2015-09-15 18:43:00

አብ መበል 14 ሓፈሻዊ ልሙድ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝሳተፉ አበው


እቲ “ጸዋዕታን ተልእኮን ሥድራ ቤት አብ ቤተ ክርስትያንን ናይ ዘመንና ዓለምን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓምፈ አብ ከተማ ቫቲካን ክጋባእ ተወሲኑ ዘሎ መበል 14 ሓፈሻዊ ልሙድ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ ዝፍለጥ መርሓ ግብሩ ማለት መዛተዪ ሰነድ ብዕሊ ከምዘውጽኤን ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ መዛተዪ ሰነድን አብ ዝሓለፈ መደባትና አቅሪብናልኩም ከምዝነበርና ዝዝከር ኮይኑ ሎሚ ከአ ከም መቀጸልታ ናይቲ መሥርሕ አብቲ ጉባኤ ናይ ዝሳተፉ አበው ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያንን ዕድመ ዝተገብረሎም ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ተኸተልትን ስም ዝርዝር ሎሚ ብዕሊ ተአዊጁ፣

እዚ ካብ ምሉእ ዓለም ዝሳተፍዎ ዘለው ሲኖዶስ እዚ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሥልጣኖም ኤክስ ኦፊቾ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስን ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብን ከማኡ እውን ብሕርየት ር.ሊ.ጳ ብፁዕ አቡነ ጸጋዬ ቀነንን ክሳተፉ ምዃኑ ተሓቢሩ፣ አብ ሥልጣን መሪሕነት ናይዚ ሲኖዶስ አቦ መንበር ባዕሎም ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንክኾኑ ዋና ጸሓፊ ከአ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንሶ ባዲሰሪ እዮም፣ አብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ጊዜ ወከልቲ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ብምዃን ብ አቦመንበርነት ዝመርሑ ከአ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካሪድናል አንድረ ቫጝትርዋ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ አንቶዮ ታግል ናይ አፓራሲዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካሪድናል ራይሙንዶ ዳማሸኖ አሲስ ናይ ዱርባን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒር እዮም፣ ነቲ ጉባኤ ብሓፈሻ ዝመርሑን ዝቅልሱን ከአ ናይ ኤውሮጳ ረኪበ ጳጳሳትን ናይ ሃጋሪ ረኪበ ጳጳትን አቦመንበርን ሊቀጳጳስ ኤስተሮገም ቡዳፐስት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር አርዶ እንክኾኑ ፍሉይ ጸሓፊ ከአ ናይ ክየቲቫስቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁ ዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ከምዝኾኑ ተመልኪቱ፣ አብ ግዜ ጉባኤ ንሓፈሻዊ ርክብታን መራኸቢ ብዙኃትን ትከታተል ኮሚሽን እውን ቆይማ አላ፣ አቦ መንበራ ናይ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ መራኸቢ ብዙኃን አቦ መንበር ዝኾኑ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማርቸሊ እንክኾኑ ጸሓፊ ከአ ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ኅትመትን ረድዮ ባቲካንን ዋና ኃላፊ ዝኾኑ ጥቀ ክቡር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዝኾኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣

ትሕዝቶ ኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ መርሓ ግብር - መዛተዪ ሰነድ፤ 

ቀዳማይ ክፍሊ; ንሥድራቤት ዘጓንፍዎ ግድላት ጽን ቢልካ ምስማዕ;  ቀዳማይ ምዕራፍ- ሥድራቤትን ዘሎና ሰብአውን ባህላውን ኩነታትን - ባህላውን ማኅበረሰባውን ኩነታት

ሥነሰብአዊ ለውጥታት - ባህላዊ ግጭታት/ረጽምታት - ማኅበረሰባዊ ግጭታት/ረጽምታት -ናይ ሥድራቤት ድኹምን ኃያልን ጐድንታት

 ካልአይ ምዕራፍ - ሥድራቤትን ቁጠባውን ማኅበራውን ኩነታትን - ሥድራቤት መተካእታ አልቦ ምንጪ ኅብረተሰብ - ንሥድራቤት ዝድግፉ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት

ናይ ብሕትውናን ስእነትን ግድል - ቍጠባዊ ግድል - ናይ ድኽነትን ማኅበራዊ ተነጽሎን ግድል - አከባብያዊ/ተፈጥሮአዊ ግድል  

ሳልሳይ ምዕራፍ - ሥድራቤትን ምትሕቍቋፍን - ሽምግልና/እርጋን - ግድል መበለታት - ግድል ስደት - ሓድሓደ ፍሉይ ግድላት - ሥድራቤትን ሕጻናትን - ግደ ደቂ አንስትዮ 

