ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ነቲ በብሃገሩን ብዓለምለኸን ብዙሕ ዘዛርብ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝወርድ ዘሎ ዕንወትን ክግበር ዝግበኦ ሓለዋን ክንክንን ኣመልኪቶም፡ክንክንን ናይሓባር ቤትና(ምድረዓለም) (Laudato Si፡ on Care for Our Common Home) ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንምክንካን ተፈጥሮ ብቤተክርስቲያን ዝወሃቦ ሰፊሕን ዓሚቑን መብርሂ ዝህብ፡ ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘለዋ ኣረኣእያን ግምትን ዝገልጽ እዋናዊ መልእኽቶም፡ ናብ ኩሎም ምእመናን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ምዝርግሖም ዝፍለጥ ኢዩ፣ ነዛ ዓሚቕን ሃብታምን ትሕዝቶ ዘሎዋ ሓዋርያዊት ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ንምልላይን መልእኽታ ናብ ሕዝቢ ንምትሕልላፍን ፡ቤተክህነትን ምእመናንን ብሓብር ኮነ ብውልቂ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ኪገብርዎ ዝግብኦም ሓልዮትን ክንክንን ንምግንዛብ ዝዓለመ፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ንብሓባር ዝተሳተፍዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ቀዳም 19 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ተኻይዱ፣ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ንርእሶም ኣስተማቂሮምን ኣስተንቲኖምን ንተሳተፍቲ ዘካፈሉን ዘምሃሩን ትጉህን ውፉይን ካህን ክቡር ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ዘማኅበረ ሲታውያን ኢዮም፣ ኣብ ግርማይ እቲ ኣብ ክልተ ክፋል ዝተመቕለ ኣስተምህሮኦም ንምጅማር ፡ከም መእተዊ ናይዛ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀንዲ መበገሲ ሓሳብ እንኪገልጹ ፡እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኣምላኽ ንተፈጥሮ ስለዝዓደለና “ኦ! ጎይታይ! ውዳሴ ንኣኻ ይኹን” ዝበሎ ጸሎት ኮይኑ ፡ነቲ ብድሕሬና ዚመጽእ ወለዶ፡ ነቶም ብሕጂ ዚዓቢዩ ዘለዉ ሕጻናት ከመይ ዝበለ ዓለም ኢና ከነመሓላልፈሎም ፡ከነረክቦም
እንደሊ?(Ls160) ‘ቀንዲ መበገሲ ነዛ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ.ኣቡነ ፍራንቸስኮ እዛ ሕቶ’ዚኣ እያ። ናይ ውጥምና ሕቶ ዘይይኮነስ፤ ናይ ሕይወትን ሞትን ሕቶ፤ንሰብኣዊ ሃልለዋትናን ሰብኣውነትናን ብቐንዱ ዚትንክፍ ናይ ሕቶትታት ሕቶ እያ።