2015-10-08 15:55:00

ሲኖዶስ፦ ጽማሬ ናይ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ሳልሳይ ዋዕላ ሲኖዶስ


እቲ ናይ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ሳልሳይ ዋዕላ ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ብናጻ ዘተ ዝቐረቡ ሕቶታትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዘቑምዎ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢ ድርገትን ኣማእኪሉ ዝተኻይደ ክኸውን እንከሎ ነዚ ሳልሳይ ውዕሎ ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝተበገሰ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መኽፈቲ ሳልሳይ ዋዕላ ሲኖዶስ፦ ምስጢረ ተኽሊል ክፍሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ከምዝዀነን ስለዚህ ድማ ዘይቕየር እዩ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣ ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉን ቅዱስ ቁርባን ይፈቐደሎም ወይ ድማ ኣይፈቐደሎም ዝብል ሕቶ መሰረት ዝተፈላለያ ደጋውያን መራኸቢ ብዙሃን ንዝፍንወኦ ዜናታት ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጥሙር ውህደትን ሕውነታዊ ባህርዩን ዘይድግፍ ብምዃኑ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣቃልቦ ከይህብሉን፣ ከምኡ እውን እቲ ሲኖዶስ ብንኡሳን ጉጅለታት ብፁዓን ጳጳሳት ተወዳዲቡ  ዘካይዶ ዘተ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣስተንፍሶ እዩ እንክብሉ ከምዘብርሁ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ውዕሎ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣብ ዘቕረብዎ ርእይቶን ሕቶን ተመርኵይዙ ከምዝቐጸለ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቶም ዝቐረቡ ሕቶታትን ዝተዋህቡ ርእይቶታት ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ ሃብትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ምንጪ ሕዳሴ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራውያን ክቡራት ዋጋታትን ንሓደ ሰብኣዊ ምህዳር እውን መሰረት ከምዝዀነን ብዘይ ስድራ ቤት ማሕበረሰብ ፈራሲ ምዃኑ ዘቃልሔን ካብዚ ብምብጋስ ድማ ናይ ፖለቲካ ዓለም ንስድራ ቤት ክከላኸልን ብፍላይ ድማ ነታ ብዙሓት ኣባላት እትሓቍፍ ስድራ ቤት ዝድግፍ ክኸውን ጻውዒት ዘቕረበ ምንባር ሓቢሩ።

