2015-09-24 19:22:00

ሓውጾተ ኖልዎ ናይ ር.ሊ.ጳ አብ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ


ዝኸበርኩም ሰማዕትና አብ ዝሓለፈ መደባትና ብሰፊሑ ከምዝገለጽናዮ ሓውጾተ ኖልዎ ናይ ር.ሊ.ጳ አብ ሠለስተ ሰበኻታት ክዩባ ብዓቢ ምጽንናዕን ተስፋን መንፈስን ቅድሚ ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ፣ ቅድሚ ትማሊ ምሸት ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኩባ ነቂሎም ድሕሪ ናይ ሠለስተ ሰዓትን ፈረቃን ጕዕዞ ብሰላም ናብ አመሪካ ከምዝአተውን አብ ወታሃደራዊ መዓልቦ ነፈርቲ አንድረው መደበር ኃይሊ አየር ምስ ዓለቡ ፕረሲደንት ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ናይ ዋሽንግቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዶናልድ ዝርከብዎም ሰበሥልጣን መንግሥትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሕዝብን ጽብብ ዝበለ ናይ ግሊ ተቅባል ከምዝገበሩሎም እንክምልከት ትማሊ ከአ አብቲ ብዋይት ሃውስ ዝፍለጥ ቤተ መንግሥቲ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ዕላዊ ተቅባል ተገሩሎም፣ እዚ ተቅባልዚ ዳርጋ ዘኢተገብረ እምቅድመዝ ዘብል ኮይኑ ብሥርዓቱን ወግዑን እዚ ጐዲልዎ ዘይበሃል አብ ርእሲ ምንባሩ አብ ዓለምና አለዋ ዝበሃላ ማዕከናት ዜና ተለቪዥን ይኹን ረድዮን ካልእ ናይ መራኸቢ ብዙኃን መጋበሪታትን ብምሉኡ ነቲ ዝተገብረ ተቅባልን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማን ናይ ር.ሊ.ጳ ቃልን በብቋንቋኡ ተኸታቲልዎ፣

ቅድሚ ቅዱስነቶም አብቲ ቦታ ምብጻሕ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ነቲ ከባቢ ቤተ መንግሥቲ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦሞ ክዝምሩን ባንደራታት ቅድስት መንበርን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን እናዓንበልበላ ቅዱስነቶም ነቲ አብ ጽንዕትን ብቨተሮ ዝተሸፈነት ድርዕቲ ማኪናን እንተዘይኮይኑ ዝብል ስግአት ዝመልኦ ሕቶ ጸጥታ ጐስዮም ድርዖም ክርስቶስ ገቢሮም ብማእከል እቲ ሕዝቢ እናባረኹን ሰላም እናበሉን ኃሊፎም፣

ፕረሲደንት ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤቶም ተቀቢሎም አብ ናይ ክብሪ ቦታ ምስ በጽሑ ሃገራውያን መዛሙር ናይ ቅድስት መንበርን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን ምስ ተዘመረን ዝተፈላለየ ሰልፍታትን ባንድን ምስ ተራእየን፣ ፕረሲደንት ኦባማ ነዚ ዝስ ዕብ ዳርጋ ምስክርነት ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ተል እኮ አን ክትብሎ ዘድፍር መደረ አስሚዖም፣

“ደሓንዶ ሓዲርኩም! እግዚአብሔር ከመይ ዝበለ ሠናይ መዓልቲ ዓዲሉና! ድሕሪ ቢሎም ናብ ቅዱስነቶም ግልጽ ብምባል “ቅዱስ አቦና! ብስም ሚሸልን ብስመይን አብዚ ቤተ መንግሥቲ እዚ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ቀጽሪ ቤተ መንግሥትና ከምዚ ናይ ሎሚ ብሰብ አዕለቅሊቁ አይፈልጥን! እዚ ዝገልጾ እቲ ልዕሊ 70 ሚልዮን ዝኸውን ካቶሊክ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ክሳብ ክንደይ ብዕምቈት ከምዘኽብሩኹም የመልክት! ብስም መላእ ሕዝቢ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክብል ዝስመዓኒ ሓጐስን ክብርን ወሰን የብሉን” እንክብሉ ሰላምታ ምስ አቅረቡ ቅዱስነቶም ቀዳማይ ናይ አመሪካታት ር.ሊ.ጳ ምዃኖም ንመጀመርያ ጊዜ ሃገሮም ምብጻሖምን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንመጀመርያ ብትዊተር ዝለአኹ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ነቲ አብ ዝሓለፈ ግዝያት ንመንበረ ጴጥሮስ አብ ዝበጽሑሉ ግዜ ንዝተገብሮም ተቅባል ዘኪሮም መከሓሓሲ ናቱ ክቅበልዎም ዕድል ዝሃብዎም አመጊኖም፣ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ተልእኾአን እትገብሮ ዓቢ አበርክቶን ድሕሪ ምምስጋን ምስክርነቶም ከምዚ ክብሉ ሂቦም፣

