኣሥመራን ካልእ ቦታትትን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ቁምስናንን ነጋድያን ካብ ቁምስናታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድሙቕ መንፈስ ሓድነትን ሕያውነትን ብዓቢይ ሥነስርዓትን ብዝሃንጽ ኣገባብን ከቢሩ ዊዒሉ።

ብቅንያቱ ኣኅዋት መካነ ሕውነት ገጀረትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ ጸሎት ታስዕቲ ንሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ኣገልግሎቱን ፍሉይ ህያባቱን ዝምልከት ብጸሎት ዝተሰነየ ኣስተምህሮታት ብካህናትን ደናግልን ምእመናንን ኪወሃብ ድሕሪ ቀንዩ፡ ብድሮ በዓሉ ከኣ ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መዘምራን ብመንፈሳዊ ታሕጓስ  ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኪውድሱ ኣምስዮም። ከምኡ ድማ ኣብ ዕለቱ ብማኅሌት ዘሌሊት ዝጀመረ መደብ በዓል ብሓለቓ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ  ክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ዓስራይ ርእሶም ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኁባሬ ዓሪጉ። 

መስዋዕተ ቅዳሴ ብዝሃንጽ ኣገባብ ምስ ተፈጸመ ከኣ ታቦት ብለባስያንን መዘምራንን ተዓጂቡ ካብ ቤተክርስቲያን ወጸ። ዑደት በቲ ዝተዳለወ መስርዕ ናይ መስቀል፡ ዉፉያት፡ ኣቦታት ኣደታት፡ መንእሰያት ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን  ብጸሎትን መቁጸርያን ምህለላን መዛሙርን በቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ መድኃኔ ዓለም ዝርከብ ቅርዓት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣቢሉ ብዙርያ ገዳም ተዓወደ። 

ተሳተፍቲ ካብ ዑደት ተመሊሶም ኣብ ደረጃታት ቤተክርስቲያን ምስ ተኣኻኸቡ መዛሙር ያሬዳውያን ሊቃውንትን መንእሰያትን በብተራ ቀሪቡ። ቀጺሎም ሓለቓ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ  ክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ፡ ካብ መዝሙርን ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮስን እናጠቐሱ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ  ፈረሰይና ኮይኑ ክዋጋእን ክዕወትን እምበር ብዛዕባ ናይ ውልቁ መንፈሳዊ ሕይወትን ናይ ቤተክርስቲያን ምሕዳስን ሓሲቡ ኣይፈልጥን ፡ድሕሪ እቲ ጉዕዞ ንስሓኡ ግና እቲ ሃረር ዝብሎ  ብገርህነት ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ኣብ መንጎ ለምጻማትን ሕሙማትን ኮይኑ  ንኣምላኹ ከገልግል፡ ንቤተክርስቲያን ከሓድስ ሰለስተ ማኅበራት መስሪቱ፡ ቅድሚ 800 ዓመት ዝጀመሮ ተልእኮን ዕላማን ወንጌላዊ ሕይወት ሕውነታዊ ኣነባብራን ነታ ብደም ክርስቶስ ዝደኃነት ቤተክርስቲያን ምሕጋዝን ከኣ  ክሳዕ ሕጂ ይቕጽሎ ኣሎ ኢሎም። 