ምእንት’ዚ ናይ’ዛመልእኽት’ዚ ኣሓፈሻዊ ኣረኣእያን ሚዛንን ናብ’ቲ ግዙፍ ሃለዋትን ኩነትን ምልውዋጣትን ናይ’ዚ ምድረ ዓለም ጥራሕ ዘተኮረት ኣይኮነትን፣ ብርግጽ እዚ ዚርአ ለውጥታት ብፍላይ ንኩነታት ኣየር ዚርኢ ለውጢ ኣገዳሲ እዩ፣ ግና እዛ መልእኽት ’ዚኣ ብኹሉ መምዘንታት ተራእያ፤ ርእሳ ዝኸኣለት ማኅበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን (Social Encyclical) እተሰጉም መልእኽቲ እያ ’ኢሎም፣ ቀጺሎም ከኣ ነቲ ኣብዛ መልእኽቲ ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ልዕሊ’ዛ ናይ ሓባር ቤትና (ምድረ-ዓለም) እንታይ እዩ ዚወርድ ዘሎ? ምብካል ተፈጥሮን ናይ ምጉሓፍ ልምድን፡ ለውጢ ከነታት ኣየር (ክሊማ)፡ ሕቶ ጽሩይ ማይ፡ዚጸንት ዘሎ ስነ ሕይወት ፡ፕላኔታዊ ዘምዕሩይ ሃለዋት፡ ካብ እምነት ዚርከብ ብርሃን፡ ምድረ-ዓለም መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ፡፡ ዓለም ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉ ቦታ እዩ፣ ኃጢኣት ንሚዛን ተፈጥሮ የዘናብል፡ ፍጥረት ክንሕልዎ ዝመጽኣ ህያብ’ምበር፣ ።ዝተመንዝዐ ንብረት ኣይኮነን፣ ኩሉ ፍጡር ናብ ኣምላኽ ገጹ የማዕዱ፡ ዕጫ ንዕድል ንመላእ ተፈጥሮ ብክርስቶስ የሕልፍ፡ ዕንወት ተፈጥሮን ከባብን፣ተክኖሎጂን ናይ ዕብለላ መንፈስን፡ ሰብ ዝማእከሉ ዘመናውዊ ኣተሓሳስባ፡ ምልኣት ዝሓለወ ክንክን ተፈጥሮ፡ ስራሕንኩሉ፡ ብሰንኪ ምርምር ኣብ ባዮሎጂ ዝመጽአ ለውጢ፡እንታይ ይገብር? ናይ ዲያሎግ ኣገዳስነት ትምህርትን ንናይ ሕይወት ለውጥን ብመንጽር ክንክንተፈጥሮ። ንዝብሉ ዓበይትን ንኡሳንን ኣርእስታት ተንቲኖም ገሊጾም። ኣስዒቦም ንትሕዝቶ ናይ ነፍስ ወከፍ ምዕራፍ እዛ መልእኽቲ እንክብርሁ፡ ኣባ ግርማይ እቲ ኣብ’ዛ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ዘሎ ሓሳባት ኣብቲኣብ ዙርያ’ታ መሠረታዊት ዝኾነት ነጥቢ “Eccologiaintegrale” ‘ምሉእ ኃልዮት ተፈጥሮ” ከነማዕብል ኣብ ዚብል ሓሳብ ዝተመርኮሰት እያ፣ ኣብ ቲፈላሚ ወገ እዞምር.ሊ.ጳ ነዚ ሕጂ በብወገኑ ተኸሢቱ ዘሎ፣ ክንክን ተፈጥሮ ዝርኢ ጸገምን ድንገትን ብምምርማር ነቲ ኩሉ ሳይንስ ዘፍረዮ ውጺኢት ምርምር እውን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ነቲ ኣብ ዚስዕብ ምዕራፋት ዝህብዎ ሞራላውን መንፈሳውን ትምህርቶም መሠረት የንብረሉ”ካብዚ ሓፈሻዊ ግምትን ርድኢትን ተበጊሶም ከኣ ነቲ “ቅዱስ መጽሓፍ ከምኡ’ውን ኣይሁዳውን ክርስትያናውን ትውፊት ዘቕርበልና ነጥብታት ብምዝርዛር። ንክንክን ተፈጥሮ ክንገብሮ ዚግበኣና ወይ ብመንጽሩ ዚህልወና መዝነት የዘኻኽሩ፣ ፡በዚከኣል ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ “ነዚ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት ክንክን ተፈጥሮ ናብቲ ሡሩን ሠራውሩን ሰርሲሮም ክበጽሑን ነቲ ግድል ከብርሁን ይፍትኑ፤ ኣብቲ ዚርአ ሓደ ሐደ ምልክታትጥራሕ ደው ከይበሉ፤ ነቲ ዝዓመቑን ዝረቐቐን ጠንቅታት ከይተረፈ ኪፍትሹ ይጽዕሩ፣ በዚ ዓይነት’ዚ እምበኣር ወድ ሰብ ኣብዚ ከባቢኡ ንዘሎ ኹሉ ዚህልዎ ርክብ ኣመዓራርዩ፤ ብኹሉ መዳያት ሕይወት ምሉእ ዝኾነ (integral) ዝኾነ ክንክን ኃልዮት ከኻይድ ይምዕዱ፣ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት ነዚ ኩሉ ድሕሪ ኣብሪሆም ኣብቲ ራብዓይ ምዕራፍ፤ ር.ሊ.