2015-09-17 16:21:00

ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ከባብን ተፈጥሮን ጉዳይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ካብ ዕለት 30 ሕዳር ክሳብ ዕለት 11 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ዝካየድ መበል 21 ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ዝዝትይ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ንምድላው ኣሚቱ ዕለት 18 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ኣኼባ ንዘካይድ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ከባብን ተፈጥሮን ጉዳይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ከባብን ተፈጥሮን ጉዳይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ናይ ሕብረት ኤውሮጵ ናይ ከባብን ጸዓትን ድርገት በዓል መዝን ዕለት 16 መሰከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ምትሕብባርን ሓልዮትን ፍትሕን ናይ ኵሉ ተሳትፎን ንምኽባር ናይ ሰብኣዊ ክብርን ተፈጥሮን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኰረ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርቢ ኣስዒበን፦ እቲ ናይ ቅድስነቶም ዘረባ ነቲ ኣብ ፓሪስ ዛዕባ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየርን ትልምታት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ዝምልከቱ ሕቶታት ዝዝትይ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዘተኰረ ከምዝነበረ ገሊጸን፣ ጥዕና ሓባራውን ውርሻ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ቤት ኵሉ ዝዀነ ዓለም ጥዕና ምክልኻል ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ። ምእንቲ’ዚ ሓለዋን ክንክንን ተፈጥሮን ናይ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ምትሕብባር ዝሓትት እዩ። ምኽባር ናይ ተፈጥሮ ጥዕና ድማ እቲ ቀንዲ ጠሪሹ ክተርፍ ዘይግብኦ ብዙሕ ጊዜ ዝዝንጋዕን ወይ ድማ ጌጋ ትርጉም ዝወሃቦ ኣብቲ ምትሕስሳብ ዝብል ክቡር ዋጋ ክጸንዕ ኣለዎ። በቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ዝጥቃዕ እቲ ኣብ ብከላ ናይ ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን እጃም ዘይብሉ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ምትሕብባርን ምትሕስሳብን የድሊ ዘብል ድማ እቲ ንኽንክን ናይ ከባቢ ኣየር ዝሕንጸጽ መደብ ስሉጥ ክኸውን ስለ ዘለዎ እዩ። ብከላ ከባቢ ኣየር ክንክይን ንመጻኢ ወለዶ እንነብረሉ ዓለም ውሑስ ክኸውን ዝድግፍ ዝተፈላለዩ ውጽኢታት እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ይርአይ ኣሎ። እዚ ዓይነት እደ ጥበብ መንግስታት ከተባብዑ ኣለዎም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርቢ ገሊጸን።

ስነ ምርምርን እደ ጥበብን ኣብ ኢድ ሰብ ክትግምቶ ዘይከኣል ዑቑር ሓይሊ የንብሩ ኣሎ፣ እዚ ዑቑር ሓይሊ’ዚ ድማ ንምኽባር ተፈጥሮን ሕይወትን ምጥቃሙ ይግባእ። ምሉእ ምዕባለ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ዝሓስቡ ንርሑቕ ዝጥምት ራእይ ዘለዎም መራሕቲ የድልዩ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣብታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ተነቢሩ ዘሎ ሓሳብ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ስነ ምህዳር ኣማእኪሉ ኣብ ፓሪስ ንኽካይድ ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ነቲ ናይታ እንነብረላ መሬትን ናይቶም ድኻታትን ኣውያት ሰማዒ ክኸውንን ብቑዕ ውጽኢት ንኸዕትር ቅድስቲ መንበር ደገፋ ከምእተቕርብ አረጋግጽ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርቢ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.