2015-10-08 19:05:00

ሥድራቤታት ንዓለምና ሰብአዊ ክብሪ እንከልብስዎ ዘሎ ሥርዓተ ፖሎቲካ ግን የግድዖም አሎ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርንቸስኮስ ካብቲ ምስ አበው ዘካይድዎ ዘለው ሲኖዶስ አመንጕዮም ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምሃብ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናን ሮማን አብ ሮማ ዝርከቡ ነጋድያንን “ቤተክርስትያን ንተል እኾአ ክትብል ዓለም ከአ ንህልውናአ ክትብል ብመንፈስ ሥድራ ናይ ምጕዓዝ ግድነት አለወን፣ እዚ መንፈስ እዚ ከአ ሲቪላዊ ናብራ ይኹን ሕይወት ቤተክርስትያን ብዝበለጸ ተሓቋቍፍካን ተኸባቢርካን ንምንባር ብርሃን ይህብ፣” እንክብሉ ሥድራቤት መሠረትን ምንጭን ናይ ሕይወት ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ መተካእታ አልቦ ሠናይ ነገር ናይ ነፍሲወከፍ ኅብረተሰብ ዘመንጩ ሥድራቤት ፖሎቲካውያንን ቍጠባውያንን ትካላት ክድግፍዎ ሓደራ ቢሎም፣

አብቲ ምስዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ሥድራቤት አተሓሒዞም ዘቅረብዎ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን አብ ባሕሪ ዓለም ሰባት ክትገፍፍ እንተደአ ኮይና በቲ ክሳብ ሎሚ ዘግልገለ አረጊት ሰኪዔት ዘይኮነስ እንተደአ ነቲ ጐይታ ንጴጥሮስ ገፋፊ ዓሣ ዘይኮነ ገፋፊ ሰብ ክገብረካ እየ ዝበሎ ቤተክርስትያን ናብዚ ተልእኮዚ ከምብሓዲሽ ክትዋፈር እንተኾይና መርበብ ርክብን ክብርታትን ኮይኑ ንሥድራቤት ጠሚሩ ዝሕዝ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሳይንስ ይኹን ተክኖሎጂ ክህቦ ወይ ክትከኦ ዘይከአለ መንፈስ ሥድራቤት ብብዝሒ ክትጥቀመሉ የድሊ፣ እንክብሉ ነቲ አብ መንጎ ቤተክርስትያንን ሥድራቤትን ዘሎ ምትእስሳር እውን ከም ቃል ኪዳን ዘይፍታሕ ምዃኑ ብዘመልክት ቃና ገሊጾም፣

መንፈስ ሥድራቤት ንዝኾነ ይኹን ኩነት ናብራ ዓድታትን ባህልታትን ከምዝጠምር ከአ ከምዚ ክብሉ ሓቢሮም፣ “ዕለታዊ ናብራ ናይ ዘመንና ሰብኡትን አንስትን ብምስትውዓል እንተደአ ተመልኪትና እዚ መንፈስ ሥድራቤትዚ ብኅጸት ከምዘድሊ ንግንዘብ፣ ከም ሓቁ እንተደአኮይኑ ሲቪላዊ ቍጠባዊ ሕጋዊ ዜግነታውን ካልኦት ርክባትን በዚ መንፈስዚ እንተዘይም ዒዞም ደረቅን ትርጉም አልቦን ከምዝኾኑ ንግንዘብ፣ ወረ ሓንሳብሓንሳብ ክትጻወሮ ዘይከአል ጸገም ስለዝኸውን ባሕታውነት ብምምራጽ ንገዛእ ር እስኻ ክተግልል ትግደድ ዝገደደ ከአ ገሊፎምኻ ምስቶም ከምዝከማኻ ዝተገለፉ ሰባት ኰንካ ቍጽሪ ተብዝሕ፣ ሥድራቤት ግን ክትነብረሉ እትኽእል ዓለም ይፈጥር፣ ንሰብ ሎሚ ጐዲሉ ዘሎ ሰብአውነት ከአ እዚ እዩ፣” እንክብሉ ህልው ኩነታት ምስ ገለጹ መንፈስ ሥድራቤት አብ ማኅበረሰብ ዘጽርጾም ነገራት ከምዚ ክብሉ ሓቢሮም፣

“ሥድራቤት ናይ ተአማንነትን እምነትን ገርህነትን ምትሕብባርን ምክብባርን ምት እስ ሳር የተአታቱ፣ ክትነብረሉ ዚከአል ዓለም ንምህንዳስ እናተባበዔ ከአ ወላውን አብቲ ሕሱምን ፈታንን ጊዜ አብ ምትእምማን ዚዓሰሎ ርክባት ብምእማን ቃልካ አብ ምኽባርን ንግለሰባት አብ ምኽባርን ጉድለታትካን ጉድለታት ካልኦትን ክትቅበል የኽእለካ፣ ኵልና ከምንግዘቦን ከንቅበሎን ከአ መንፈስ ሥድራቤት ዚዓሰሎ አተሓሳስብ አብቶም ድኹማትን ዝቆሰሉን ተስፋ ዝቆረጹን አባትላት ሥድራቤት ፍሉይ አተኵሮ ንክትገብር የኽእለካ” እንክብሉ አድላይነት ሥድራቤትን መንፈስ ሥድራቤት አብ ኩሉ ናብራን ዘገንዘብ ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.