“አብ ሻውላት ቺካጎ ክሰርሕ ካብ ዝጀመርኩሉ ጊዜ ፕረሲደንት ኮይነ አብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም አብ ዝተዛወርኩሉ ካቶሊካውያን ማኅበራት ካህናት ደናግልን ምእመናንን ንዝጠመየ ክዕንግሉ ንዝሓመመ ክፍወሱ ንቤትአልቦ መጽለሊ ክህቡ ደቅና ክኵስኩሱ ንብዙኃት ሰባት ዝሕግዝ እምነት ከጽንዑ ከምዝተዓዘብኩ ምስክርነተይ እህብ” ብማለት ሓፈሻዊ አበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ መስከሩ ቅዱስነቶም ከአ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ካብ ዝተመርጽሉ ንካቶሊካውያን ይኹን ንዘይካቶሊካውያን ንልቢ ብዙኃት ብምምራኽ ሕያው አብነት ከምዝኾኑን ሞራላዊ ሥልጣኖም ከአ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ከምዘርአዩን! እቲ ንናአሽቱን ዝተረስዑን ትኵረት እናህብኩም ንኩሉ አገልግሉ ከመይ ብመልክ ዕ እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ስለዝኾነ ብሃብትን ሥልጣንን ዘይኮነ ፍርድና ጽባሕ በዚ እዩ ዝብል ጻውዒቶም ንኩሉ ከምዝሰሓበ አብ ምሕረት እግዚአብሔር ዘኮተኮረ መል እኽታቶም ከአ ብፍቅርን ብሓቂ ብዝተኸፍተ ልብን ንኩሉ ብርኅራኄ ክንቅበል ምዃኑ እዚ ከአ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝኾነ ዝገለጹ ፕረሲደንት ባራክ ብፍላይ አብ መንጎ ክ ዩባን ኅቡራት መንግሥታት አመሪካን ንዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ አብ ምቅርራብ ብዝገበርዎ አበርክቶን ብዛዕባ ውግእን አብቶም ኃይልን መከላኸልን ዘይብሎም ዘስ ዕቦ ሰፍ ዘይብል ጕዳእትን አመልኪቶም ንዘርአይዎ መትከልስ ይኹን ብዛዕባ አከባቢ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽትን ይጽነሓለይ ዘይትብሎ ጉዳይ መሬትናን ብከላን ዝገበርዎ ጻውዒት ብምምስጋን ቃሎም አስምዑ፣

ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ንዝተገብረሎም አቀባብልን ብስም መላእ ሕዝቢ ኅቡራት መንግሥታ አመሪካ ዘስምዕዎም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ሠናይ ቃልን አመስጊኖም፣ ንባዕለይ ካብ ስደተኛ ሥድራቤት ዝተወለድኩ አብዛ ብስደተኛታት ሥድራቤታት ዝተመሥረትን ዝተሃንጸትን ሃገረ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ጋሻ ኮይነ ብምምጻአይ ዝስመዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን ክብሎ ቃሎም ዝጀመሩ ቅዱስነቶም ንኩሉ ጽን ቢሎም ክሰምዑ ኩነታት ስብከተወንጌል ክዕዘቡን ከበራትዑን ል ዕሊ ኩሉ ከአ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም አሕዋቶም ዝኾነ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አመሪካን ምእመናኖምን ከጽን ዑ እኳ እንተኾነ እዛ ብስደተኛታት ተመሥሪታ ዝተሃንጸት ሃገር ነጻነት ሃይማኖት ክተኽብር ከማኡ ከአ ንመጀምርያ ጊዜ አብ ኮንግረስ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ቀሪቦም ቃሎም ክህቡ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሠረት መራሕቲታ ሃገር መሠረታዊ መምርሒ ሕጊ ብተአማንነት ክቅበልዎን ነገልግሎት ሕዝቦም ብምቅዳም ኃላፍነቶም ከይዝንግ ዑ ንምሕጋዝ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኩሎም አመሪካውያን ከም ደቂ ሃገር መሰሎም ክሕሎን ዓሌታውነትን ዘይፍትሓውነትን ክውገድ ደሞክራሲ ክድንፍዕ ምስ ካልኦት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ብምልፋን ክሰርሑን ሓደራ ቢሎም፣ አድላይነትን ግድነትን ነጻነት ሃይማኖት ሕይወት ናይ አምላኽ ስለዝኾነት መቕጻዕቲ ሞት ክተርፍ ድሕሪ ምዝኽኻር ናይ አከባቢና ብከላ ሎሚ ጽባሕ ዘየድልዩ ድሕረና ንዝመጽ እ ወለዶ ብምንም ተአምር ከነሰጋግሮ ዘይብልና ሕጂ ክንሰርሓሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ አዘኻኺሮም፣ ካብ መሠረቲ አመሪካ ዝኾኑ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምጥቃስ ከአ ነቲ ንሱ ዝተላበዎ ገና አብ ግብሪ ዘይወዓለ ናይ መሰልን ነጻነትን ጉዳያት ምልስ ቢልና ብምርአይ አብ ግብሪ ክነውዕሎ ሎሚ እዋኑ ምዃኑ ብምግላጽን ንፕረሲደንት ኦባማ ዳግም ብምምስጋንን ቃሎም ሃቡ፣ ብድሕሪዚ ቅዱነቶም አብ ዋሽንግቶ ዲሲ ዝርከብ ካተድራል ቅዱስ ማቴዎስ ብምኻድ ምስ ኩሎም ጳጳሳት አመሪካ ተራኺቦም አባታዊ ቃሎም ድሕሪ ምሃብን ዕረፍቲ ጸሎተ ዳዊት ዘቀትር ምስቶም አቡናትን ውሉደ ክህነትን ድሕሪ ምድጋም ንምሳሕን ዕረፍትን ናብ ቤተ ኑንስዮ ከይዶም፣ አብ ናይ ምሸት ግዜ ከአ ንቅድስና ዩኒፐሮ ሰራ ንምእዋጅ አብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ተረኺቦም፣ ናይዚ ጸብጻብ ድሕሪዚ ዜና ከነቅርበልኩም ኢና፣

አብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቅዳሴ ብግሊ አብ ገዛ ወኪሎም ማለት ሓዋርያዊ ኑንስዮ ድሕሪ አ ዕሪጎም፣ ምስቶም አብዚ ቤትዚ ዘአንገድዎም ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ናብቲ ዓለም ምሉእ ብሃንቀውታ ዝተጸበይዎ ንኮንግረስ አመሪካ ቃሎም ክህቡ ተበጊሶም፣ ከምቲ አብ ዝሓለፈ መደባትና ዝገለጽናዮ አብዚ ዝለዓለ ናይ ዓለምና ናይ ደሞክራስን ዓለማዊ ፖሎቲካን ዝለዓለ መጋባእያ ቃሎም ዝህቡ መራሒ ሃይማኖት ናይታ አብ ባይታ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዘሕለፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝለዓለ መራሒ አብዚ ምርካብ ብዙሕ ዘዘራረበ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ታሪኽ ብዙሕ ከምዘርኢ ዘመስከረ ጉዳይ እዩ፣

ቅዱስነቶም ብሓንቲ ቺንኰ ቸንቶ ፍያት ክጐዓዙ ብምምራጾም እዛ አብ ማእከል እተን ናይ ጸጥታን ላዕለዎት ሰበ ሥልጣናን ከም ጻጸ ትርኤ ማኪና ገቢሮም እንደገና ናብቲ ብዋይት ሃውስ ዝፍለጥ ቤተ መንግሥቲ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ በጽሑ፣ እቲ ከባቢን ቅርዓትን ዕድመ ብዝተገብረሎም ልዕሊ ዓሠርተ ሓሙሽተ ሺሕ ዝኾነ ዘመደ አዝማድ ሠራሕተኛታት ቤተመንግሥትን ብጽቡቅ ድላዮምን ንቅዱስነቶም ክር እዩ ብዝህንጠዩ ሰባትን ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኡ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ብማእከሎ እዞም ሰባት እናባረኹን ሰላምታ እንቅረቡን ብምሕላፍ ናብቲ ናይ ጉባኤ ቦታ ምስ በጽሑ ናይ አመሪካ ቤት ምኽሪ ቀላሲ ዘተ ስፒከር ሚስተር ጆ ቦነር አብ ቤት ጽሕፈቱ ተቀቢሉ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ምስ ምክትል ፕረሲደንት ጆ ባይደን ናብቶም ቃሎም ንምስማዕ አብ አደራሽ ቤትምኽሪ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ድሕሪ አሰንዮምዎም፣

