2015-10-01 15:27:00

ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ


ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ነቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ንዝካይድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣሚቱ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ብርክታ ሰነድ፦ ኣብ ኣፍሪቃ ድኽነት ውግእ ቅልውላው ከባቢ ተፈጥሮን ምስፋሕ ዝተፈላለዩ ርእየት ክብሪ ስድራ ቤትን ንስድራ ቤት ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ ከምዘመልከተ ነቲ ሰነድ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኤኮኖሚያዊ ዘይማዕርነት ንስድራ ቤተ ዓቢይ ሓደጋ

እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ከምኡ እውን በቲ ኣፍሪቃዊ መንቀሊ ዘለዎም ጸገማት ምኽንያት ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ኣዚዮም ከምዝጥቕዑን ንምምፍልላይን ንፍትሕን ዝአመሰሉ ሓደጋታት እውን ከምእተቓልዑን እዚ ክስተት’ዚ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ከይዲ ኤኮኖሚ ንውሑዳት ዘህብትም ነቲ ዝለዓለ ህዝቢ ዓለም ድማ ናብ ድኽነት ዝድርኽ ብምዃኑ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንዘይተረጋገጸ ኤኮኖሚያዊ ሓደጋ ኣሕሊፉ ከምዝሃበን እዚ ጉዳይ’ዚ ብዝፈጥሮ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኤኮኖሚ ድማ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ኣዚዩ ክዓብይ እናገበረ ሕዝቢ ኣፍሪቃን ኣባይቲ ስድራ ኣፍሪቃን ንሓደጋ ከምዘቃልዔ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአይ ዘሎ ከይዲ ምስፋሕ ከተማታትን መደብ ልምዓትን ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ናይ መወዳእታ ዓመታት ኣትሑዙ ዝረአይ ዘሎ ከይዲ ልምዓት ንምሕዳር ኣዚዩ ሓደገይናን ከባቢ ተፈጥሮ ዝብክል ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ዓቢይ ሽግር የስብዕ ምህላውን ስድራ ኣባይቲ የመዛብል እውን ምህላዉ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ዘውጽእዎ ሰነድ ኣመልኪቶም፣ ምስፋሕ ከተማታትን መደብ ልምዓትን መላእ ሕዝቢ ዘርብሕ ክኸውን ይግብኦ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ስድራ ቤት ናይ ሕይወት ማእከል እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዘውጽኦ ዘነድ ፍጻሜ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ክረከቦ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ስድራ ቤት ዓቢይ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እስላምን ፕሮተስታንትን ካቶልክን ማሕበረሰብ ምስ ዝተፈላለዩ ባህላውያን ወከልቲ ብምትሕባር ንኣፍሪቃ ግብረ ገባዊ ሓይሊ ኰይኖም ክርከቡ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.