ጳ ሓደ ዓቢይ ስጉምቲ ብምግባር ኣብ ተግባር ኪርአ ዘለዎ፤ ናይ ዝርርብን ዘተን ናይ ዲያሎግን መደባት ንነፍሲ ወከፍና ኮነ፤ ንመላእ ዓለምለኸ ፖለቲካዊ ወገናት ንምንቕስቓሳትን ብመንጽር’ዚ ክንክን ተፈጥሮ ክንክተሎ ዚግበኣና መሥመር ይሕንጽጹ”ይብሉ። ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መሠረት ብምግባር ርሊጳ ኣብቲ ሓምሻይ ምዕራፍ ዜቕርብዎ ሓሳባት“ኣብቲ ናይ ክርስትና መንፈሳዊ ሃብትን ተመክሮን ዝተመርኮሰን ሰብኣዊ ብስሉነትና ዚሕግዝ (ብመንጽር ክንክን ተፈጥሮ) ገለ ነጥብታት የቕርቡ፣ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ርድኢት “ዝኾነ ይኹን ለውጥን ምሕዳስን፣ ዕላማንመዕበያውንኩስኮሳውንጉዕዞንየድልዮ” እዩ ይብሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ር.ሊ.ጳ ሓንቲ ምስ ኩሎም ተኸተልቲ ካልእ ሃይማኖታት ኮይንካ እትድገም ንካልኣይቲ ድማ ምስ ካልእ ክርስትያን ኮይንካ እትድግም ክልተ ጸሎታት ብምቕራብ ይዛዝሙ ክብሉ ኣባ ግርማይ ጽማቕ ትሕዝቶ እዛ ሓዋርያዊት መልእኽቱ ብሰፊሑ ኣቕሪቦም። ኣብ ናይ መወዳእታት ንተናኦም ድማ ከም መዛዘሚ ሓሳብ እዛ መልእኽቲ ምስ ዝቐደሙ ናይ ኣርእስተ ርሊጳ መልእኽታት እትስራዕ መልእኽቲ እያ፣ ር.ሊ.ጳፍራንቸስኮስ፤ ብዛዕባ’ዛ ናይ ሓባር ቤትን መላእፍጥረትን ሕቶታትን ሓሳባትን የቕርቡልና፣ ከም መጠን መንፈሳውን ሞራላውን መራሒ ዘቕርብዎ ዘለዉ በዳሂ ሓሳባትን ነጥብታትን ብእምነት ተቐባልነት ክረክብ ትጽቢት ይገብሩሉና፡ናብ ጭቡጥ ተግባር ኪሓልፍ’ውን እዩ፡እቲ ቐንዲ ዕላማ፤ ንር.ሊ.ጳ እዚ ዝዓይነቱ ክእለትን ትብዓትን ናይ መንፈስ ትኩርነት ንዝሃበኣምላኽ ምስጋና!። ናይ’ዚ ሓድሽ መልእኽቲ ምስ ብዙሕ ዓለምለኸ መደባት ምግጣሙ’ውን ትርጉምኣለዎ። 2015 ብዙሕ መደባት ዚግበረሉ ዓመት እዩ። ብዛዕባ ንምዕብል ናብ ገንዘብ ምሕጋዝ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ዝካየደሉ፡ ውዱብ ሕቡራት መንግሥታት ከኣ ክሳብ 2030 ዚሰርሕ ሓድሽ መደባት ልምዓት ዘውጽኣሉ፡ኣብ ፓሪስ’ውን ብናይ ኩነታት ኣየር ለውጢ ኮንፈረንስ ዚግበረሉ እዩ፡፡በዚ ዓይነት’ዚ እዛ መልእኽቲ፣ እምበኣር ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዋ እያ። ብመንጽር ክንክን ተፈጥሮን ክንክን ሕይወት ሰብን፣ ዝመጽአ ንእምነት’ውን መጠን ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ’ዚ ኣብ መደብ ድሕነት ሰብ ዝኣቱ ጉዳይ ምዃኑ ይምልከት ፡ምስኡ’ውን ነቲ ኣብዚ ምድርዚ ዚንበር ማኅበረሰባዊ ሕይወት መጠን ክንደይ ኣገዳሲ ሕቶ ሕይወትን ሞትን ምዃኑ ይግለጽ፡ስለ’ዚ ከኣ ናይ’ቲ ማኅበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ቀንዲ ክፋልን ኣካልን ኮይና እትነብርእያ። ሕቶ ክንክን ተፈጥሮን ሰብኣዊ ሕይወትን ናይቲ ማኅበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ሰነድ እንተተዋህቦ ከኣ ኣየገርምን ብምባልኣስተምህሮኦም ዛዚሞም።
All the contents on this site are copyrighted ©. |