ከም ምልክት እሽታ ምሕላውን ሥልጣንን ብማርተሎ ዕንጨይቲ ሠለስተ ግዜ ምስ ሃረሙ ሚስተር ጆ በነር አፈ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ ናይ ቅድስት መንበር እነሀው ብማለት ምምጻእ ር.ሊ.ጳ ምስ አውጁ ኩሎም ሓፍ ቢሎም ብጣቅዒት ተቀበልዎም፣

ቅዱስነቶም ሰላምታ እናቅረቡ አብ ገዛኢ መድረኽ ምስ በጽሑ ከአ

ነታ ማርተሎ እንደገና ሠለስተ ጊዜ ብምውቃዕ ሚስተር ጆ ቦነር ዝኸበርኩምን ዝኸርበርክንን አባላት ኮንግረስ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ቅድስት መንበር ከቅርበልኩም ክብሪ ይስመዓኒ ድሕሪ ቢሎም ቅዱስነቶም ነቶም ነቲ ጉባኤ ዝመርሑ ናይ ኮንግረስ ፕረሲደንት ዝኾኑ ምክትል ፕረሲደትንት ናይታ ሃገር ሚስተር ጆ ባይደንን ናይ ተወከልቲ ሕዝቢ አፈ ጉባኤ ሚስተር ጆ ቦነር ሰላም ድሕሪ ቢሎም ነዚ ዚስዕብ ቃል ሂቦም፣

“ምኽትል ፕረሲደንት አፈጉባኤ ኩሉኹም አባላት ኮንግረስን ተወከልቲ ሕዝብን ዝኸበርኩም አዕሩኽ አብዚ ነጻ መሬትን ዓዲ ጀጋኑን ነዚ ኮንግረስ እዚ ቃለይ ክህብ ብዝተገብረለይ ዕድመ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ፣ ምስ በሉ ነቲ ቤተመንግሥቲ ዘንቀጥቀጠ ጣቅዒት ስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ዘረባኦም ብምቅጻል አብዚ መጺኤ ቃለይ ንክህብ ሓራይ ዝበልኩሉ ምኽንያት አነውን ናይዚ ዓቢ አህጉር እዚ ውሉድ እየ፣ ካብዚ አህጉር እዚ ብዙሕ ተቀቢልና ግደና ክነበርክት ከአ ትሑዛት ኢና፣ ብማለት አመሪካን ሕልማን ክውን ካብ ዝገበሩ አብርሃም ሊንከን ዶሮትይ ደይ ቶማስ መርቶንን ካልኦትን ብምጥቃስን መሠረታት መሰልን ነጻነትን ማዕርነትን ደቂ ሰባት ኩነታት ሠራሕተኛታት ልዕሊ ኩሉ ከአ አብቲ ሕንጻ ካብ ዘለው ዓበይቲ ምስልታት ናይ ሙሴ ነቢይ ከም አቦ ሕግን ሥርዓትን ግን ክንዮ ሰብአዊ አተሓሳስባን ርድኢትን ምንጩ ካብ እግዚአብሔር ብምግባር መንገዲ ሕግን ፍትሕን ሥርዓትን ዝመሃረ ዓቢ መምህር አብነት ብምግባር ምንጪ ኩሉ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ምናዳ ከአ ዋና ሕይወት እግዚአብሔር ስለዝኾነ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ጀሚርካ ክውገድ ዘለዎ ገና ብዙሕ ነገራት ከምዘልዎ ብምግላጽ ሰፊሕ ቃል ሂቦም ዝኸበርኩም ሰማዕትና ብናይ ግዜ ሕጽረት ኩሉ ሎሚ ክነቅርበልኩም ስለዘይከአል አብ ዝመጽእ መደባትና ቃል ብቃሉ ተርጕምና ከነቅርበልኩም ምዃና ንሕብር፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.