2015-09-26 19:09:00

ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ አብ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ፤ ኒው ዮርክ-›ፊላደልፍያ


ዓሥራይ ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አብቲ ቀንዲ ዉራዩ ዝኾነ ምዝዛም ሻምናይ ዓለምለኸ ጉባኤ ሥድራቤት ብጸሎትን ቡራኬን ንምዝዛም አብ ዝሸባሸበሉ ጊዜ ከምቲ አብ ዝሓለፈ መደባትና ዝገለጽናዮ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ቤተ መንግሥቲ አመሪካ ምስ ፕረሲደንት ኦባማ ብምርኻብን ንሕዝቢ አመሪካን ንመራሕቶም አብ ኮንግረስን ዝሃብዎ ቃሎም ብምሃብን አብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ጽንሰታ ለማርያም ብዝፈጸምዎ ሥርዓተ ቅድስና አባ ዩኒፐሮ ሰራን ዝፈለመ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ካብ ትጽቢት ኩሉ ወጻኢ ብዝኾነ ሃምን ቀልብን መላእ ዓለም ስሒቡ ዕውት ብዝኾነ አገባብ ይቅጽል አሎ፣

ቅድሚ ትማሊ ካብ ዋሽንግቶን ነቂሎም አማስያኡ አብ ኒው ዮርክ ምስ አተው አብ ካተድራል ቅዱስ ፓርትሪክ ምስ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ዳዊት ብምድጋም ዝጀመርዎ ናይ ከተማ ኒው ዮርክ ሓውጾተ ኖልዎ ትማሊ አብ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም መጀመርያ ነቶም ንመላእ ዓለም ዘገልግሉ ሠራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ደሓር ከአ ነቶም ናይ ምሉእ መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትን ተወከልቲ ሃገራትን ውሃ ዘበለ ቃል ብምሃብን አብቲ ንዝኽሪ ናይቶም መስከረም 11 ብዕነወት ሓውልታት ኒው ዮርክ ዝሞቱ ልዕሊ ሠለስተ ሺሕ ንምዝካር ዝተሃንጸ ብግራውንድ ዜሮ ዝፍለጥ ኃወልቲ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት አስላም ዕብራውያን ካልኦትን ኃቢሮም ብምጽላይን ቃሎም ብምሃብን ዝጀመርዎ አብ ማንሃንተን ፍሉይ ሽሙ ሃርለም ዝበሃል ዝርከብ ንድኻታትን ስደተኛታትን ዘስተምህር ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እኖና ድንግል ማርያም ንግሥተ መላእክት ብምኻድ ምስ ተመሃሮን መማህራንን ምርኻብን ቃሎምን ቡራኬኦምን ምስ ለገሱ አብቲ ናይ ኒው ዮርክ ኵርዓት ዝኾነ አብ አደባባይ ማዲሰን ዝርከብ ሜዳ ቅዳሴ ብምዕራግ ናይ ዕለቱ አገልግሎቶም ፈጺሞም፣ ሽሕኳ ዓቅሚ ናይቲ ሜዳ ዕሥራ ሺሕ ጥራይ ዘእንግድ እንተነበረ አብ ከባቢኡ ዓቢ ናይ መርአዩ ቪድዮ ብምግባር ብዙሕ ብ አካል ክሳተፍ ዳርጋ ዓለም ምሉእ ክትብሎ ዘድፍር ከአ ብቀጥታ ብተለቪዥን ተኸታቲሎሞ፣

ከምቲ አብ ላዕሊ ዝበልናዮ ሎሚ ነቲ ሥድራቤታት መላእ ዓለምን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይ ብዙኃት ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሶሙን ሙሉእ ዘካየድዎ ጉባኤ ስድራቤት አብ ፊላደልፍያ ንምዝዛም ቅዱስነቶም ሎሚ ንግሆ ካብቲ ጳጳሳዊ መንበሪ ናይ ኒው ዮርክ ተፋንዮም ብሄሊኮፕተር ናብ ጀይ ኤፍ ከይ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኒው ዮርክ ብምጕዓዝ ከምቲ አብ ምምጻኦም ዝተቀበልዎም ግላዊ ስንብት ገሮምሎም ድሕሪ ናይ ሓምሳ ደቂቅ በረራ አብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ፊላደልፍያ በጺሖም፣ ሊቀጳጳስ ፊላደልፍያ ብፁዕ አቡነ ሻርል ጆሰፍ ሻፑ ዝርከብዎም ናይ ፐንስልቨንያ መራሕን ከንቲባ ከተማ ፊላደልፍያ ዝርከብዎም ሰበሥልጣን መንግሥትን ቤተ ክርስትያን ተቀቢሎምዎም፣

