2015-10-10 16:31:00

መበል 14 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ሲኖዶስ፦ ጽማሬ ናይ ራብዓይ ሓፈሻዊ ዋዕላ


ዕለት 9 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ናይቲ ናይ መበል 14 ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ራብዓይ ሓፈሻዊ ዋዕላ ምክያዱን ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ዝለገስዎ ቓል ስዒቡ ናይቶም 13 ንኡሳን ናይ ዘተ ጉጅለ ሲኖዶስ ኣብ ቀዳማይ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ፦ ብዛዕባ ብዶሆ ኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዞም ናይ ዘካይድዎ ዘተ ጸብጻብ ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ናይቲ ዝቐረበ ናይ ዘተ ጸብጻብ ናይ ሓባር ረቛሒ ሓሳብ ውሑድ ቅልውላው ዝያዳ ተስፋ ንኣባይቲ ስድራ ዝብል ምንባሩን እዚ ድማ ናይ ስድራ ቤት ጸገማት ጥራሕ ዘይኰነስ ብዝያዳ ጽባቔ ስድራ ቤት ክደምዕን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ዘለዎ ኣገዳስነት ዝገልጽ ምዃኑ ዝሓበራ ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን

ድማዔ ጽባቔን ህያውነትን ስድር ቤት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ 13 ጸብጻብ ውሑድ ቅልውላው ዝያዳ ተስፋ ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ዳርጋ ከም ረቛሒ ከምእተቓልሔን፣ ምስጢረ ተኽሊል ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ቃል ኪዳን ኣብ ዘይፍታሕ ባህርይኡ ዝተነብረ ጽባቔን ህያውነትን ስድራ ቤትን ናይ ሰብኣውነት ቤት ሕንጸትን ንሕብረተሰብ ሓይሊ ዝኾነ ናይ ምውህሃድ መራኽቦ መገድን ምዃኑ እቶም ንኡሳን 13 ጉጅለታት ኣብ ናይ ራብዓይ ዘካየድዎ ዋዕላ ዘተ ፍጻሜ ዘቕረብዎ ሰነድ ከምዘመልከቱን እቲ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ጠቕላሊ ሰነድ ኣብ ቀዳማይ ክፍሉ ንናይ ስድራ ቤት ብድሆታት ብስነ ማሕበራውነት ትንታነ ዘቕርቦ ርእየቶ ኣብ እምነትን ክርስቶስን ዘየማዕደው ተመሲሉ እንተተራእየ በንጻሩ ንስድራ ቤት ዘጋጥም ሓፈሻዊ ጸገም ብዘይምኽሓድ ተኣማንነትን ተስፋን ናይ እተቕርበሉ ቤተ ክርስቲያን እነኹልካ ዝብል ተወፋይነት ዘድምዕ እዩ እዚ ድማ እቲ ናታ መጻኢ ብስድራ ቤት ዝሓልፍ ምዃኑ የረጋግጽ።

ቅልውላው ኣብ እምነት ቅልውላው ኣባይቲ ስድራን፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት

ኣብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ንኡሳን ጉጅለታት ናይ ራብዓይ ዋዕላ ሰነድ፦ ዝረአይ ቅልውላው ስድራ ቤት ብኻልእ መልክዕ ሕንጸት ኣብ እምነት ስለ ዝጐደለ እዩ። ስለዚህ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከትን እቲ ዝጎደለቶ ዘድምዕ ሓሳብ እዩ። ብሓደ ወገን ድማ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ እዋናዊ ኵነት ስድር ቤት ተሓታቲት ዘብላ እዩ፣ ስለምንታይ ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ጭቡጥ ኩነት ዝረሓቐትን ኣብ ሕግታት ብምትኳር ምሉእ ራእይ ብዘይ ምግባራ እዩ። ብፁዓን ናይ ሲኖዶስ ኣበው ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቤተ ክርስቲያን ናይ ስድራ ቤት ገዛኢትን ጐይታን ዘይኰነት ኣገልጋሊቱ ክትኸውን ኣተባቢዖም እዚ ናታ መጻኢ ብስድራ ቤት ዝሓልፍ ብምዃኑ ንስድራ ቤት ሓለፋ ክትብል ከምዝግብኣ የተሓሳስቡ።

ስድራ ቤት ኤውሮጳውነት ብዘማእከለ ከይዲ ጥራሕ ከይትንተን

ንኡሳን ጉጅለ ናይ ሲኖዶስ ኣበው እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ሓባር መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ቀዳማይ ክፍሉ ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣብ ዝምለከት ጉዳይ ኣጠቓቕማ ቋንቋን ቅርጽታትን ሕሉፍ ምዕራባውነት መልክዕ ዘለዎ ከምዝመስልን፣ እዚ ድማ ኤውሮጳውነት ዘለዎን ብዙሕ ዘይማርኽ ዘደናግርን ብፍላይ ናይቲ ዘይማርኽን ዘደናግርን ኣመለኻኽታ ዘቕርብ ኣካል ድላይ ንምልላይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ግደ ኣለዋ። ስለዚህ ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክሕደስን ስሩዕን ግልጽን ብዙሕ ግብረ-ሙያኣዊ (ተክኒካዊ) ዘይኰነስ ብቐሊሉ ኩሉ ክርድኦን ከንብቦን ብዝኽልእ ኣገባብ ክቐርብ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ፒሮ ገሊጸን።

