2015-09-26 17:04:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኔው ዮርክ ካቴድራል ቅዱስ ፓትሪክ ብሓባር ምስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ጸሎተ ዘሰርክ ደጊሞም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኔው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ፓትሪክ ምስ ውሉደ ክህነትን ደናግልን ገዳማውያንን ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ከምዝደገሙ እንክሕበር፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣቐዲመ ነቶም ዒድ ኣል ኣድሓ ነዘኽብሩ ኣሕዋት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ርሑስ በዓል እንክምነ፣ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ መካ ኣብ ሱታፌ’ቲ በዓል እንከለዉ ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ልባዊ ቅርበትን ዝተሰመዓንን ሓዘን እናገለጽኩ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓዘን ነኣቦን ከሃሌ ኩሉን መሓርን እግዚብሔር ጸሎት ከምዘቕርቡ ኣረጋጊጾም።

ቅዱስ ጴጥሮስ “እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምምስጋንን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዚዩ ኸቢሩ ምእንቲ ክርከብ እንተድኣ ኣድለየስ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጒሄኹም ብእኡ ክትሕጎሱ ኢዅም” (1ጴጥ. 1,6) እዚ ቃል’ዚ ብሓጎስ ምንባር ዝብል ጸዋዕታና የዘኻኽረና።

ካቴድራል ቅዱስ ፓትሪክ በቶም ዝሓለፉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን አመሪካውያን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን መእመናንን መስዋዕትነት ዝተሓንጸ እዩ፣ ቅድስቲ ኤሊዛበት ኣንና እቶም ኣብ ኣመሪካ ቀዳማይ ናይ ሕንጸት ሜላ ዝመስረቱ ቅዱስ ዮሓንስ ነዉማን ጠቒሶም ደቂ እዛ ቤተ ክርስቲያን ደገፍ ኣብ ሕንጸት መዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለ መዳይ ናይ ፍቕሪ መስዋዕትነት ናቶም ገይሮም ሕይቶም ዝሰውዑ እያቶም።

እግዚኣብሔር ብጸዋዕታኡ ኣቢሉ ኣብዛ ሃገር መንግስቱ ነኸነስፍሕ ዝጸውዓና ምዃኑ ጸሎት ምስጋና ከዕርግ ምሳኹም ሓቢረ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እርከብ። ንስኻትኩም ኣባላት ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ደናግልን በቶም ኣብዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣፈፍቲ ሕጻናት ዓመጽ ብምፍጻም ዕንቅፋት ኰይኖም ብዝተረኽቡ ውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብዛ ሃገር ብዙሕ ዝተሳቐኹም ምዃንኩም ኣይስሕቶን እየ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ራእይ ምዕ. 7, 14 “… እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እያቶም…” ከም እተበሃለሎም ኢኻትኩም። ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ተኣማንነት መገዲ ምስዓብ ኣብ ዝብል ሸቶ ዘተኰረ ክልተ ኣስተንትኖ ከቕርበልኩም ባህ ይብለኒ፦

መንፈስ ምስጋና፦ ሓጎስ ናይቶም ንእግዚኣብሔር ዘፍቅሩ ማለት ካህናትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ዝነብርዎ ዘንጸባርቕ ኹሉዕ ቀጻሊ ኣብ ጸዋዕታኦም ርዉያት ምዃኖም ዝነብርዎ ሓጎስ ንኻልኦት ዝማርኽ እዩ። ካብ ሕጉስ ምዃን ዝምንጭው ሓጎስ፣ እግዚኣብሔር ስለ እቲ ኹሉ ዝገበረልና ቡራኼኡን ጸጋታቱን ኩሉ ተመስገን ካብ ዝብል መንፈስ ዝምንጨው ሓጎስ፣ ብፍላይ ድማ እታ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸብናላ ኩነት ተዘክሮ ምንባር፣ ኣብ ኣመስጋኒ መንፈስ ክትዓብዩ ምእንታን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ውፉያን ሕይወት ዝኽሪ ምእ ኢየሱስ ዝተራኸብናላ ዕለት ብዕለት ናይ ምንባር ጸጋ ወሳኒ እዩ። ጐይታ ዝገበረልናን ቡራኼኡን ረሲዕና ከይንከውን ገዛእ ርእስና ንሕተት።

መንፈስ ተግባር (ኣገልግሎት)፦ ኵሉ ናይ ጐይታን ካብኡ ዝተዓደለና ምዃኑ ምስ እንፈልጥ ሕጉስ ልቢ ንጐይታ ንምግልጋል ስንድው እዩ። እዚ ድማ ናይ ኣገልጋሊ ሕይወት ክንስዕብ የብቕዓና። ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ውፉይነት ሕይወት ካብ ዘድክም ዓለማውነት መንፈስ ምርሓቕ። ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትና ብዘለዎ ስሉጥነትን ግብረኣውን ብዘውህቦ ዲል ንኽንመዝኖ ንስሓብ ንኸውን እቲ ስራሕ ግና ናይ እግዚኣብሔር እዩ፣ ዝተውሃበና ሓላፍነት ዓቢይ እዩ፣ ሕዝበ እግዚኣብሔር ካባና ምስክርነት ይደልይ እዩ። ቅድም ቀዳድም እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ክብሪ ዘለዎ ክኸውን እዩ ዝግብኦ። ስለዚህ መምዘኒኡ ርእየት እግዚኣብሔር እዩ። መስቀል ፍልይ ዝብለ ናይ ተዓዋትነት መንገዲ ይሕብረና። ናትና ዕዮ ምዝራእ እዩ፣ ናይ ድኻምና ፍረ ብእግዚኣብሔር ዝረአይ እዩ። መስቀል ንዘክር።

ውፉይ ሕይወት ዝነብራ ደናግል ዜጋታት ኣመሪካ አደንቕ ከመስግነን እደሊ፣ ብዘይ ብኣኻታክን ኣዛ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምዀነት? ተባዓት ተጋደልትን እዚ ድማ ኣብ ምብሳር ወንጌል ቅድሚት ክትስርዓ ገይሩክን እዩ። ንኣኻታን ኣሕዋትን ኣዴታትን ሕዝቢ ከመዝግን እፈቱ፣ ጽቡቕክን ድማ እምነ።

ምስ እንነብረሉ ኣዋን ዝብድህ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክትሕልኑ ብዝሓት ዝጋደሉ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ከምዘለዉ እፈልጦ እየ፣ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዝገጥመኩ ዝዀነ ይኹን ፈተና ሰላምኩም ዓቅቡ፣ ከምቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ንቕድሚት እናጠመተ ንቦኡ ዘቕረቦ ምስጋን መልሲ ሃቡ።

ማርያማዊ ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ጸሎት ክንደግም ኢና፣ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዘንበሮ ዕላማ ኣብ ኢዳ ነንብር፣ ስለ እቲ ዝገበረልናን ገና ብዝገብረልናን ዓቢይ ነገር ኩሉ ኣብ ምምስጋንና ምስኣ ንሕበር፣ ከምዚ ድማ ይኹን እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.