2015-09-17 16:15:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ናብ ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሓዋርያዊ ዑደት ብዓቢይ ተስፋ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መስከረም 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቝጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፣  እቲ ኣብ ፊላደልፊያ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ሻምናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ምኽንያት ናብ ኵባን ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ብዓቢይን ምስ ዓቢይ ተስፋን ዝተሰነየ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ብምኽንይት መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ናብቲ ናይዚ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ዋና መንበር ከብጽሑ ምዃኖም እውን ከምዝሓበሩ ዘመልከት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስነቶም፦ “ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዘ ብጓሶቶም ተመሪሖም መንፈሳዊ ምቅርራባት ንዘካይዱ ንዘለዎ ሕዝብታት ኩባን ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካን ብዕዙዝ ፍቕሪ ሰላምታይ የቕርብ። ኵላትኩም ናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃንን ሓይልን ናይታ ናይ ኵባ ሓላዊት ቅድስቲ ዝኾነ ኣፍቃሪት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኰብረን በታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓላዊት ቅድስቲ ንጽሕት ድንግል ማርያም ምሕጽንታ ከተሰንዩኒ ሓደራ” ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.