2015-10-10 16:38:00

ሊቢያ፦ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ድሕሪ 5 ዓመት ሁከት


ሊቢያ ካብቲ ተሓሚሳትሉ ዘላ ሓምሻይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ድሕረ ገዳፊ ዝተኣታኣተወ ሃገራዊ ቅልውላው ንምልቓቕ ኣሚቱ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሽምግልና ኣብ ሞሮኮ ኣብ መንጐ እቲ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ ቶብሩክ መቐመጢኡ ዝገበረ መንግስትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ኣሰር ዝስዕብ መግንስቲ ሊቢያ እንክል ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ሓይሊዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ሊቢያ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ክቐውም ከምእተሰማምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ነቲ ናይ ሰላም ዘተ ዝሸምገሉ ፍሉይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡኽ በርናርዲኖ ለዮን ክዀኑ እንከለዉ ናይቲ ናይ ሊቢያ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣስማትን መንነትን ዝገልጽ ሰነድ ድሮ ከምእተሰናደወን ነቲ መንግስቲ ዝመርሑ ተወላዲ ከተማ ትሪፖሊ ናይቲ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ ቶብሩክ መቐመጢኡ ዝገበረ ፓርላማ ኣባል ፋየዝ ሰራጅ ምዃኖም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ላ ቨላ ኣተሓሒዞም ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘሐጉስ ዜና እዩ ቢሎም እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ከይመክን ሓደራ ቢሎም እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ድሕሪ ምውዳቕ ገዳፊ ተነቓቒሑ ዝነበረ ኣብዮት ሊቢያን ደሓር ድማ እቲ ንልዕሊ 2 ሚሊዮንን ፈረቓን ዜጋታት ሊቢያ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ተጸባይ ክኸውን ዝገበረ ናይ ዕግርግር ዓመታት ከስትንተንን ስለ ሃገርን ሕዝብን ሓድነት ኩሉ ክጽዕር እንከተሓሳስቡ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ደስ ዘብል ዜና እንክብል ገሊጹ ሚእቲ ሚሊዮን ኤውሮ ንዳግማይ ሕንጸት ሊቢያ ክሰልዕ ምዃኑ እንከፍልጥ፣ እዚ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት መፍትሒ ንኽረክብ ዝድግፍ እዩ ከምዝበለ ላ ቨላ ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቤንጋዚ ናይ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስይልቨስትረ ካርመን ማግሮ ምስ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ንሊቢያ ሰብኣውን ማሕበራውን ብሓፈሻኡ ንሃገራዊ ሕንጸት ዓቢይ ታሪኻዊ ኩነት እዩ እንክብሉ ገሊጾም እቶም ነቲ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ግብሪ ክውዕልን እቶም ክልተ ሓይልታት ድማ ንሕዝብን ሃገርን ጥቅሚ ዘተኰረ መምርሕታት ከጽድቑ ሓደራ ቢሎም እቲ ዝተብጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት ኢሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.