ንሓደ ጸሓፊ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ “ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሓደ ግዜ ተራእዩ ዝጠፍእ ዘይኮነስ ዝደጋገም ክስተት ኢዩ፡ ንእኡ ዘዘኻክሩ ካልኦት’ውን ክመጹ ኢዮም” ዝበሎ ዘኪሮም ከኣ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ሽዱሽተ ካብ ማኅበር ፍራንቸስካውያን ሸውዓተ  ከኣ ካብ 3ይ ማሕበር ርእሰሊቃነጳጳሳት ተመሪጾም እኳ እንተኮኑ፡ እቲ ሕይወት ንምክታሉ ከቢድ ኢዩ ካብ ዝብል ስግኣት ይኸውን፡ ካብኦም ነቲ ስምን ዕላማን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝወሰደ ኣይነበረን። እዞም ሕጂ ተመሪጾም ዘለዉ ተባዕ ኩርዓት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ግና ስሙ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብመንፈሳውነቱ  ንዓለም ከሓድሱ ስለዝደለዩ፡ ሃረርታኦም ድኻን ንድኻ ዝተወፈየትን ቤተክርስቲያን ምዃና ዓው ኢሎም ብምዝራቦም መንፈሳውነቱ ኪኽተሉ ዝደለዩ ይመስሉ። እቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዘምጽእዎ ተሓድሶ ቤተክርስቲያን’ው ቀሊል ኣይኮነን። እቲ  ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጸሓፍዎ ነቲ ፍራንቸስካዊ ፍጽምቲ ታሕጓስ ዝበሃል ዝመስል “ወንጌላዊ ታሕጓስ፥““ኦ! ጎይታይ! ውዳሴ ንኣኻ ይኹን”(Laudato Si) ዝብል “ክልተ ዓበይቲ መልእኽታት’ውን ነዚ ኢዩ ዘረጋግጸልና ኢሎም። 

ኣባ ኣማኑኤል ቀጺሎም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ  ብሕውነት ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ንኩሉ ተፈጥሮ ከም ኣሕዋቱ ዝርኢ ዝነበረ ሎሚ’ውን እቲ ሕይወቱን መንፈሳውነቱን ኣባና ክርኤ፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ንሕና’ውን ክንገብሮ ከምእንኽእል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ የመልክቱልና ኣለዉ፡፡ ክርስትና እቲ ክርስቶስ ዝከዶ ሕይወት ምካድ ወይ ምንባር ስለዝኾነ፡ ነዚ ብግብሪ ንዘርኣዩና ክርስቶስን ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ተከቲልና ናብ ድኻታት ክንጥምት፡ ብድኽነትና ንካልኦት ከነሀብትም ሓወይ ሓውተይ እናበልና ክንብር ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። ደቂ ፍራንቸስኮስ እንተኮይና ተግባር ፍራንቸስኮስ ንግበር፡ ሕይወት ፍራንቸስኮስ  ንንበር፡ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብነት ብካልእ መዳይ ከም ተግጻጽ ነዚ ኢዩ ዘተባብዓና ፡ ስለዚ ሎሚ ቁርጺ ፍቓድና ነሓድስ ኢሎም። ብእግዚኦታን ቡራኬን ቃለ ምስጋና ሐለቃ መካነ ሕውነት ጀግረት ኣባ ተስፉ ኢዮብን ከኣ እቲ ሥርዓት በዓል ተዛዚሙ።

