2015-10-01 19:16:00

በዓል መስቀልን ቅዱስ ቪንቸንስዮስን አብ ርእሰ መንበር ሊቀጵጵስና ዘበአሥመራ


ሰኑይ 28 መስከረም በዓል መስቀል ብምንባሩ ኣብ ኩለን ቁምስናታትን ኣድባራትን ብጸሎትን ናይ መስቀል ኣስተምሮታትን ናይ ድሮ ናይ ዳሜራ ምውላዕን ኣገባብ ብድምቀት ተባዒሉ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ዝኽረ በዓል  ናይቶም ቤተክርስቲያን ናይቶም ኣብ ናይ ፍቕሪ ተግባራት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣቦ ቢላ ዝሰመየቶም “ዓብይ ቅዱስ ናይ ዓቢይ ዘመን” ተባሂሎም ብጸሓፍቲ ታሪኽ  ዝምስከረሎም፡ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ኣብ ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ኣሥመራን ኣብተን ማኅበር ልኡካንን ደናግል ደቂ ፍቕርን ዝጓስዩወን ቁምስናታትን ብናይ ሳልስቲ ጸሎትን ኣስተምህሮታትን ናይ ድሮ ዋዜማን ተሰንዩ፡ ብጽቡቕ ኣገባብ ከቢሩ ዊዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ደብረ ጽንሰታ ለማርያም እምባጋልያኖ ኣሥመራ ዝተኻየደ ጸሎት ሳልስቲ እቲ በዓል፡ ብደቂ ቅዱስ ቪንቸስዮስ ዝኾኑ ማኅበር ልኡካንን ደናግል ደቂ ፍቕርን ምእመናን ኣባላት ማኅበረሰብ ቅዱስ ቪንቸንስዮስን ምእመናን ቁምስናን ዝተካፈልዎ፡”ሥድራቤት ኣብ ሓሳብን ርድ ኢትን ቅዱስ ቪንቸንስዮስ” ብኣቶ ተኽለሃይማኖት ተስፋዝጊ፡”ውፉይ ሕይወት ኣብ ትምህርትን ሓሳብን ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘጳውሊ፡”ብኣባ ዮሴፍ ተምንዎ፡”መስቀል ኣብ ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ኣብ ሕይወት ቅዱስ ቪንቸንስዮስን ቪንቸንሳውያንን” ብኣባ ሩፋኤል ኣርበድ                   ኣስተምህሮታት ተዋሂቦም። ኣብ ዕለቱ ከኣ

