2015-09-22 15:51:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኩባ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10ን 32 ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ለኻፋዊ ፊውሚቺኖ መዕረፎ ነፈርቲ ናብ ኵባ ከምዝነቐሉን፣ ኣብታ ዝበሩላ ነፋሪት ዘሰንውይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ 76 ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ልኡኻን ጋዜጠይናታት ቅዱስነቶም ሰላምታ ኣቕሪቦም ንዘቕረቡሎም ቃለ መሕትት መልሲ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መልገጺ እንከመልክት፣ ቅዱስነቶም እቶም ጋዜጠይናታት ኣብዚ ሰላም ዝጸምኦ ዓለም ናይ መራኸቢ ድልድል ክዀኑ ሓድራ ቢሎም፣ እዚ ናብ ኩባ ዝፍጽመዎ መገሻ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ነዊሕ መገሻ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ ጉዕዞ ንዘስንውዮም ጋዜጠይናታት ከምዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

ሰላም ኣብ ዝጸምኦ ዓለም ድልድል ምሕናጽ

ኣብታ ነፋሪት ንዝኣተዉ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንቕዱስነቶም እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል፣ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘረባኦም ደጋጊሞም ዝጠቐስዎ ሰላም ዝብል ቃል ኣደጊፎም፣ ኣብዚ ውግእን ግርጭትን ኣብ ዝሰፍሓሉን በዚ ምኽንያት ድማ ዝፈስስ ደምን ዝወልዶ ሞትን ዘስካሕኽሕ እዚ ጨካን ኵነት ዝወልዶ ጸኣት ስደተይናታትን ጠቒሶም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ካብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምንቃሎም ነቶም ኣብ ቁምስና ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ሃና ቤተ ክርስቲያን እንገዳ ዝረኸቡ ምስ ክልተ ስደተይና ሰድራ ቤት ሶሪያውያን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከምእተራኸቡን ኣብ እቶም ስደተይናታት ገጽ ድማ ጽምኢ ሰላም ዘጉልሕ ቃል ትርኢ ቢሎም፣ እቲ ዘድልይ ሰላም ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ዘሰንይዎምን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ነቲ ዓቢይ ድልድል ዘጽንዑ ነኣሽቱ ናይ ሰላም ድልድል ሓነጽቲ ኩኑ ቢሎም ንነፍሲ ወከፍ ጋዜጠኛይና እናቐረቡ ናይ ኢድ ሰላምታ ከምእተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.