ንእግረ መንገድና ሓጺር ጸብጻብ ኩነታት ናይዘን ከተማታት ክንህበኩም መንበረ ሊቀ ጵጵስና ከተማ ኒው ዮርክ ካብ 5.807.600 ነበርታ 45% ማለት 2.613.420 ካቶሊካውያን እንክኾኑ 368 ቍምስናታት 762 ካህናት ሰበኻ 646 ገዳማውያን ካህናት 1.061 ገዳማውያን ሰብ ዓቢ መብጽዓ 2.695 ገዳማውያት ሰብ ዓቢ መብጽዓ 301 ቀወምቲ ዲያቆናት 68 ተመሃሮ ዓቢይ ዘርአ ክህነት 400 ተቅዋማት ትምህርቲ 1.454 ማእከላት ግብረሠናይ እንክህልዋ አብ ዝሓለፈ ዓመት 24.864 ተጠሚቆም፣ ካተድራል ናይ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ኒው ዮርክ ንቅዱስ ፓትሪክ ዝተወፈየ ኮይኑ ንምህናጹ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝወሰደ ኮይኑ ብ1858 ጀሚሩ ብ1878 እንክፍጸም ብ1888 ከአ 99 ሜትሮ ዝንውሐን ጕልላት ተወሲኽዏ፣

መንበረ ሊቀ ጵጵስና ፊላደልፍያ ካብ 4.050.793 ዝኮኑ ነበርታ 37% ማለት 1.500.000 ካቶሊካውያን እንክኾኑ 235 ቍምስናታት 18 ቤት ጸሎታት 564 ካህናት ሰበኻ 344 ገዳማውያን ካህናት 447 ገዳማውያን ሰብ ዓቢ መብጽዓ 2.543 ገዳማውያት ሰብ ዓቢ መብጽዓ 281 ቀወምቲ ዲያቆናት 49 ተመሃሮ ዓቢይ ዘርአ ክህነት 329 ተቅዋማት ትምህርቲ 58 ማእከላት ግብረሠናይ እንክህልዋ አብ ዝሓለፈ ዓመት 12.414 ተጠሚቆም፣ ካተድራል ፊላደልፍያ ንቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝተወፈየ ኮይኑ ብ1846 ከምዝተሓንጸ ይዝከር፣

ቅዱስነቶም ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ፊላደልፍያኸስ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ብቀጥታ ናብ ካተድራል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብምኻድ ነቶም ብነዊሕ መስርዕን እቲ ካትደራል ክሕዞ ዝኽ እል ክልተ ሺሕ ዝኾኑ ዳርጋ አቡናትን ካህናትን ዝዓብለልዎ ቦታ ብድሙቅ አቀባብላ በጺሖም፣

ብናይ ፊላደልፍያ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት 10.30 ቅድሚ ክልተ ሰዓት ማለት እዩ. ምስ አቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ብኁባሬ ንክብሪ ብፅዕት ድንግል ማርያም ናይ መብጽ ዓ ቅዳሴ ማለት ቀዳም ብምዃኑ አዕሪጎም፣ አብቲ ቅዳሴ ዝተነበ ካብ ኦሪት ዘፍ 3፡9 ዝተወስደ “አብ መንጎ ዘርእኻን ዘርአን ጽልኢ ክተክል እየ” ዝብል ኮይኑ ወንጌል ከአ ካብ ወንጌል ዮሓ 9፡25 ዝተወስደ “እነሆ ወድኺ እነሀት አደኻ” ዝብል ነበረ፣ 