 “መስቀል ቤዛነ” እናተባህለ ማኅሌት ተቆይሙ ድሕሪ ኣርፊዱ፡ ግዜ መስዋዕተ ቅዳሴ በጺሑ፡ ሓለቃ ማኅበር ልኡካን ክቡር ኣባ ብርሃነመስቀል ክፍለማርያም ሻውዓይ ርእሶም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣባ ብርሃነመስቀል ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡“ዝንቱ ውእቱ መስቀል በኣማን ዕፁበ ያቀልል፡ በጽንዓ ኃይል  ወበሰናይ ምግባር፡ በዕጸመስቀሉ ሓጥኣተ ይሰሪ ዝንቱ ውእቱ መስቀለ በኣማን ዕፁብ ያቀልል። ጸርሑ ጻድቃን እምደብር ልዑል ወኀጥኣነ ምድር በማእከለ ደይን፡ ዝንቱ...መስቀል ንሕነ ንኣምን ረዲኤተ ወኃይለ ...፡ጽንዕነ ቤዛነ በማእከለ ፀር፡ዝንቱ ...መስቀል  ሓይልነ  ወጸወንነ፡ ወሞገስነ፡ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። = መስቀል ኢዩ፡ብሓቂ ብኡነት ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝከኣል ዝገብር፡ ብሓያል ብነቕ ዘይብል እምነት፡ ብጽቡቕ ምግባር በቲ ኣብ ዕንጸይቲ ምስቃሉ ፡ ኃጢኣት  ይድምስስ፡ ጻድቃን ኣብቲ ነዊሕ እምባ ኾይኖም ዋዕ ብሎም ብዛዕባ መስቀሉ ሰበኹ ጨደሩ። ሓጥኣን ከኣ መስቀል ክርስቶስ ኣሚኖም ብዘይ ምቕባሎም ኣብ ቦታ ስቃይ ኮይኖም ቆዘሙ። ንሕና ግን መስቀል ክርስቶስ  ኣብ ግዜ ጸበባና ጽንዓትናን ሓይልናን ቤዛናን ምኳኑን ንኣምን። ሓይልናን ጽንዓትናን ሓቦናን መስቀል ክርስቶስ ምዃኑ ንኣምን።”ዝብል መዝሙር መስቀል ከምኡ’ውን ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንጦስ "ቃል መስቀል ነቶም ንመስቀል ብዘይ ምእማኖም ዚጠፍኡ ዕሽነት ኢዩ፡ ንኣና ነቶም እንድሕን ግና ኃይሊ ኣምላኽ ኢዩ።ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ፍልጠት ፈላጣት ከኣ ከፍርስ  ኢየ፡ ”፡ዝብል ጠቒሶም መስቀል ኣብ ቤትና ኣብ ክሳድና፡ ኣብ ክዳንና፡ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ቤትና እነቐምጦ ተከተልቲ ክርስቶስ ከም ምኻ`ንና እንገልጸሉ ግዙፍ ምልክት’ዩ። እቲ ካልእ ዝያዳ ኣቓልቦን ርድኢትን ክንገብረሉ ዘሎና ከኣ መስቀል ናይ ክብረት ዘይኮነስ ናይ ውርደትን መቕጻዕትን ዝነበረ ሎሚ ነቶም ዘይኣምኑ ዕሽነት ነቶም እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ  ምዃ`ኑ  ንትርጉምን ትሕዝቶን መስቀል ብሰፊሑ ገሊጾም። ኣባ ብርሃነ ቀጺሎም ምስ በዓል መስቀል ኣተሓሒዞም ንቅዱስ ቪንቸንስዮስ ኣመልኪቶም ሎሚ በዓል ዕረፍቲ ቅ.ቪንቸንስዮስ በዓል ጳውሊ መስራቲ ማሕበር ልኡኻንን ደናግል ደቂ ፍቕርን፣ ናይ መበል 335 ዓመት ዕረፍቶም ንዝክረሉ ዓቢይን ክቡርን ዕለት እዩ፣፡ ቅ. ቪንቸንስዮስ ቅድሚ ኩሉ እንታይነት መስቀል ክርስቶስ ብግቡእ ተረዲኡ ናቱ ዝገበሮን ንኻልኦት እውን ዘስተምሃሮን ኢዩ። ቅ. ኣቦና ቪንቸንስዮስ እንበኣር “ግብር ዘወሃብከኒ ፈጸምኩ” ቢሉ ኣኽሊል ክብሪ ክቕበል፡ ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ከዕርፍ ንሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝሰግረሉ ዕለት ኢዩ። እዚ ዓቢይ ናይ ቤተክርስትያን ቅዱስ ነቲ ብሕይወቱ እንከሎ  ንቤተክርስትያን ንምሕዳስ ዝደኸመሉን ዝጸዓረሉን ማለት ንኽርስቶስ መድኃኒ ስጋ ክለብስ ዘገደዶ ተልእኾ ድኅነት “እዜንዎሙ ለነዳያን ፈነወኒ፣” “ንድኻታት ሰናይ ዜና ከበስር ለኣኸኒ” ዝበሎ ተልእኾ ክርስቶስ ተልእኾኡ ገቢሩ፡ ኣብ ምዕራፉ ስለዘብጽሖ፣ “ሞቶምሰ ለጻድቃን ሕይወቶም ይእቲ” ከም ዝበሎ፣ ቅ.ቪንቸንስዮስ ከኣ ናይ ጻዕሩን ድኻሙን ኣኽሊሊ ዓወት ካብ ጎይታ ኪቕበል፡ በዚ ከኣ ሓዲስ ሕይወት ፍሉይ ክብሪ ዝተቐበለሉ ዕለት ብምዃ`ኑ ንኣኡ ጻማኡ ንኣና ከኣ ሓበናን ኩርዓትናን ብምዃን፣ ንሕና ናይ ሎሚ ሰዓብቱ፣ ኣሰሩ ንንኽተል ነታ ንሱ ዝኣመታ ጉዕዞ ምእንቲ ብትብዓት ክንቅጽሎ ወትሩ  ከማልደልና፣ ክንልምኖ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ገቢርና ክንወስዶ ይግበኣና ኢሎም።

በዓል መስቀል ኣብታ ብመስቀል እትስመ ቤት ጸሎት ደናግል ኮምቦኒ’ውን ብናይ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ድንግልናዊ ሕይወት እናቴ ኤልያኖራ ፒላቲ፡50 ኢዮቤል ውፉይ ሕይወት ዘብዕላ እናቴ ሳራ ሃብተን ብዓብይ መብጽዓ ብምስዮናዊ ሕይወት ከገልግላ ዝተወፈያ እናቴ ኣብርሀት ወልደማርያም ምስ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣኣብ ቁምስናታተን (ዓደን )ዓቢይ መብጽዓ ዝገበራ                ሽዱሽተ ብጾተንን ሰለስተ በዚ ዕለት ንኡስ መብጽዓዐን ዝፈጸማ ኣሕዋተንን ተሰንዩ ብሓጎስን ፍስሓን ብድምቀት ተባዓሉ። ኣብቲ በዓል ከኣ ኣባ ተስፋጊዮርጊስ ሃይለ ማኅበር ኮምቦኒ፡ ኣብቲ ምስ 12 ካህናት ዘዕረጉዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ነቲ

 ቅ.ጳውሎስ “መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት ነቶም እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ”ዝበሎ ጠቒሶም፡ መስቀል ኣብ ድኅነትና ዘለዎ ግደ ብምግላጽ ቃለ እግዚኣብሔር ኣስሚዖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.