2015-09-22 19:27:00

አደየ ሕዝብኺ አክቢ!


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ቀዳም ብሃገረ ክዩባ ዝጀመርዎ ክሳብ ዝመጽእ ዕለት 28 መስከረም 2015 ዓም ዝቅጽል ንዓሠርተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዓሥራይ ዓለምለኸ ሓውጾተ ኖልዎ ትማሊ አብታ ብ1916 ዓም ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ጠበቃን ሓላዊትን ክዩባውያን ዝተአወጀት ስእሊ ንጽሕቲ እኖና ድንግል ማርያም ምስ ኢየሱስ ዝሓቆፈት ብቨርገን ደላ ካሪዳድ ደ ኮብረ ማለት ፍቅርት ድንግል ዘኮብረ ቢልካ ክትርጐም አብ ዝከአል መካነ ንግደት ብምኻድ ምስ ኩሎም አቡናትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ክዩባ ኮይኖም ልቢ ብዝትንክፍ “አደየ ሕዝብኺ አክቢ” ክብሉ ብምሉእ ልቦም ምእንቲ ሕዝቢ ክዩባን መላእ ዓለምን ጸልዮም፣

“ሓላዊትን ጠበቃን ክዩባ ዝኾንኪ ፍቅርት ድንግል ዘኮብረ ንሕዝቢ ክዩባ ንክትበጽሕዮም አብ ታሪኹ አብ ዝገብሮ ጕዕዞ ንኸተሰንዮን ከም አደን ንግሥትን ክዩባ ክትኮኒ መጺእኪ፣ ሽምክን መልክ እክን አብ ልብን አእምሮን ኵሎም አብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ክዩባውያን ተሳኢሎም ምልክት ተስፋን ሕውነታዊ ሓድነትን ኮይኖም ይርከቡ፣ ንሥድራቤታቶም ክትከላኸሊ ንመን እሰያቶምን ሕጻናቶምን ክትሕብሕቢ ነቶም ዝሳቀዩ ከተጸናንዒ ንልምነኪ አሎና፣ ልዕሊ ኩሉ ከአ ኦ አደ ዕርቅን ሰላምን ዝኾንኪ ነዚ አብ መላእ ዓለም ፋሕ ብትን ቢሉ ዘሎ ሕዝብኺ ዝኾነ ሕዝቢ ክዩባ አክቢ! ሃገረ ክዩባ ናይ አ ሕዋትን አሓትን ገዛ ከም እትኸውን ግበሪ! ነቲ እንኮ መድኃኒ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ልቡን ሕይውቱን አእምሮኡን ጋህ አቢሉ ከምዝኸፍት ግበርዮ” እንክብሉ ጸልዮም፣

ዝኸበርኩም ሰማዕትና ቅዱስቶም ከምቲ አቀድምና ገሊጽናልኩም ዝነበርና ቅዱስነቶም አብ ክዩባ ሠለስተ ሰበኻታት ማለት ሃቫና ኦልጊንን ሳንትያጎ ደ ኩባን ቀንዲ ዝቅድሱለንን ዝሰብኹለንን ዝጸልዩለንን ዝባረኹለንን እንክኾና ክሳብ አብታ ሳልሠይቲ ሰበኻ ሳንትያጎ ደ ኩባ እትው እንክብሉ ምስ ኩሎም አቡናት ክዩባ ተጋቢኦም ብቀጥታ አብታ ጠበቃን ሓላዊትን ክዩባ እትኽበረሉ መካነ ንግደት ናይ ማርያም ከይዶም ከምዚ አብ ላዕሊ ዝተኸታተልዮ ዓሚቍ መንፈሳውነትን እምነትን ዘለዎ ጸሎት አብጺሖም፣ ካብ ሮማ እንክነቅሉ ጀሚሮም ክሳብዛ ግዜዚአ ዝገበርዎ ድሕሪ ናይ ሎሚ ውዕሎ ዜና ብሓጺሩ ክነቅርበልኩም ኢና፣

በዚ አብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ጸሎትን ዘተ ምስ ኩሎም ጳጳሳት ክዩባን ዝጀመረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሰበኻ ሳንትድያጎ ደ ኩባ አብ ባሲሊካ ቪርገን ደላ ካሪዳድ ደል ኮብረ ፍቅርት ድንግል ማርያም ዘኮብረ ብዘዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴን ሥድራቤታት አብ ካተድራል ሳንትድያጎ ድ ኩባን ተፈጺሙ፣

አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም አብቲ ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ዝብል እኖና እግዚእትነ ማርያም ድሕሪ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ዝደረሰቶ ጸሎታ ማእከል ብምግባር ከምዚ ክብሉ ሰቢኾም፣

“ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ጐይታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክበጽሓና ከሎ ዝስዕብ ነገራት እዩ ዘተኵር፣ እዚ ካብ ገዛኻ ወጺእካ እትገብሮን እትናገሮን አድናቆት እዩ ዝገልጽ፣ ብዙሕ ግዜኳ እንተስተንተናዮ እግዚአብሔር አብ ሕይወትካ ገለ ነገር ክገብር እንከሎ ከምዘየቅስነካን ክትንቀሳቀስ ከምዝቅስበካን እዩ፣ እግዚአብሔር አብ ገዛና ክበጽሓና እንከሎ ካብ ገዛና ወጺእና ነቲ ዝተበረልና ክንእውጅ ዝበጽሓና ንክበጽሕ ዝተራኸብና ንክራኸብ ዘፍቀረና ንክነፍቅር ምዃኑ የብርህ፣ አብዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ጓል ዐሠርተ ሓሙሽተስ ትኹን ዓሠርተ ሸውዓተ ክትጸንሲ ኢኺ ክትወልዲ ኢኺ አደ ጐይታ ክትኮኒ ኢኺ ዝብል ብሥራት ካብ ጐይታ ምስ ሰምዔት ሓቅዶኾን ከገልግሉኒ ድዮም ከገልግሎም ዝብል ሓሳባት ተላቂቃ ተቀላጢፋ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትሕግዝ ካብ ግዝአ ከምዝወጸት ንዕዘብ፣ አብዚ እንግንዘቦ እግዚአብሔር ምሳና ምዃኑ ምስ ተገንዘብና ምስ ሕዝብና ክንጐዓዝ ንልብናን ነእጋርናን ከምዘንቀሳቅሶ ካብ ገዛና ወጺእና ነቲ ሓጐስ ጐይታ ምስ ካልኦት ክንሳተፎ ነቲ ዘሕፍር ዝመስል ጉዳያትና አብ አገልግሎት ካልኦት ከነውዕሎ ከምዝደፋፋኣና እዩ፣ አብ ወንጌል ከምዝሰማዕናዮ ማርያምከስ ተቀላጢፋ ተላዕለት ንዝባውንቲ ይሁዳ እውን ገስገሰት ዝብል እንክኾን እዚ ውሳኔ እዚ ቀልጢፉስ ይኹን ድሒሩ ናብ መዓልቦኡ ክበጽሕ ከምዘለዎ እምበር እኖና እግዚእትነ ማርያም ነቲ ብሥራት ምስ ሰምዔት ከምዘይቀሰነትን ከምዘይተረበሸትን እንከመልክት ተቀላጢፋ ነታ አብ እርጋና ንዝጸነሰት ኤልሳቤጥ ክትሕግዝ ከምዝነቀለት የብርሃርልና፣ እታ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ዝኾነ እኖና እግዚእትነ ማርያምከስ መልአኽ ምስ በጽሓ ክትበጽሕ ዝተንሠኤት ምዃና ካብ መፈለምታ ፍሉይ ባህርያታ ንግንዘብ፣ አብ ኩሉ እታ ብዙሓት ሰብኡትን አንስትን ሕጻናትን ሽማግለታትን ከማኡ አጓብዝ ዝበጽሔትከስ ንሳ እያ፣ አብ ጽንኩር ኩነታት ንዝርከቡ ሕዝብና እትበጽሕን እተሰንይን ቀዳመቲ ፍጥረት ምዃና ከማኡ እውን ንመሰል ውሉዶም ንምክልኻል ዝሳቀዩ አህዛብ ከምዝተኻላኸለት ይግለጽ፣ ሎሚ እውን እትነኾነ ነቲ ቃል ሕይወት ዝኾነ ወዳን ጐይታናን ናባና ንምምጻእ አይተቋርጽን፣