ሎሚ ንግሆ ብዛዕባ እዛ እተደንቅ ካተድራል ክንዮ ነዊሕ መናድቃን ናይ መሳዅታ መስተያታትን ሓደ ነገር ተማሂረ፣ አብ ታሪኽ ናይዛ ቤተክርስትያንዚአን ግዝአትን ሕንጸት መናድቅ ጥራይ ዘይኮነ ማሕደር/ቤት ምሕናጾም እውን ዘደንቅ እዩ፣ እዚ ታሪኽ እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላልፈ ዕማም ካቶሊካውያን እንከመልክት ናብ ሻውላት እናከደት ን አምልኾን ንትምህርትን ንግብረሠናይን አገልግሎት ማኅበረሰብን ብዙሕ ነገራት ከምዝሃነጸት ጭቡጥ ምስክርነት ይህብ፣ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ አብ ኩለን መካነ ንግደታት ናይዛ ከተማ ጐሊሑ ይረኤ፣ አብ ፈቀዶኡ ዘለዋ አብያተ ክርስትያን ቍምስናታትን እንዳደወላቶምን ኅላዌ እግዚአብሔር አብ ማእከል እዛ ማኅበርዚአ የመልክት፣ እዚ ከአ ጻዕሪ ኩሎም ዝሓለፉን ዘለውን ካህናት ገዳማውያንን ምእመናንን ንልዕሊ ክልተ አዝማን ንመንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ ድኻታትን ስደተኛታትን ሕሙማትን አብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡን ናይ ዘወፈይዎ ሓገዝ ምስክር እዩ፣ እዚ ከአ አብ ብዙሓት ማእከላት ንሕጻናት ክንብቡን ክጽሕፉን ን እግዚአብሔር ንብጻዮምን ክፍቅሩን ንክ ኽ እሉ ብዙሓት አሕዋትን አኃትን መንፈሳውያን ማኅበራት ንዘበርከትዎን ኩሎም ሰብጽቡቅ ድላይ አብ መነባብሮ ሕዝቦም ዝፈጸምዎ የመልክት፣ እዚ ኩሉ ንስኹም ዝተቀበልኩምዎ ውርሻ ምዃኑ እንክንርዳእ ንስኹም ከአ ብወንገንኩም ክትህብትሙሉን ንውሉድ ወለዶ ከተመሓላልፍዎን ዘሎኩም  ሓላፍነት የዘኻኽር፣

ብዙሓት ካባኹም ታሪኽ ቅድስት ካተሪና ድረክሰል ትፈልጡ ኢኹም፣ ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 13 ጸገም ምስዮናት ምስ ተረዱ ነዛ ቅድስቲ እዚአ ንስኺኸ እንታይ ክትገብሪ ትደልዪ? ቢሉ ይሓታ፣ እዘን ቃላት እዚኤን ንሕወት ካተሪና ለዊጠን ከመይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሰብአይ ይኹን ሰበይቲ በቲ ዝተቀበሎ ምሥጢረ ጥምቀት ሓደ ተል እኮ ከምዝተቀበለ ስለዘዘኻኽር፣ ነፍሲወከፍና ብዝተኻእሎ መጠን አብ ሕንጸት አካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ነዛ ሕቶ እዚአ ክምልስ አለዎ! ንስኻ/ኺ ኸ እንታይ ክተበርክት ትኽ እል፣ ዝብል ሕቶ ሓያል ሕቶ እዩ፣ አብዚ ዘሎና ጊዜ ብኽልተ መንገዲ ክትርጉሞ ክፍትን ብመጀመርያ ንሕንጸት ቤተክርስትያን ከም ካህን ዲያቆን አባል ውሉደ ክህነት ንስብከተ ወንጌል እንታይ ተበርክት? እዚ ሕቶዚ ንሓንቲ ጐርዞ ብዙሕ ንእትሓልም ዝቀረበ ሕቶ ኮይኑ ሕይወታ ዝለወጠን ናብ ቅድስና ዘብጽሓን እዩ፣ ሎሚ አብ ቍምስንታትና ክንደይ መንእሰያት ተመሳሳሊ ሕልምን ድላይን ዘልዎም አለው፣ ነዞም መን እሰያት እዚኦም ዕድል ንህቦምዶ? ንህንጡይነቶምን ዘለዎም ፍሉይ ጸጋታትን አብ ግምት አእቲና አብ ግብሪ ከውዕልዎ ዕድል ንህቦምዶ፧ ዘሎና ታሕጓስን ህንጡይነትን አብ አገልግሎት አምላኽ ምስ ካል ኦት ክንካፈል ክሳብ ክንደይ ንጽዕር?

