2015-10-01 19:22:00

ንግጭታት ዘሸንፍ ምሕረት እዩ! ፈላለይቲ መናድቅ ወትሩ ፈረስቲ ኢዮም! ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቅረብዎ ትምህርቲ “እግዚአብሔር መራኸቢ ቢንቶታት ክሃንጽ ይደሊ! እንተንሕና መፋላለዩ መናድቅ ንሃንጽ” እንክብሉ ብዛዕባ እቲ አብ ዝሓለፈ ሳምንቲ አብ ክዩባን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብሰፊሑ ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም አብ ዓለምና ካብ ዘለው ግጭታትን ናይ ሥነሓሳብ ፍልልያትን ውግአትን ምሕረት እግዚአብሔር ስለዝኅይል አባኡ ንተአመን ድሕሪ ቢሎም አብ አድላይነድ ሥድራቤት ምልስ ቢሎም ከአ ነቲ አብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት አብ ከተማ ቫቲካን ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ሲኖዶስ ጳጳሳት ናይ ሥድራቤት እውን ዘኪሮም፣

ቅድሚ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተዘዋዊሮም ሰላምታን ቡራኬን ምሃቦም ምስትምሃሮምን አብ አደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ማልታ ማኅበር ግብረሠናይ ዝሕግዝዎም አርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ምስ ተሓጋገዝቶም ተቀቢሎም ሰላምታን ቡራኬን ቃል ምዕዳንን ሂቦም፣

ቅዱስነቶም አብቲ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ትምህርቶም ነቲ አብዚ ቀረባ መዓልታት ዘካየድዎ ዓሥራይ ዓለምለኸ ሓውጾተ ኖልዎ ክዩባን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን “አርማ ምሕረትን ሕንጸት መራኸቢ ቢንቶታን” ከምዝነበረ ብምግላጽ ንመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ራውል ካስትሮን ባራክ ኦባማን ከማኡ እውን ንዋና ጸሓፊ ኅቡራት ሃገራት ባን ኪሙን ምስ ኩሎም ሕዝብታት ክ ዩባን አመሪካን ነዚ ጕዕዞ እዚ ዕውት ንክኸውን ብዝበርከትዎ ልባዊ ምስጋና ዳግም አቅሪቦም፣ ናብ ክዩባ ብኸመይ ከምዝ አተው ከአ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“አብታ ብባህርያዊ ጽባቄን ባህልን እምነትን ዝወቀበት ሃገረ ክዩባ ንርእሰይ ከም “ናይ መለኮታዊ ምሕረት ልኡኽ” አቅሪበ፣ ምሕረት እግዚአብሔር ካብ ዝኾነ ቍስልን ግጭትን ሥነ ሓሳብን ይዓቢ፣ በዚ መንፈስ እዚ ከአ ንመላእ ሕዝቢ ክዩባ አብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዘሎ ኩሉ ብዘይ አፈላለይ ሃንጐፋይ ቢለ ተቀቢለዮ፣ ናይዚ ናይ ሕዝቢ ክዩባ ዓሚቍ ሓድነት ምንጪ ከአ እታ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ጠበቃ ሃገሮም ክትከውን ዝተአወጀት ድንግል ማርያም ዘፍቅር ዘኮብረ እዩ፣ እዛ ድንግል እዚአ አደ ተስፋ ኮይና አብቲ ዝገብርዎ ናይ ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ጉዕዞ ከም አደ ትመርሖም፣ ድሕሪ ቢሎም ምስ ሕዝቢ ክዩባ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትንቢት ማለት “ክዩባ ንዓለም ክፍቲ ትኹን ዓለም ከአ ንክዩባ ክፍቲ ትኹን” ቢሎም ዝተነበይዎ ክፍጸም ተዓዚበ፣ ምዕጻውን ንድኻታት ምዕማጽን አብቂዑ ክብሪ ዘለዎ ነጻነት ይቀላቀል ስለዘሎ ንልቢ ብዙኃት መንእሰያት ክዩባ ብሓጐስ ይመልእ፤ ብቀጠፍጠፍን ምጥፍፋእን ዘይኮኖ ብኃላፍነትን አገልግሎት አኅዋትን ዝርከብ ሃብቲ ከጥርዩ አለዎም፣ ድሕሪ ቢሎም ብዛዕባ እቲ ንፍርቂ ዘመን ምስ መመላእታ ደስኪሉ ዝጸንሔ ርክብ ክዩባን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን አመልኪቶም ከአ መናድቅ ፍልልይን ጽልእን ውዒሎም ሓዲሮም ዓነውነው ቢሎም ከምዝወድቁ ገሊጾም፣ ነዚ ዝኸውን ኃይሊ ከአ አብ ክርስትያናዊ ሠረት ዘለዎ ሕዝቢ ብብዙሕ ሥቃይ ከምዝርከብ ገሊጾም፣