እዚ ዘሎና መሬት እውን እንተኾነ በዚ ምብጻሕ አደአዊ ህላውነታ ተተንኪፈን እየን፣ ሃገረ ክዩባ እውን እንተኾነ አብ ድንግል ዘፍቅር ብዘለዋ ፍቅሪ እያ ተወሊዳን ዓብያን፤ ከምቲ አቡናታ ዝጸሓፍዎ ከአ ድንግል ማርያም አብ ልቦም ዝሓሸ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ሥድራቤትን ሃገርን ብምቅራጽ ንነፍሲ ክዩባውያን ናቱ ዝኾነን ፍሉይን ቅርጺ ሂባቶ፣ ነዚ ከአ አባሓጎታትኩም እውን ንር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ፍቅርት ድንግል ጠበቃ ክዩባ ክትከውን አብ ዝሓተቱሉ ግዜ “ዝኾነ ጸገም ይኹን ስእነት ንካቶሊካዊ ሕዝቢ ክዩባ አብዛ ድንግል እዚአ ንዘለዎ እምነትን ፍቅርን ከቅህሞ አይከአልን በንጻሩ እኳ ደአ አብቲ ዝኸበደ ግዝያትን ፈታንን ተስፋ ዘቍርጽ ግዜ ሕይወትን ከም መጸናንዒቶም ጸኒዖም ሒዞማ፤ ዝኽረን ዘይሓስስ እኖታትናን መርዑትናን ብኸምዚ ይዝክርዋ ክብሉ ጽሒፎም ነሮም፣ እዚ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተጻሕፈ እዩ፣ ከምቲ ዝኽሪ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔር ከምዝዝክሮ ከአ አብዚ መካነ ንግደት እዚ እኖና እግዚአትነ ማርያም ከም ፍቅርቲ አደ ትዝከር፣ እኖና ድንግል ማርያም ከአ ካብዚ ቦታዚ ተስፋ ቈሪጽና ከይንበታትን ንመሠረትናን መንነትናን ትዕቅብ፣ መንፈስ ክዩባውያን ከምቲ ዝሰማዕናዮ ብሥቃይን ንመብራህቲ እምነት ከጥፍኡ ብዘይከአሉ ፈተነታትን ተፈቲኑ እዩ፣ ኮይኑ ግን አባሓጎታትን እኖሓጎታትን አደታትን አቦታትን ካል ኦት ብዙሓት ሰብ ቅኑዒ እምነትን ብጽን ዓት ሒዞም ብዝጸንሑ ክንዲ ፍረ አድሪ እትኸውን ናይ እምነት ዘር እን እነሆ ሎሚ ደቆምን ደቂ ደቆምን ምልክታ ናይዚ ምብጻሕ እኖና እግዚአ እትነ ማርያም ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ ናይዚ ሕዝቢ እዚ ህርመት ልቢ ከምዘሰነዮ ንምልከት እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

ቅዳሴ ቀቅድሚ ምፍጻሙ ናይ ሳንትድያጎ ደ ኩባ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጋርስያ ኢባነዝ ናይ ምስጋና ቃል ምስ አስምዑ ቅዱስነቶም ቡራኬ ለጊሶም ፍጻሜ ኮነ፣

ድሕሪዚ ዓሠርተ ት ሽ ዓተ ኪሎሜትር ርሒቁ አብ ዝርከብ ካተድራል ናይ ሳንትያጎ ደ ኩባ ደብረ ፍልሠታ ለማርያም ከይዶም አባኡ ምስ ሥድራቤታት ተራኺቦም፣ እዚ ርክብዚ ምስቲ ሎሚ አብ ከተማ ፊላደልፍያ ዝጅመር ሶሙን ሥድራቤት ዝተተሓሓዘ እንክኸውን አብ ከብካብ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተመርኰሰ ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም፣ ነዚ ብዝምልከት አብ ዚመጽ እ መደባትና ክንገልጽ ምዃን ነመልክት፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ቅዱስነቶም ነዚ ሎሚ አብ ፊላደፍያ ዝጅመር ዘሎ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሥድራቤት ናይ ቪድዮ መል እኽቲ ከምዝሰደዱን ነቶም ተሳተፍቲ ብ አካል ንክረኽብዎም ክሳብ ክንደይ ከምዝህንጠዩን እውን ገሊጾም እዮም፣

ሕጂ መደብና እናተመሓላለፈ እነከሎ ከአ ቅዱስነቶም ናይ አመሪካ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኽገብሩ ካብ ዓለለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኩባ ይነቅሉ አለው ድሕሪ ናይ ሰልስተ ሰዓትን ፈረቃን ጕዕዞ ነፋሪት አብ ዋሽንግቶን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ አንድረውስ አየር ፎርስ በይስ ከምዝበጽሑን አባኡ ናይ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ዝርከብዎም መራሕቲ መንግሥትን ቤተክርስትያንን ዓበይቲ ሰበሥልጣናትን ብሕታዊ ምቅባል ከምዝገብሩሎም ዕላዊ ተቅባሎም ከአ ጽባሕ ብናይ ዋሽንግቶን ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ አብ ዋይት ሃውስ ከምዝግበር ናይ ቅዱስነቶም መርሓ ግብር የመልክት፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.