2015-09-17 19:30:00

ንሥድራ ቤት ካብ ወራር ህውታተ ሥነ-ሓሳብ ነድኅን!


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ንውሕ ዝበለ እዋናት ብዛዕባ ሓዳርን ሥድራቤትን ንዝቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ንምዝዛም ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ሥድራቤት አብ መሠረት ዓለማዊ ባህልና ኮይኑ ካብ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታን ናይ ገንዘብን ሥነሓሳባትን/ራእይ ዓለምን ዕንወትን ወራራትን የድኅነና” ብማለት ሥድራቤት ከም ዕላማ “ንገዛእ ርእሱ ምሕላይ ዘይኮነስ ነዛ ዓለምና ማኅደር ደቂ ሰባት ንምባር እዩ” ነዚ ከአ አብቲ መሓሪ ዝኾነ ኃልዮት እግዚአብሔር ብምእማንን ብምርግጋጽን ይገብርዎ እንክብሉ ቀንዲ ዕላማ ሓዳርን ሥድራቤትን አነጺሮም፣

ሥድራቤት እንክብል ቀንዲ ትርጉሙ መሠረታውን መተካእታ አልቦን ማኅበረሰብ ኮይና አድማሳዊ ማለት ናይ ኩሉ እዩ ስለዝኾነ ከአ አብዚ ቀረባ እዋን አብ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ አብ ፊላደልፍያ ክግበር ብዙሕ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ ሻሙናይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሥድራቤት ከማኡ እውን አብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብዛዕባ ሥድራቤት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ነዚ አድማሳውነት ይገልጽ፣

ብኪዳን ሰብ አይን ሰበይትን ዝቆመ ሥድራቤትከስ አድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ሓርነት ንኸልብሰናን ንክከላኸለልናን ዝቆመ እስትራተጂካዊ አምር እውን እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፤ ካብዚ አብ ዘመንና ነጊሡ ዘሎ ወራር አምልኾ ንዋይ እንሕለወሉ ኪዳን እንክኸውን ንፖሎቲካን ቍጠባን ከማኡ እውን ሓቢርካ ምንባር ናይ ሕዝቢ መስርዕ አብ ምትሓዝ ዓቢ ግደ አለዎ፣ በዚ ከአ ብቀዳምነት ነዛ መሬትና ሰብ ክነብረላ ዝኽእል ማኅደር ይገብርዋ፣ ብካልአይ ደረጃ ሕይወት ካብ ዘመን ናብ ዘመን የመሓላልፍ ብሳልሳይ ደረጃ ናይ ዝሓለፈ ዝኽርን ናይ ዝመጽእ ተስፋን መተአሳሰሪ ይኸውን፣ ንዓለምና ከጥፍኡ ካብ ዝደናደኑ ዕንወታት ዝከላኸለልናን ዘድሕነናንከስ ሥድራቤት እዩ ቢሎም፣

እቲ እግዚአብሔር ብጥበቡ ንሥድራቤት ዝሃቦ ዕማምከስ ነዛ መሬትና ሰብ ዝነብረላ ማኅደር ዓዲ ምግባር እንክኸውን እዚ መሠረቱ አብቲ ወርቃዊ መተአሳሰሪ ቢልና ክንሰምዮ እንኽእል አብ መንጎ ሰብአይን ሰበይትን ብዝግበር ኪዳን እዩ፣ ነዚ ዘረጋግጸልና ከአ እቲ ካብ አዳምን ሔዋንን ዝወረስናዮ ናይ አቦና አዳም ሓጢአት እዩ፣ ኮይኑ ግን እግዚአብሔር በዚ ክንሽነፍ አይፈቀደን ከምቲ አብ ዘፍ 3፤15 ዝብሎ “አብ መንጎኻን አብ መንጎ እዛ ሰበይትን አብ መንጎ ዘርእኻን ዘርአን ጽልኢ እተክል አሎኹ” እንክብል ነቲ መታለልን ሓባልን መሰሓሓትን ዝኾነ ተመን ይዛረቦ፣ በዘን ቃላት እዚኤን ገቢሩኸስ እግዚአብሔር ነታ ሰበይቲ ነቲ ፈታኒ ከተሸንፈሉ እትኽእል መከላኸሊ ወይ ድፋዕ ይሰርሓላ፣ ነዚ ከአ አብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ተመሓላልፎ ማለት ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ተጻይ ጸላኤ ሠናይት ክትዋጋአሉ እትኽእል ምሥጢራውን ፍሉይን ቡራኬ ይህባ፣ አብዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዝውተር ዝነበረ ንጓለስተይቲ ከም ፈታኒትን ምኽንያት ኃጢአትን ሓዲግካ ብመንጽር እዚ አብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮ ካልእ ዕሙቍ ዝበለ ንባበ መለኮታዊ መጽናዕቲ ማለት “ንባበ መለኮት ጓለነስተይቲ” መድልየ ቢሎም፣ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም “እግዚአብሔር ንሰብአይ ይኹን ንሰበይቲ አብ ኃጢአቶም ወዲቆም አደዳ ጸላኤ ሠናያት ክኾኑ አይሓድጎምን እዩ ወትሩ ፍሉይ መከላኸሊ ምስ ገበረሎም እዩ፣ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተተመልከትናውን ቅድሚ ካብ ገነት ምብራሮም ዕራቆም አይሰዶምን እንታይ ደአ ይኸድኖም ይብል፣ ናይዚ መለኮታዊ ኃልዮት ምልክትከስ ክርስቶስ እዩ፣ እቲ ጊዜኡ ምስ በጽሔ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ክርስቶስ ንቍስልና ክፍውስ ንጌጋና ክእርም ንሓጢአትና ክድምስስ ዝተላእከ ፍቅሪ አምላኽ እዩ፣ ክንዝክሮ ዘሎና እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ከከምዘሎናዮ እዩ ዘፍቅረና በቲ ዝሓንጸጸልና መንገዲ ከአ ናብ ፍጽምና ክንጐዓዝ ይሕግዘና፣ ነዚ ጕዕዞ መደብ አምላኽ ከም ፍቃዱ እተተግብር ኃያል ፍጥረት ከአ ጓለነስተይቲ እያ፣ እቲ ንሔዋን ዝተዋህበ ናይ ምክልኻልን ድሕነትን መብጽዓ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ንኵልና እዩ፣ ስለዚ ኵልና ብ እምነት አብ ጽላል እዚ ፍሉይ ቡራኬ እዚ ንጐዓዝ፣ እግዚአብሔር በዚ መንገዲ እሲ ኵልና አኅዋት ክንከውን አብዚ ካብ ኪዳን ሰብአይን ሰበይትን ዝቆመ ሥድራቤት ዝውለድ ዓለምዚ ንቅድሚት ክንምርሽ ይጽውዓና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.