2015-09-22 15:58:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኩባ


ዕለት 19 መስከረም 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ኵባ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ምስ ሓሙሽተ ደቂቕ ኣብ ሃቫና ዓለም ለኻዊ ኾሰ ማርቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይ ኵባ ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ኣቀባብላ ተገይርሎም ናይ ኣንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ክብሪ ስነ ስርዓት ብናይ ሃገረ ቫቲካንን ኩባን ብሔራዊ መዛሙር ተሰንዩ ምስ ተፈጸመ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ንመላእ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ኵባውያንን ንርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ምዉቕ ሰላምታን ቃል ምስጋና ኣቕሪቦም፣ ብኣኦም ኣቢሎም ድማ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ነበር ርእሰ ብሔር ፊደል ካስትሮ ምዉቕ ሰላምታኦም ይብጻሕ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ እቲ ኣብ ኵባ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ናይቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር ድማ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣሰር ዝስዕብ ምዃኑ እንክገልጹ፦ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵባ ሕዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ዝሓስቦን ተስፋኡን በቲ ዘለዋ መጋበርያ ኣቢላ ብነጻነት ኣብቲ ደጋዊ ክፍሊ ህላዌኡ እናኸደት መንግስቲ ኣምልኽ እትውእጅ እያ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ናጻን ሉኣላዊት ሃገረ ኩባ ንምሕናጽ ናይታ ሃገር ኣበው ዝተማሕጸንዋ ቅድስቲ ማርያም ዘኮብረ ናይ ኵባ ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ ዝተኣወጀትሉ መበል 100 ዓመት ብሓባር ምስ ሕዝቢ ኩባ ንምብዓል ዝኣመተን ኣደ ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩባዊ ልቢ ውሽጢ ህልው ከምዝኾነትን ኣብ ዝርከቦ ጽንኩር ኩነት ክብሩ ክትዕቅበሉን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ክብሪ ከተነቓቕሕ ዝምሕጸንን በቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣጋጣሚ ስለ መላእ ደቂ ኵባ ጽምኣቱ ነታ ኣዚያ ዝተፈቀረት ሃገረ ኩባ ብፍትሕን ብሰላምን ነጻነትን ኣብ ዕርቂ ጎዳና ክጓዓዙ ንምጽላይን ከም ወዲ ማርያም መንፈሳዊ ነጋዲ ናብ ዘኮብረ ቅዱስ ስፍራ ዘብጽሖም ምዃኑ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ሓቢሩ።

ጸዋዕታ ኵባ ንመላእ ሕዝቢ ብፍቕሪ ዘራኽብ ድልድል ምዃን ዝብል እዩ። ናይታ ሃገር ናይ ነጻነት ኣበው ብክርስትና እምነትን ባህልን ዝተጸገዉ ኾሰ ማራቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ ቅዱስነቶም ጠቒሶም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ ኵባ በጺሖም ኩባ በቲ ዝድነቕ ተኽእሎኣእ ኣቢላ ንመላእ ዓለም ርህውቲ ክትኸውንን ዓለም ድማ ንኵባ ርህው ክኸውን ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፣ ድሕሪ እቲ ናይ ነዊሕ ናይ ምርሕሓቕ ዓመታት ተስፋ ዝተነብሮ ርክባትን ናይ ሓባር ዘተ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ሞትን ወገናውነትን ኵላዊ ሕውነት (ኾሰ ማርቲ) ሰዓሪ ክኸውን ዘብቅዕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ሕዝቦም ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተባብዑን ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ መጋበሪያ ሰላም ንምዃን ናይ ኾሰ ማርቲ ቃል ክኽተሉ ሓደራ ቢሎም፣ ሕዝቢ ዓለም ኣብዚ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ተምሳል ኩነት ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ እዋን ናይ ዕርቂ ኣብነት ዝኾኑ የናድይ ከምዝበሉ ገሊጹ።

ናይ ኵባ ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ብወገኖም ቅዱስ ኣቦና ንዘስምዕዎ ቃልን ኣብ ኩባ ስለ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣመስጊኖም፣ ብፍላይ ፍትሕን ዛዕባ ምህዳርን ዝምልከት ዝበልዎ ሓሳብ ንኢዶም፣ እንነብረሉ ዓለም ርእሰ ማልነት ንዝሰፍሕ ዘሎ ዓውሎማ እውን መሰረት ክኸውን ዝደፍእ ባህሊ ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብ እዩ። ኩባ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ከይዲ ማሕበራውነት ኣገባብ እትኽተል ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸት ብጠቕላላ ናይ ኤኮኖሚ መምርሒኣ ገይራ እትነብሮ ኩነት ግቡእ እዩ ቢሎም፣ ምስ እዚ እተሓሒዞም ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰናይ ርክብ ክረጋገጽ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ንኢዶምን ኣመስጊኖምን፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዝደንገጎ ዓመታታ ዘቑጽር ዘሎ ጨካን ማዕቅብ ኤኮኖሚ ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እቲ ክፍሊ ደሴት ኩባ ዝኾነ ኣመሪካ ናይ ባሕሪ ሓይላ ማዕስከር እትጥቀመሉ ዘላ ጓንታናሞ ንኩባ ክትመልስ ሓቲቶም ዘቕረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.