አብዚ ግዜና እቲ ዝ ዓበየ ግድል ናይ ቤተክርስትያናኸስ ኩሎም ኃላፍነት ዝስምዖም ምእመናን አብ ተል እኮ ቤተክርስትያን ከም ሓዋርያትን መባሕቍቲ ወንጌልን አብ ዓለም ክሰርሑ ነፍቅደሎምዶ፣ ስለዚኸስ ንስኺ ኸ እንታይ ተበርክቲ ዝብል ንሓንቲ ምእመን ዝቀረበ ናይ ሓደ ዝሸምገሉ ር.ሊ.ጳ ሎሚ ንዓና እውን አብዚ ብቅልጡፍ ዝለዋወጥ ዘሎ ዓለምና እቲ ቅድሚ አዝማን ዝተኸፍተልና ንምእመናን አብ ሓዋርያነትን አገልግሎትን ዝጽውዕ ተልእኾ ብዕሎኻ ይብለና አሎ፣ ናይ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ቤተ አብ ትምህርተ ክርስቶስን ኵስኰሳን ብዙሕ ሰሪሓ እያ፣ ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎኸስ በዚ መንፈስ እዚ ንመጻኢ ናይ ቍምስናታትናን ተቍዋማትናን ኩሉ ዝሳተፎን ዝተሓባበረሉን መደብ ምሕንጻጽ እዩ፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብዝተፈላለየ ህያባት ንቤተክርስትያንና ዝገለጾ ነገራት ንኽንፈልጥን ተቀቢልና አብ ግብሪ ክነው ዕሎን ናይ ብዙሓት ም እመናንን ገዳማውያንን ውህበታት አለሊና ነቲ ንማኅበራትና ዝህብዎ አገልግሎት ነስተው ዕለሉ፣ ድሕሪ ስለቲ ዘበርከትዎ ድሕሪ ምምስጋን ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ስግር ብምባል አብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ስድራቤታት ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜ ንስድራቤታት ብዛዕባ እንህቦ አገልግሎ ከተስተንትኑን፣ ከማኡ እውን ንቃል ኪዳን ዝሰናደው ዘለውን መንእሰያትናን ክትሓስቡ እምሕጸን፣ አብ ቍምስናታትኩም ንሥድራቤታት አብ ጕዕዞኦም ንምሕጋዝ እትገብርዎ ዓቢ አበርክቶ እፈልጥ እየ፣ ም እታአቶም አበርቲ ዕኩም ክትጽልዩ እምሕጸን፣ ከማኡ እውን ነዚ ክንገብሮ ንቀራረብ ዘሎና ሲኖዶስ ሥድራቤት ዕውት ክኸውን ክትጽልዩ እምሕጸን እንክብሉ ን እግዚአብሔር ስለኹሉ ነገር ብምምስጋንን ናብ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ብምምሕጻንን ስብከቶም ዛዘሙ፣   አብ ፍጻሜ ቅዳሴ ሊቀ ጳጳስ ፊላደልፍያ ብፁዕ አቡነ ሻርል ሻፑ ንቅዱስነቶም ምስጋና አቅሪቦም ብቡራኬ ተዛዘመ፣

ሕጂ መደበና እናተመሓለለፈ እንከሎ ከአ ካብቲ ቦታ ዓሠርተ ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ ናይ ፊላደልፍያ ዓቢይ ዘር አ ክህነት ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ ይጐዓዙ አለው፣ አብ መርሓ ግብሮም ተመልኪቱ ከምዘሎ አብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሓለቃ ዘርአ ክህነትን ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ቲሞትይን ምስ መዘምራን ዘርአ ክህነት ክቅበልዎም ድሕሪኡ ከአ ምሳሕን ዕረፍትን ምስ ገበሩ፣ ከባቢ ሰዓት አርባዕተ ብሰዓት ፊላደልፍያ ብኢንዲፐንደንስ ናሽናል ሂስቶሪካል ፓርክ ሃገራዊ ታሪኻዊ ሜዳ ነጻነት ነጻነት ሃይማኖት ዝዝቲ ርክብ ምስ ማኅበረሰብ ደቡብ አመሪካውያን ተዛረብቲ እስፓኒሽ ቋንቋን ካል ኦት ስደተኛታትን ክራኸቡ እዩ፣ እዚ ቦታዚ ታሪኻዊ ዝገብሮ አብቲ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ካብ ግዝ አት ዓባይ ብሪጣንያ ንኽትላቀቅ ካብ 1763 ክሳብ 1783 ዓም ዘካየደቶ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘዘኻኽር ኮይኑ እዚ ከባቢ እዚ ብዙሕ ዝተገብረሉ እዩ፣ ከም ፍሉያት ሓውልታት ከአ እቲ ነጻነት አመሪካ ዝተአወጀሉ አደራሽ ነጻነትን ከም ምልክት አዋጅ ነጻነት ዝተሰርሔ ሓውልቲ ደወል ነጻነትን ይርከብዎ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.