ኣስተምህሮ ንስድራቤታት
በዚ ቤተክርስቲያን ንስድራቤታት ፍሉይ ትኩረት ሂባ ብሲኖዶስ’ውን እትዋስኣሉ ዘላ እዋን፡ ካልኣይ ሲኖዶስ ኤጳርቅና ኣሥመራ’ውን ብዝህቦ ኣብ ስድራቤታት ኪግበር ዘለዎ ሓልዮትን መደባትን መሰረት ቆሞሳት መንበረ ሊቀካህናት ኣሥመራ ዝሰርዕዎ፡ ንካብ ዝምርዓዉ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝገበሩ ሰብኪዳን ዝተዳለወ ክልተ ኣስተምህሮታት ዘኣንገደ መደብ ኣስተምህሮታትን ዘተን ብዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ተኻይዱ። ኣብቲ መደብ “ኣድላይነት ጸሎት ኣብ ሥድራቤት” ብኣባ ኃብተማርያም ኣብርሃ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፡ “ኣተዓባብያ ውሉድ’’ ብመምህር ገብረሕይወት መሓሪ ሰፋሕቲ ኣስተምህሮታት ቀሪቦም፡፡ ኣቕረብቲ ኣብ ኣስተምሮኦም ኣባ ኃብተማርያም ብዛዕባ  ኣገዳስነት ጸሎት ኣብ ሥድራቤት፡ እንኪገልጹ ጸሎት ምስቲ ፈጣሪናን ኣቦ ኩልናን ዝኾነ ኣምላኽ ቀጻሊ ምውሳእ ማለት ስለዝኾነ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብዘይ ጸሎት ክንነብር ኣይንእኽልን። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “ብዘይ ብኣይ ወላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትእኽሉን ኢኹም” ስለዝበለና፡ ብዘይ ጸሎት እንገብሮ እንነብሮን ወላ ሓንቲ  ስለዘይነስልጥ ጸሎት ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ስድራቤታን ኣድላዩ ኢዩ። እታ ኣብ ስድራቤታ ዘይትጽሊ ስድራ ኣብ ቤተክርስቲያን’ውን ክትጽሊ ኣይትእኽልን ኢያ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “እታ ሓቢራ እትጽሊ ስድራ፡ ሓቢራ ትነብር” ዝበሉዎ ስድራቤት ሓቢራ ብፍቕርን ብስኒትን ክትነብር እንተኾይና፡ ወትሩ ኣብ ቤታ ሓቢራ ክትጽሊ ይግባእ ኢሎም። መምህር ገብረሕይወት ብወገኖም ኣብቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ “ኣቱም ኣቦታት ብናይ ጎይታ ሥነሥርዓትን ምኽርን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ንደቅኹም ኣይተኾርይዎም”ዝብል ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ጠቒሶም፥ ውሉድ ብቀዳምነት እግዚኣብሔር ብሓደራ ዝሃበና ህያብ እምበር፡ ናትና ባዕልና ዘምጻእናዮም ዋኒና ስለዘይኮኑ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃበና ገይርና ብዝግባእ ምእንቲ ከነዕብዮም ሓላፍነትና ምስ ኣምላኽ ኮይና ኢና እንዋጽኦ። ወለዲ ንውሉድና ብሓደ ወገን ጥራይ ዘይኮነ፡ብኣካላዊ፡ማሕበራዊ፡ መንፈሳዊ ሕይወቶም ክንኩሶም፡ ኣብ ሕብረተሰብ ከመይ ይነብሩ’ውን ብዝግባእ ክንምህሮምን  ክንኩስኩሶምን ትሑዛት ኢና። ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራና ከኣ ብእዚ ግበሩ እዚ ፍጠሩ፡ ዘይኮነ ብኣብነታዊ ሕይወትናን ሥነምግባራዊ ኣካይዳናን፡በወግዓውን ዘይወግዓውን ትምህርቲ ስድራን ሥነምግባርን ኪኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡ ብሕቶን መልስን’ውን ተሳተፍቲ ነቲ መደብ ኣሃብቲሞሞ።
ሓበሬታ፡- ማሕበር ካቶሊካውያን ነጋድያን ኣድባረ ቅዱሳት ኣብ 2013 ቆይሙ፡ ቀዳማይ ጉጅለ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ዝተመሪሑ 35 ነጋድያን፡ ካብ 15-27 ግንቦት 2013 ንቅድስቲ ሃገር ከምዝነገዱ ዝፍለጥ ኾይኑ ፡ብድሕሬኡ’ውን እቲ ማሕበር ዝምርሓሉ ሕጊ ተዳልዩ፡  ብኣርባዕተ ጳጳሳት ጸዲቁ ይስርሓሉ ኣሎ፡፡ ዓሚ’ውን ካብ ዕለት 05 ክሳዕ 17 ግንቦት 34  ነጋድያን  ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን ተመርሖም ብዙሕ ተመኩሮ ዝቐሰምሉ ንግደት ፈጺሞም ከም ዝተመልሱ ይዝከር። ሎሚ ዘመን ከኣ ካብ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣርባዕቲኤን ኤጳርቅናታት ዝመጹ 32 ነጋድያን ብብፁዕ ኣቡነ  ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ተመሪሖም ካብ 08 ክሳዕ 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.ኣብ ቅድስቲ ሃገር ኣብ ኩሉ ቅዱስ ቦታታት ኪበጽሑ ኢዮም። ብሩኽን ዕዉትን ንግደት ኪገብረሎም ሠናይ ትምኒትና ንገልጸሎም።

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.