እቲ ካብ ክዩባ ንኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ዝገበርዎ ጕዕዞ አምሳል ናይቲ እናተመሓየሸ ዝመጽ እ ዘሎ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኮይኑ እግዚአብሔር ይመስገን ብርእይቶይ አምሳል ናይቲ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ዝሃንጾ ዘሎ መራኸቢ ቢንቶ ናይዘን ሃገራት እዩ፣ እግዚአብሔር ወትሩ መራኸቢ ቢንቶታት ክሃንጽ ምስ ደለየ ኮይኑ ንሕና ግን ዝፈላለየ መናድቅ ንሃንጽ፣ እንተኾነ እዚ መናድቅ እዚ ወትሩ ዓነውነው ቢሎም እዮም ዝወድቁ፣ቢሎም፣

አብ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ አብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ አብ ሠለስተ ቦታታት ዋሽንግቶን ኒው ዮርክን ፊላደልፍያን እንክኸውን ምስ ሰብ ሥልጣን መንግሥቲ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሕዝበ ክርስትያን አቡናት ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ከምዝተራኸቡ ልዕሊ ኩሉ ግን ምስቶም ዝደኸዩን ዝተጐስዩን ክፍሊ ኅብረተሰብ ምርኻቦም ገሊጾም፣ ናይ ሕዝቢ አመሪካ ዝዓበየ ሃብቲ መንፈሳውን ሞራላውን ውርሻታቶም ምዃኑ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም አብቲ መሠረታዊ ዕላማ ዝኾነ ማለት ኩሎም ደቂ ሰባት ብማዕረ ብ እግዚአብሔር ዝተፈጥሩ ምዃኖምን መሰላ ሕይወትን ነጻነትን ብታሕጓስ ናይ ምንባርን ስለዝተዓደሉ ማኅበረሰቦም በዚ መሠረት ኪሃንጹ ከምዘባብዕዎም እውን ገሊጾም፣ አተሓሒዞም ከአ እዚ መንፈሳውን ሞራላውን ውርሻታት እዚ ከም በዓል አባ ጁኒፐሮ ሰራ ሰባኬ ወንጌል ናይ ካሊፎርንያ ዝኾኑ ካፑቺናዊ ባዕሎም ከአ አብ ዋሽንግቶን ቅድስናኡ ዚአወጁ መሰኻኽር ከምዝኾኑ አብሪሆም፣ ቅዱስ ጁኒፐሮ መንገዲ ታሕጓስን ምስ ካል ኦት ንፍቅሪ ክርስቶስ ምክፋልን ሓቢሮም ዝበሉ ቅዱስነቶም መንገዲ ክርስትና ከአ እዚአ እያ ኮይኑ ግን ናይ ነፍሲ ወከፍ ንፍቅሪ ዝፈለጠ ሰብ እውን እያ፣ ነዚ ፍቅሪዚ ንርእስኻ ጥራይ ሓዚእካዮ ሱቅ አይትብልን እንታይ ደአ ምስ ካልኦት ትካፈሎ ቢሎም፣ በዚ ሃይማኖታውን ሞራላውን መሠረት እዚ እዮም ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ዝተወልዱን ዝዓበዩን ሕጂውን እንተኾነ እንኮ ምርጫኦም እዚ መንገድዚ ስለዝኾነ ናይ ነጻነት መሬትን ተቀባሊት ጋሻን ብምዃን ፍትሓውን ኅውነታውን ዓለም ንምህናጽ ትስራሕ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣

አብ ኅቡራት ሃገራት ከአ ንሰላምን ምክንኻን ከባቢን ክሰርሑ ከምዝተባብዑ አብቲ ብግራውንድ ዜሮ ዝፍለጥ ሓውልቲ ምስ መራሕቲ ካል ኦት ሃይማኖት ከምዝጸለዩ እውን አዘኻኺሮም፣

አብ መወዳእታ ቀንዲ ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ምኽንያት አብ ዝኾነ አብ ፊላደልፍያ “ንኩሉ ግድላት ናይዚ ዓለምና መልሱ ሥድራቤት ከምዝኾነ ማለት አብ መንጎ ሰብ አይን ሰበይትን ዝግበር ኪዳን ነቲ ናይ ምክፍፋልን ንኹሉ ብምድብላቅ ሕንፍሽፍሽ ዘብሉን ግድላት እንኮ መልሲ እዩ” ክብሉ ከምዘስተምሃሩ ብምግላጽ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.