2015-09-22 16:02:00

ምፍቃር ማለት ንሰብ እምበር ንስነ ሓሳብ ምግልጋል ማለት ኣይኰነን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃቫና ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ሰውራ ናይ ኵባ ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮን ናይ ሃገረ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ክርስቲና ኪርኽነር ካልኦት ናይ ኵባ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ብናይ ኩባ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፣ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ትሑታትን ነኣሽቱን ኣገልገልትን ዘዕዝዝን ዝውድስን ነቲ ናትና ናይ ዕብየትን ስልጣንን ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ሓሳብ ዘናውጽ ናይ ኢየሱስ ናይ ፍቕሪ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦

ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ሓሳብ ካብቲ ትምክሕተ ፍልጠት ኣዚዩ ክንየው እዩ

እቲ ካብ እምነት ዝምንጭው ተስፋ ብዘቃልሕ መንፈሳዊ መዝሙር ዝተጀመረ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ቅርዓት ሰውራ ናይቲ ፍሉጥን ውሩይን ቸ ገቫራ ምስሊ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይቲ መሓሪ ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስሊ እውን ዝተነብሮ ኰይኑ ክረአይ እቲ ቅርዓት ክሳብ ክንደይ ከምእተለወጠ ተስተውዕል፣ ብዙሓት በሸሓት ዝቝጸሩ ምአመናን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚት ቦታ ክረኽቡ መታን ምሉእ ለይቲ ኣብቲ ቅርዓት ከምዝሓደሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም፣ እቲ ስርዓት ቅዳሴ ዓቢይ ህድኣትን ተመስጦን ዝሰፈኖ ከምዝነበረ እውን ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 30 ክሳብ 37 ዘሎ ጠቒሶም ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ሕድ ሕዶም ዝካትዕሉ ዝነበረ መን ኰን ይበልጽ ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዕሊሎም፣ ኢየሱስ በቲ ንትሑታት እምበር ንዕቡያትን ሓያላትን ዘይኰነስ በቲ ትሑታትን ነኣሽቱን ኣገልገልትን ክብ ዘብልን ዝውድስን ናይ ፍቅሪ ዋቔዕ ማለት ኣገባብን ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስብ ኣቢሉ ነቲ ናይ ደቂ መዛሙርቲ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስብ የናውጽ። ናይ ኢየሱስ ትርኢት ንውሑዳት ነቶም ፍልጠት ኣብ ፍልጠቶም እቲ ዝደልይዎ ፍልጠት ክውስኹ ንዝደልዩ ፈላጣት ባህልቲ ወይ ከኣ ብመንፈሳውነት ደረጃኦም ዝፍለዩ ሰብ ትምክሕቲ ፍልጠት ኣይኰነን። ናይ ኢየሱስ ትርኢት ወትሩ ንዕለታዊ ሕይወት እዩ፣ ኣብቲ ናይ ደሴታዊ ናይ ገዛእ ርእስና ዕለታዊ ሕይወት ዳርጋ መቐረት ዘለዓለማውነት ክህልዎ ዝገበር ሓሳብ እዩ።

ንኸተገልግል እምበር ንኸትግልገል ኣይኰነን

እቲ ዓቢይ መንክራውነት ኢየሱስ ንኣና ግርንቢጥ ዝዀነ ንሱ ድማ እቲ ቅድሚት ክኸውን ድሕሪ ኩሉን ግዙእ ኵሉን ይዅን እቲ ዓቢይ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ደኣ እምበር ክግልገል ዝደሊ ኣይዅን፣ ዝብል እዩ። ምግልጋል ማለት ነቶም ኣብ ስድራ ቤትናን ሕብረሰብናን ኣብ ሕዝብናን ዘለዎ ተነቐፍቲ ምሕላይ ማለት እዩ። ንሳቶም እቶም ሰብ ስቓይን ገዛእ ርእሶም ክኸላኸሉ ዘይክእሉን ዝከላኸል ዘይብሎም ሰብ ስቓይ ኢየሱስ ቆላሕታ ክግበረሎም ብክውን ፍቅሪ ሓልዮት ክግበረሎም ይዕድመና። ኣብ ግብሪ ክውንነትን ውሳኔን ዝንበር ፍቕሪ እዩ።

ዘገልግል ኣገልግሎት ኣሎ፣ ካብ ካልኦት ዓይነት ምግልጋል የድሕነና፣ ካብ ንኸገልግል ክግልገል ካብ ዝብል ፈተና ኣገልግሎት የድሕነና፣ ናይ ገዛእ ርእሲ መኽሰብ ዘዕትር ዓይነት ኣገልግሎት እውን ኣሎ፣ እዚ ድማ ስለ ገዛእ ራእስናን ምእንቲ ገዛእ ርእስናን ረብሓ ዝቐርብ ኣገልግሎት እዩ፣ ካብዚ ዓይነት ኣገልግሎት የድሕናን።

ኣገልግሎት ከቶ ስነ ሓሳብ ኣይኰነን፣ ንሰብ ደኣ እምበር ንጽንሰ ሓሳብ ምግልጋል ኣይኰነን

ነዘገልግለካ ምግልጋል ካብ ዝብል ፈተና ምጥንቓቕ የድሊ፣ ስለ ፍቕርን ምእንቲ ፍቕርን ነናይ ሕድ ሕድና ጾር ክንስኻኸም መታን ካብቲ ዝፈርድ ጥማተ ምርሓቕ።

እቲ ስለ ፍቕርን ምእንቲ ፍቕርን ናይ ሕድ ሕድ ጾር ናይ ምስኽኻም ሓላፍነት ክፍለ ስራሕ ዘይኰነስ በንጻሩ ኣብ ማእከላዊ ዘንብሮ ሕቶ ሓው ዝብል እዩ። ምግልጋል ገጽ ሓው ዝምልከት እዩ፣ ኣካሉን ዝትንክፍ ቅርበቱ ዘስምዕ ክሳብ ስቓዩ ክትነብሮ ዝገብርን ምምሕያሽ ሕይወቱ ዝብል እዩ። ስለእዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣገልግሎት ስነ ሓሳብ ዘይኰነስ፣ ከምዚ ዝኸውን ድማ ሓሳብ ዘይኰነስ ሰብ ዘገልግል ምስ ዝኸውን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት፦ ሕዝቢ ኵባ ከም ኵሉ ሕዝቢ በሰላ ኣለዎ ኰይኑ ግና ተቐባሊ ዝኾነ ክፉት ኣእዳው ዘለዎ እዩ ቢሎም ናይ ሓው ስንኩፍነት ሓደራ ሸለል ከይንብል፣ ካብቲ ናይቲ ኣብ ቅድመኻ ዘሎ ሓው ገጽ ዘይትግደስ ዝገብር ማራኺ ዝመስል መደባት መሠረት ሓደራ ሓውና ሸለል ኣይንበል እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶ ፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.