2015-10-08 15:58:00

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብሰለስተ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣባ ሎምባርዲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብነኣሽቱ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ክቐውም ከምእተገብረን እቶም ዝቖሙ ነኣሽቱ ጉጅለታት ቀዳማይ ናይ ዘተ ርክባቶም ኣካይዶምን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ሓላፍን ወሃቢ ቃልን ከምዝሓረየን፣ ዝርዝር ኣስማት ሓላፍትን ቃል ወሃብን ድማ ድሮ ከምተዘርግሔ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዕዮ ጉጅለ ኣባላት ካብ ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝመጹ ንሳቶም ድማ ናይ ፊላደልፊያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻፑት ንቛንቋ እንግሊዝይና፣ ብፁዕ ኣቡነ ኢልሪኽ ናይ ሊለ ሊቀ ጳጳስ ንቛንቋ ፈረንሳይናን፣ ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒኘሮን ምዃኖም ኣላልዮም፣ ድሕሪ እዚ ሓጺር መእተዊ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ኡልሪኽ እቶም ዝቖሙ ንኣሽቱ ጉጅለታት ሲኖዶስ ናይ ሓድነት ኣብ ብዙህነት መግለጺ ምዃኖም ዘረድእ መግለጺ እንክህቡ፣ ብፁዕ ኣቡነ ፒኘሮ ድማ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት እተሰንይን ሓቢራ ምስ ስድራ ቤት እትጓዓዝ ምዃና እንክትንትኑ፣ ብፁዕ ኣቡነ ቻፑት ድማ ብወገኖም እቲ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን  ዛዕባ ምስጢረ ተኺሊል ዝተቐበለቶ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ዘሎ ትምህርቲ እትህቦ ዳግም ዘረጋገጸ ከምዝኾነን ንዓንቀጸ እምነት እምንቲ ኰይና ንማንም ዘየጉሂ ቋንቋ ብምጥቃም ክትነብሮን ከተስተምህሮም ዝተጸውዔት ምዃና ዘረጋገጸ እንክብሉ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ኣባ ሎምባርዲ ድማ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ካብ ሲኖዶስ ወጻኢ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ንዝቐርበሎም ሕቶ ንዝደለይዎ ናይ ዜና ማዕከናት ክምልሱን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰበኻታቶም ብዛዕባ ከይዲ ሲኖዶስ ሓበሬታ ክህቡን ናጻ እዮም ኰይኑ ግና ነየኖት ናይ ዜና ማዕከናት ዘቕርባኦ ሕቶ ምምላስ ናታቶም ምርጫ እዩ፣ ምስ ዝሕተቱ ዝምልሱ እምበር ብድላዮም ተለዓዒሎም መግለጺ ዝህቡ ከምዘይኰኑ ሓቢሮም ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጠናዊ መግለጺ ከምዝዛዘሙ ኣፍሊጠን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.