2015-10-13 15:49:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዛዕባ ዋዕላ ሲኖዶስ


ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለታዊ ዛዕባ ከይዲ ሲኖዶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል ቀዳም ዕለት 10 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዋዕላ ሲኖዶስ ናብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ሳልሳይ ዓንቀጽ ዘሰጋገረ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብቲ ናይ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣማእኪሎም፦ እቲ ሲኖዶስ ብነኣሽቱ ጉጅለታት ተከፋፊሉ ዘካይዶ ዘተ ኣብቲ ናይ ዕዮ ሰነድ ዝተመርኰዘ እዩ፣ እቶም ብነኣሽቱ ጉጅለታት ዝተኸፋፈሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘቕርብዎ ሓሳብ ነቲ ናይ ዕዮ ሰነድ ዘማልእን ንናይ ሲኖዶስ ፍጻሜ ሰነድ ንምቕራብ ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ቀሪቡ ዘተ ክግበረሉ ምዃኑ ገሊጾም፣ ካብዚ ስዒቡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንውሳኔ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክመሓላለፍ እዩ። ስለዚህ ቅዱስነቶም በቲ ዘለዎም ሓላፍነት መሰረት ክርእይዎን ውሳኔ ክህብሉን ሓዋርያዊ መዝነት ናቶም ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣተሓሒዞም ድማ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ብሓባር ድዩ ወይ ከኣ እቲ ሲኖዶስ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቕሪቡ ቅዱስነቶም ብዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝጠቓለል እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክዋኔኡ ከመይ ንዝብል ሕቶ ሓላፋነቱ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ እዚ ድማ ናይ ከይዲ ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ ዘመልክቶ ጉዳይ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣባ ሎምባርዲ ድሕሪ እቲ ዝሃብዎ መብርሂ ቀጺሎም እቲ ናይ 13 ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ሓባር ስቱር መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና ተመሓላሊፉ ዝብል ብዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ዝፍነው ዘሎ ዜና ኣሞርኵይዞም፣ እቲ መልኽቲ ስቱር እዩ ስለዚህ ብዛዕባኡ ዝህቦ ሓበሬታ የሎን ኢሎም፣ መራኸቢ ብዙሃን ዝብልኦ ዘለዋ ዜና ምጽራይ የድሊ፣ ካብቶም 13 ብፁዓን ካርዲናላት ብመራኸቡ ብዙሃን ኣስማቶም ዝተገልጸ ክታሞም ዘንበሩ ውሽጢ ዝጥቀሱ ዘለዎ ኩላትኩም ከምእተፈልጥዎ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላን ከምኡ እውን ብፁዕ ካርዲናል ቪንግ ትሮይስ ስሞም ከምይ ብመራኸቡ ብዙሃን ከምእተገልጸ ዘገረሞም ምዃኑ ብምግላጽ ኣብቲ ተመሓላልፊ ዝበሃል ዘሎ ስቱር መልእኽቲ ድማ ፊርማኦም ከምዘየንበሩን እንታይነት እቲ ዝበሃል ዘሎ መልእኽቲ እውን ዝፈልጥዎ ጉዳይ ከምዘየለ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ የረጋግጹ ስለዚህ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ዜና ምጽራዩ የድሊ ሓደራ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ንዝተፋትሑ ሰብ ሓዳር ነበር ቀረባ እያ፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ዝተፋትሑ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ይፈቐድ ኣይ ክፍቀድ የብሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ እውን ዘተ ተኻይዱ እዩ፣ ምዝ እዚ ተተሓሒዙ እውን ዋዕላ ሲኖዶስ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ምስጢረ ተኽሊል ብዕምቆት ዘትዩሉ እዩ። ስለዚህ ቅድሚ ምስጢረ ተኺሊል ድዩ ድሕረ ምስጢረ ተኽሊል ቀጻሊ ትምህርተ ክርስቶስ ክኸወን ከምዝግብኦን ኣብዚ መዳይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ካህናት ዝተማልኤ ምስንዳው ከምዘድልዮም ድማ ተሰሚሩሉ ኣሎ፣ ምስጢረ ተኽሊል ጸዋዕታ እዩ። ካብ ኰነ ድማ ቀጻሊ ሕንጸት ዘድልዮ ምዃኑ ብፁዓን ኣበዊ ሲኖዶስ የተሓሳስቡ ኢሎም።

ቀጺሎም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ኣባ ሎምባርዲ ተሓባባሪ  ናይ ቫቲካን ረዲዮ ቋንቋ ጀርመንይና ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ በርንድ ሃገንኮርድ ዓመጽ ኣብ ኣባይቲ ስድራን፣ ዝተሓናፈጸ መርዓን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ዘተ ከምእተኻየደ ሓቢሮም፣ ኣብዚ መዳይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ሰበኻታቶም ዘሎ ተመኰሮ መሰረት ዝገበረ ርእይቶን ሓሳብን ከምዘቕረቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ፍትሕ ውድቀት እዩ። እዚ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና ስርወ እምነት ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝንጸል ከምዘይኰነን፣ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ስርወ እምነት መሰረት ዝገብር እዩ። ስርወ እምነት መሰረት ገይሮም ፍትሕ ዘይፍቑድ ምዃኑ ዘነጽሩ ኣለዉ ገሊኦም ድማ ፍትሕ ስርወ እምነት መሰረት ብዝገበረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት መፍትሒ ክረክብ ይኽእል እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ሓቂ ኣብ ኩነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን  ከምኡ ድማ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኢየሱስ እንታይ ይሓተና ብዝብል ሓሳብ ድማ ስርዓት ተዓጻጻፊ ክኸውን ዝከኣል እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚ ዅሉ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ድማ ስርወ እምነት መሰረት ብምግባር እዩ። መሰኻኽር ሓቂ፣ ሓቂ ኣብ እዋናዊ ዓለም መሓሪ ምዃን ማለት እውን ምዃኑ ኣብቲ ሲኖዶስ ከምእተመልከተ ገሊጾም።

ስዒቦም ናይ ኣባ ሎምባርዲ ተሓባባሪ ኣባ ቶማስ ሮሲካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዶስ ብዘንጸባርቕዎ ዘለዉ ሓሳብ ኵሉ ይቐየር ዝብልን ኣይፋል ሓደ’ኳ ክቕየር የብሉን ዝብሉ ሓሳብ የቃልሒ፣ እዚ ክልቲኡ ተማላኢ ደኣ እምበር ኣማራጺ ኣይኰነን፣ ስለዚህ ነዚ ክልቲኡ ዘረኽብ መገዲ ሓቂ ከምዘድልን፣ ኣብዚ መዳይ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ ግደ ኣለዎ እንክብሉ የዘኻኽሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ተዓዘብቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ክልተ ሰብ ሓዳር ብራዚላውያን ሰብ ሓዳር ደ ረዘንደንን ከምኡ እውን ዝተሓናፈጸ መርዓ ዝነብሩ ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ባጃጅ እውን ከምእተሳተፉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.