2015-09-19 16:11:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ ክርስቲያን እውነተይናን ቅኑዕን ስነ ምርምር ተነቃቕሕን ተበራትዕን


ኣብ ኩነታት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ልዕሊ ኣድማስ ዝግበር ድልያ ስነ ምርምር ብኣመንትን ኢኣማንያንን ሓባራዊ ተቐባልነት ንኽህልዎ ዝድግፍ ትጽቢት ከቕርብ ይኽእል ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዝምስረት መበል 80 ዓመቱ ዕለት 29 መስከረም 2015 ዓ.ም. ዘብዕል ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮኸብን ስነ ህዋን ማእከል ኣብ ዘዳለዎ ዓወደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተጋባእያን ዕለት 18 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ኣስዒበን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ጉይ ጆሰፍ ኮንሶልማኞ ሓድሽ ናይቲ ናይ ስነ ምርምር ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ኣፍሊጠን።

ቤተ ክርስቲያንን ኣባላታን ንእውነተይናን ቅኑዕን ስነ ምርምር ሓንጎፋይ ቢሎም ከምዝቕበልዎን ከምዘበራትዑን ከምዘነቓቕሑን ዘረጋገጹ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣገዳስነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ስነ ምርምርን ሃይማኖትን (እምነትን) ሓቢሮም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብዚ መዳይ ሊዮነ ሻምናይ ዝሃብዎ ዓቢይ ኣስተምህሮን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን እቲ ኣገዳሲ ናይ ስነ ምርምርን እምነትን ናይ ሓባር ዘተ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኰይኑ ክቕጽል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብን ከምኡ እውን ብፁዕነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16  ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮኸብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ዝመርሕ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያን ሕይወቶምን ጉልበቶም ናይ ስነ ምርምር ብቕዓኣቶምን ኣብ ዶብ እምነትን ሰብኣዊ ፍልጠትን እምነትን እዋናዊ ስነ ምርምርን  ዓቢይ ኣበርክቶ ዝህቡ ናይ መንፈሳዊ ማሕበር ኣባላት የድልዩ እንክብሉ ዘስምርሉ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ኮኾብን ህዋን ሓቀይናን ቅኑዕን ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ብብቕዓት ክተባባዕ ሓደራ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ገሊጸን።

ሕጹጽ ኣድላይነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ኣመንትን ኢኣምንያንን

ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን ዝግበር ዘተ ሎሚ ካብ ቀደም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኩነት ኣዚዩ የድልዮ፣ እዚ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ልዕሊ ኣድማስ ዝግበር ስነ ምርምራዊ መጽናዕትን ድልያን ሓደ ዝተፈልየ ብኹሉ ብኣማንን ኢኣማንን ተቐባልነት ናብ ዘለዎ ብሉጽ ርድኢት ሃይማኖታዊ ግንዛበ ዛዕባ ተፈጥሮ ንኽብጻሕ ዝድግፍ ፍሉይ ኩነት ንምቕራብ ዝእኽል ይኸውን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ዘቕረቦ ናይ ስነ ኣካላውን ስነ ባህርይን ከዋኽብቲ መደብ ሕንጸት ንመላእ ዓለም መንእሰያት ተመራመርቲ ናይ ስነ ኣካላውን ስነ ባህርይን ከዋኽብትን ህዋን ዓቢይን ክቡርን ዕድል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ገሊጾም እቶም ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ሊቃውንቲ ናይ’ቲ ናይ ዘካይድዎ መጽናዕታዊ ስነ ምርምር ውጽኢት ዝተዓደልዎ ጸጋ ምዃኑ ኣስተውዒሎም ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ብናጻ ክካፍልዎ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ስፐራንዛ ሓቢረን።

ዓለም ብሓፈሻኡ ኣድማስ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ልሳን እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ “ኣድማስ መፍትሒ ዘድልዮ ናይ ስነ ምርምር ግድልን ሕቶን ዘይኰነስ ብሓጎስን ውዳሴን ክስትንተን ዘለዎ ናይ ሓጎስ ምስጢር እዩ” እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብ ጠቒሶም ኩሉ ኣድማስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ናይ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ክዕቀንን ክግመትን ናይ ዘይከኣል ፍቕሪ ልሳን እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ብኢየሱሳውያን ማሕበር ክመሓደር ከምዝገበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ እቶም ዓቢይ ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ኣኃዝን ሊቅ ኣባ ክሪስቶፍ ካልቪዩስን ኣባ ኣንጀሎ ሰኪን ድሓር ኣባ ማተዮ ሪቺን ካልኦት ኣብዚ ሓላፍነት ዝሓለፉ ዘኪሮም ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዕለት 29 መስከረም 1935 ዓ.ም. ነቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ኣብ ካስተልጋንዶልፎ መሪቖም እንክኸፍቱ ኣብ ዘስምዎ ዘረባ፦ ፈጣሪ ንዝዀነ ጐይታ ንዑ ንወድሶ” እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ሎሚ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ምርምር ማእከል ተቐሪጹ ኣሎ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ቀጻሊ ጉዕዞ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ኣብ ስነ ምርምርን እምነትን

ናይቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ኮዀብን ስነ ህዋን ምርምር ማእከል ኣብ መዳይ ስነ ምርምርን እምነትን ብተወፋይነት መንፈስ ዝህብዎ ምስክርነት ናብ ጐይታ ዝዓርግ ጸሎት እዩ። ኣብዚ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕትዅም ምስ ብጾትኩምን መሳርሕትዅምን ምስቶም ከምቲ ናትኩም ናይ ስነ ምርምር ፍቕሪ ምስ ዘለዎም ኩሎምን ምስቶን ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋን ስነ ኮዀብን ምርምር ማእከል ደጋፍያን ሓቢርኩም ክትጓዓዙ እላበወው፣ ኵላትና ናብቲ ናይ ሓባር ቤት ዝዀነ ኣብቲ ናይ ኣድማስ ምስጢር ብሕጉስ ኣድናቖት እንነብረሉን እነስተንትነሉን ሰማየ ሰማያት ዘቕናዕና ኢና እንክብሉ ዝስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.