ኣይፋል ንሓፈሻዊ ህልዮ፣ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ብዙሕ እዋን ሓፈሻዊ ኣመለኻኽታ ዝዕብልል ኰይኑ እዚ ሓፈሻውነት ህልዮ ድማ ኣብ ኩሉ እትው እናዀነ ምልካውነት እንኰ ሕሳበ ብመልክዕ ጸቕጢ ኣናስፈሔ ኣብ ናይ ሕንጸት መርሃ ግብርታት ኩሉ እትው እናዀነ ንስራ ቤት ዝሃስይ እውን እዩ። ኣብ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን እውን ከይተረፈ ዝገራጨው ምልኣተ ድምጺ ክተአታተው ይግብር፣ ስለዚህ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብትኽክል ዝምልከት ግልጺ ኣብታ እቲ ስደተይና ዝመጻላ ሰበኻን ዝእንገደላ ሰበኻን ይዅን ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስደተይናን ተመዛበልንትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክጸንዕ ከምዘለዎ እቶም 13 ንኡሳን ጉጅለታት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከምዘስመሩሉን፣ ስደት ኣብ ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእነትን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት እውን ብድሆ ምዃኑ ከምዘነጸሩ ፒሮ ሓቢረን።

ሓልዮት ንኣረጋውያንን ኣካለ ስንኵላንን

እቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝቐረበ ናይቶም 13 ንኡሳን ጉጅለታት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ሰነድ ኣብ ሕይወት ስድራ ቤት ኣገዳስነት ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ ኣቦ ሓጐን ኣደ ዓባይን ግቡእ ክቡር ዋጋ ክወሃቦምን ከምኡ እውን ኣካለ ስንኵላን የሕዋት ንስድራ ቤት ብድሆ እዮም፣ ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት መንግስታትን ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳሰቡ።

ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባርን ኣብ ሰብኣዊ ሕይወትን ተፈጻምነቱ ብዑምቀት ምምርማር

እቲ ብናይ ዘተ ጉጅለ ዝተኸፋፈለ ናይ ሲኖዶስ ኣበው  ዘቕረቦ ናይ ዋዕላ ፍጻሜ ጸብጻብ መብዛሕቲኡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ  ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምእመናን ኣብነት ዝዀኑ ናይ ኣባይቲ ስድራ ድዩ ወይ ድማ ምስ ናይ ሕክምና ውጽኢት ዝተኣሳሰረ ተመክሮ ሕይወት ምቕራብ ዘለዎ ኣግዳስነት ዘጠቓልል ክኸውን ዘተሓሳስብን ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍ ብምስፋር ኣብ ንጽሕና ኣብ መዳይ ፍቕራዊ ስምዒትን ፍትወት ሕንጸትን ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ወለዶን ኣብ ሕይወት ስድራ ቤት ተጽእኖ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽልእ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ እደ ጥበብ ምዕባለን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ምዕባለ መርበብ ሓበሬታን ምስፋሕ ናይ ጸያፍ ስእልን ጽሑፍን ናይ ስነ ሕይወት ስነ መግባርን እዚ ኹሉ እንታይነት ሰብኣዊ ሕይወትን ክብሩን ከዕንው ስለ ዝኽእል ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ክግበረሉን ኣብዚ መዳይ ብቑዕ ሕንጸት ክቐርብ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘተሓሳሰቡ ፒሮ ኣፍሊጠን።

እቶም ናይ ንኡሳን ናይ ዘተ ጉጅለታት ዝኽተልዎ ኣገባብ ዘዕግብ እዩ

ብጠቕላላ ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ንኡሳን ናይ ዘተ ጉጅለታት ናይ ፍጻሜ ሰነድ እቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ ዘዕግብ ምዃኑ ከምዝሓበሩን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለየ ተመክሮን ቋንቋን ባህልን ዝነብራ ብምዃነን እዚ ድማ ብዙህነት ዘንጸባርቕ ክኸውን እንከሎ እቲ ኵሉ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ፍጻሜ ሰነድ እኽጠቓለሉ ብዝብል ሕቶ መሠረት ዝቐርቡ ዘለዉ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኩሉ ዘጠቓልል ኽኸውን ምግባሩ ዘይከኣል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፣ ኰይኑ ግና እቲ ዝቐርብ ሓሳብን ርእዮትን ንብድሆታት ንምግጣም ዝግበር ዘሎ ከይዲ ዘዕግብ ምዃኑ ከምእተገልጸ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.