2015-09-17 16:27:00

ናይ ቤተ ክርስቲያን መደብ ሕዳሴ ኣካያዲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ሓድሽ ውሳኔ


እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣባላት ትሽዓት ብፁዓን ካርዲናላት ዘቖሙዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ሕዳሴ ዝከታተል ጉባኤ ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ድሕሪ ፍጻሚ እቲ ኣኼባ ዕለት 17 መስከረም 2015 ዓ.ም. ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን እቲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ሓደስቲ ቅዱሳት ማሕበራትን ኣገባብ ስያሜ ሓደስቲ ጳጳሳትን ብዛዕባ እቲ ሓደሽ ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈትን ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ዝምልከት ማለት ናይ ገበን ምጽራይ ከይዲ ሕጹጽን ስሉጥን ዝግበር ኣገባብ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዘተየ ገሊጸን።

እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዓለማውያን ምእመናን ስድራን ሕይወትን ዝምልከት ሓደ ቅዱስ ማሕበር ንምቛም ዝሃብዎ ናይ ውሳኔ ሓሳብ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘመሓላለፉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ ብሕማም ምኽንያት ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይተሳተፉ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ክቐውም ዝሓስብዎ ዘለዎ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዕምቆት ንኸጽንዕዎ ሓላፍነት ምስ ዝሃብዎም ብፅዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡን እቲ ግብረ ሰናይን ፍትሕን ሰላምን ዝምልከት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምቛም ዝብል ሓሳብ ገና ዝርርብ ክግበረሉን ክጽናዕን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ሳባቲነሊ ኣመልኪተን።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓሰብዎ ሕዳሴ እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ የጽንዖን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፉ መገድታት የናድይ ከምዘሎን፣ እቲ ሕዳሴ ድማ ብሓደ መዓልቲ ዘይኰን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጊዜ ከድልዮ እዩ። ደረጃ ብደረጃ ዝጽናዕ እዩ ውሳኔ ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝሓበረ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ብፁዓን ካርዲናላት ሓድሽ ጳጳስ ንምስያም ዝምልከት ኣግባብ ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ከምዝዘተዩን ጳጳስ ዝስየም ከማልኦ ዝግብኦ ጠባይ፣ ባህርይ ክእለትን ስነ ባህላዊ ፍልጠትን ተመክሮን ከምእተሰመረሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ሕጹይ ዝቐርብ ሓበሬታ ኣድላዪ እዩ ዝብል ዝነበረ መምዘኒ እውን ከምእተሰመሩ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ዳሪዮ ቪጋኖ ብዛዕባ እቲ ዝመርሕዎ ዘለዎ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቶም ጸብጻብ ከምዝሃቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ፖለቲካ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝሕበር ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቀጻሊ ኣኼባ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንኽካይድ ወሲኖም ዘካይድዎ ኣኼባ ከምዛዘሙ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.