2015-10-01 15:36:00

ሶሪያ፦ እወታዊ መልሲ ሕዝባዊ ባይቶ ሩሲያ ንሕቶ ርእሰ ብሔር ኣል ኣሳድ


ናይ ሩሲያ ሕዝባዊ ባይቶ ነቲ ናይ ሶሪያ ርእሰ ብሔር ባሻር ኣል ኣሳድ ሩሲያ ኣብ ምድሪ ሶሪያ ኣብ ጸረ ሃገራዊ እስላም ክትዋሳእ ዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ መልሲ ከምዝሃበሉን እቲ ጸረ ሃገራዊ እስላም መጥቃዕቲ ብሓይሊ ኣየር ዝካይድ ምዃኑ እውን እንክግለጽ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሩሲያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ብናይ ሶሪያ ወትሃደራት ተሰንዮም ኣብቲ ርእሰ ስዩም እስላማዊ ሃገር ዝዓረደሉ ቦታታት ተባሂሉ ንዝሕበሮ ከባቢ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍኑው ከምዘሎ ይንገር።

እቲ ሩሲያ እትፍንዎ ዘላ መጥቃዕቲ ጸረ ርእሰ ስዩም እስላማዊ ሃገር ኣብቲ ኣብ ዒራቕ ሰላም ንምርግጋጽ ብዝዋስኡ ዘለዎ ናይ ሶሪያን ዒራቕን ኢራንን ሩሲያን ልኡኻት ሓይሊ ምክልኻል ዝወሃሃድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ሕዝባዊ ባይቶ ሩሲያ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ሊመስ ናይ እተሰምየ ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ ተንታኒ መጽሔት ተሓባሪ ናይ መልክኣ ምድር ፖለቲካ ተንታኒ ዳሪዮ ፋብሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ እወታዊ መልሲ ናይ ሩሲያ ሕዝባዊ ባይቶ ንሕቶ ኣል ኣሳድ ግሙት እዩ ኔሩ፣ ሰለዚ ድማ ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቕ መልሲ እዩ። እቲ ዓቢይ ሕቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶሪያ ናይ መሰጋገሪ ኣዋን ክፍጠር እንክብል ዝገልጾ ዘሎ ርእይቶ  ኣብ ሶሪያ ዝተፈላለዩ ምስ ኣል ኣሳድ ምንም ዓይነት ስምምዕ ክግበሩ ዘይደልዩ ዕጡቓት ሓይልታት ብምህላዎም ድማ ኣብቲ ዝድለ ናይ መሰጋገሪ እዋን ግደ ኣል ኣሳድ ከመይን እንታይን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ ቢሎም፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕንጻ ኣብ ዝተኽየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ኦባማን ፑቲንን ሰፊሕ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሶሪያ ዘተኰረን ከምኡ እውን ዛዕባ ኡክራይን ከምእተመያየጡ ዝንገር ኰይኑ፣ ኣብ ዓለም ሓቆፋዊ ጉዳይ ብሔራዊ ረብሓ ይጽናሓለይ ዘይብሃለሉ ጉዳይ እናዀነ ነቲ መፍትሒ እዩ ዝበሃል ኣመለኻኽታ ከይትግበር መሰናኽል ኰይኑ ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.