ናይ መንእስያት ሕንጸት ኣማእኪሉ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ወለዶ ርክብ ክህሉ መታን መንእሰይ ወለዶ ብስነ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ እምነት ርሒቑ ከይዓብይ መንፈሳዊ ሕንጸት ክረክብ ከምዝግብኦን፣ ኣብዚ መዳይ እቲ ዓቢይ ወለዶ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ተቓሊሑን ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብቲ ዘለዋ ዓቢይ ሓላፊነት ኣተኵይራ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ መንፈስ ውልቃውነት ንኽውገድ ኣሚታ ኣብ መንጐ መንእሰይን ዓቢይ ወለዶን ናይ ተመክሮን ናይ ምስክርነት ምልውዋጥ ክህሉ ከምእተነቓቕሕን ስድራ ቤት ተራኻቢ ደኣ እምበር ሰፈር ጭሩ ብዘይምዃኑ ድማ ግብረ ኣንግዳ ዝንበረሉ ናይ ሕብረተሰብ ህያውነት መግለጺ እዩ እንክብል እቲ ሳልሳይ ውዕሎ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያን ቤት ኣቦ ብምዃና ዝተኸፍቱ ማዕጹ ዘለዋ ንኹሉ እትሓቁፍ ኣደ እያ። ናይ ጓሳ ሓጎስ ነቲ ዝተዓንቀፈ ሓው ብምድጋፍ ህላዌኡ ዳግም ከእርምን ከመዓራርይን መንገዲ እግዚኣብሒር ፈልዩ ንኸለልይ ኣብ ዘቕርቦ ድጋፍን ስንዮታን እዩ። ነቲ ዝቖሰለን ኣብ ጸገም ዝርከብ ስድር ቤት ስቓይን ብዘይ ምፍራድ ናይ እግዚኣብሔር ጭቡጥ ፍቕሪ ክትምስክርን ከተቐርብን ከምዘለዋን፣ እዚ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት መግለጺ ምዃኑን ቤተ ክርስቲያን ብብፁዓን ጳጳሳት ተመሪሓ ናይ ውህደትን ዕርቅን ጉዕዞ ዝኽወና ቤተ እውን ምዃና እቲ ሳልሳይ ውዕሎ ከምዘተሓሳሰበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብድኽነት ዝተጠቕዔ ስድራ ቤት ዝነብሮ ድኽነት ሕሱም ድኽነት ክኸውን ዝድርኾ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ምግብረ ብልሽውናን ምዝመዛን እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ እቲ ውዕሎ ብምስትንታንን ቀጺሉ ድማ ናይ ስነ ጾታዊ ስምዒት ትምህርትን እስላማዊ መኽረርትን ዝኣመሰሉ ስድራ ቤት ንሓደጋ ዘቓልዑ መሰናኽላት ነቲ እግዚኣብሔር ዝገለጾ ቃል ኪዳንን ወይ ድማ ሓዳርን ስለ ሰብኣዊ ሕይወት ዘቕርቦ ሓቂ ዝቃወሙ ልክዕ ምስ ናዚነትን ፋሽስታውነትን ከምኡ እውን ዴስነትን ዝመዓረረይ ተግባር እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ዘለዎ ጽባቔ ናይ ምንቕቓሕ ሓላፍነት ኣለዋ። ንዝተፈላለዩ መንፍሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ቤተ ክርስቲያን ምስጋና ይኹን እዚ ጽባቔ’ዚ ድማ ይምስከር ኣሎ። ስድራ ቤት እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ተልእኾ ማእከል ከምዝኾነ ድማ እቲ ሳልሳይ ውዕሎ ብምቅላሕ፣ እተሓሒዙ ኣብቲ ማሕበረ ክርስቲያን ንዓመጽን ስደትን ሓደጋን ኣብ ዝተቓልዓሉ ቦታ ኩሉ ዝምስከር ሓቂ ምዃኑ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብምስጢረ ተኽሊል ዝቖመ ስድራ ቤት ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት ኣለዋ፣ እዚ ድማ ብጎዳና ሕንጸት ጥራሕ ዘይኰነስ ካብቲ ቤተሰብ እውን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ ስድራ ቤት ነቲ ዘጓንፎ ጸገማት ንምስጋር ካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ንገዛእ ርእሳ ብእትዕደሎ ትምህርቲ ኣቢላ እውን ትድግፍ ምዃና እቲ ዋዕላ ገሊጹ። ንጸገማት ስድራ ቤት ጥራሕ ዘይኰነስ ስድራ ቤት ብዓይኒ እግዚኣብሔር ብምጥማት ኣብቲ ጸላም ዝተመልኦ ዓለም ዝርጋሔ ብርሃን ምዃኑ ብምስትውዓል ክስትውዓሎ እትድግፍ ምዃና እቲ ውዕሎ ከምዘነጸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ምስጢረ ቃል ኪዳንን እምነትን ቅልውላው ዝርከብ ስድራ ቤት ብብምቕዓት ዝድግፍ ዝተማልኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከተቕርብ ይግብኣ፣ ንምስጢረ ተኽሊል ኣብ ምስንዳውን ድሕሪ መርዓ እውን ዝቕጽል ስድራ ቤት ከም መደብ እግዚኣብሔር ክዓብይ ዝድግፎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ ናይ ምስጢረ ተኽሊል ውበትን ውህበትን ፍቕርን ዝነብር ስድራ ቤት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾ ከተነቓቕሕን ነቲ እምነትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ጉዳይ ክእለይ ዝቱኽቱኽ ባህሊ ብብቕዓት ንምግጣሙን ምውጋዱን ዝድግፍ ምዃኑ እቲ ውዕሎ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ውግእን ዓመጽን ካብ ዝኣመስሉ ጸገማት ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ዝስደድ ስድራ ቤት ምእንጋንድ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ክሕለወሉ መታን ቤተ ክርስቲያን ደገፋ ተቕርብ። ኣብቲ ውግእ ዘለሉ ቦታን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ካብ ስድራ ቤት ወጻእን ዘበሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ ቤተ ክርስቲያን ብምቅዋም ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ብኵለ መዳይ ክኽበርን ኣብ ኩሉ መዳይ ተሳትፎኤን ክብርትዕን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾን ኣብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤታትን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳውያን ኣቢያተ ምኽሪታትን ኩሉ ብዝግባእ ሓላፍነት ክዋስኣ ቤተ ክርስቲያን ተተባብዕ ዝብለ ዋዕላ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ሓዳር ክፍቀድ ዝብል ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እውን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ውሳኔ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ዝጻረር ምዃኑን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ጽልኢ ዘይኰነስ ስለ እቶም ዝሳቓዩ ክጽለይ ሓደራ ብዝብል መተሓሳሰብን ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ክልተ ስድራ ኣባይቲ ብዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.