 ራብዓይ ምዕራፍ - ሥድራቤት ፍቅርን ሕይወትን - አገዳስነት ፍቅራዊ ሕይወት - ምዅስኳስ ፍቅሪ -ናይ ፍቅሪ ተአፋፍነትን ዘይብስለትን -ናይ ባዮኤቲክስ/ሕክምናዊ ሞራል ድግል - አብ ጕስነት ነፍሳት ዘጋጥም ግድል  

ካልአይ ክፍሊ! - ንሥድራቤታዊ ጸዋዕታ አለሊኻ ምኽአል

ቀዳማይ ምዕራፍ: - ሥድራቤትን መለኮታዊ ሥነ መዕበያን - አብ ታሪኽ ድሕነት ናብ ኢየሱስን መለኮታዊ ሥነ መዕበያን ጠመተ ምግባር - ቃል አምላኽ አብ ሥድራቤት

መለኮታዊ ሥነ መዕበያ - ባህርያዊ መርዓን ምልአት ብምሥጢራት ቤተክርስትያንን - ኢየሱስን ሥድራቤትን - ትዕድልቲ ዘይፍታሕ ቃል ኪዳንን ዘሰክሞ ሓልፍነትን - መነባብሮ ሕይወት ሥድራቤት

ሥድራቤት አብ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር - ውህደትን ፈርያማነትን ተጻመድቲ - ሥድራቤት አምሳል ቅድስት ሥላሴ

ካልአይ ምዕራፍ: - ሥድራቤትን ሕይወት ቤተ ክርስትያንን - ሥድራቤት አብ ሰነዳት ቤተክርስትያን - ተልእኮአዊ ጉድኒ ሥድራቤት - ሥድራቤት ጐዳና ቤተክርስትያን - መለኮታዊ ዓቀን ፍቅሪ

ሥድራቤት አብ ጸሎት - ሥድራቤትን እምነትን - ትምህርተ ክርስቶስን ሥድራቤትን - ቃል ኪዳን ዘይፍታሕ ምዃኑን ኃቢርካ ናይ ምንባር ታሕጓስን 

ሳልሳይ ምዕራፍ:- ሥድራቤትን ናብ ፍጽምናኡ ዝግበር ጕዕዞን - ምሥጢረ ምፍጣር ናይ መርዓ - ሓቅነትን ጽባቄን ሥድራቤትን አብ ዝቆሰሉን ተአፈፍትን ሥድራቤታት ዝግበር ናይ ምሕረት ሥራሕን - አብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን ሥድራቤትን ዘሎ ትኽትንፋሳዊ ምትእስሳርን - ሥድራቤት ከም ትዕድልትን ዕዮ ገዛን - ናብ ፍጽምና ንክበጽሑ ምሕጋዝ - መንእሰያትን ፍርሂ መርዓን

ብግልጸት ዝተዋእበ ምሕረትን ሓቅን  

ሳልሳይ ክፍሊ;- ተልእኮ ሥድራቤት ሎሚ - ቀዳማይ ምዕራፍ:- ሥድራቤትን ስብከተወንጌልን - ሎሚ ንወንጌል ሥድራቤት አብ ዝተፈላለየ ኩነታት ምስባኽ - ለውሃትአብ ሥድራቤት - ለውሃት እግዚአብሔር - ሥድራቤት አርእስቲ ሓዋርያዊ ጕስነት - ሥርዓተ አምልኾ ቃል ኪዳን - ሥድራቤት ተግባር እግዚአብሔር - ለውጢ ተልእኮን ሓዲስ ቋንቋን - ባህላዊ ማዕከልነት - ቃል አምላኽ ምንጪ መንፈሳዊ ሕይወት ሥድራቤት - ውህደት ናይ ፍልልያት

 ካልአይ ምዕራፍ: ሥድራቤትን ኵስኰሳን - ንመርዓ ምስንዳው -ኵስኰሳ ናይ መጻኢ ካህናት - ኵስኰሳ ካህናትን ሓዋርያዊ አገልገልትን - ሥድራቤትን ሕዝባዊ ትካላትን - ማኅበረ-ፖሎቲካዊ ግደ ንምድጋፍ ሥድራቤት - ምረትን ሓደጋን ሓረጣ - ንሕጹያት አብ ጕዕዞ ምስንዳው መርዓ ምምራሕ - አብ ቀዳሞት ዓመታት ኪዳናዊ ሕይወት ምስናይ - 

ሳልሳይ ምዕራፍ; - ሥድራቤትን ምስናይ ቤተክርትያንን  ! ብማዘጋጃ ቤት ንዝተመርዓውን ብዘይኪዳን ተአኻኺቦም ንዝነብሩን ዝግበር ሓዋርያዊ ተልእኮ - ንዝቈሰሉ ሥድራቤታት (ዝተፈላለዩ ተፋቲሖም እንደገና ዘይተመርዓዉ ተፋቲሖ ዳግም ዝተመርዓዉ ብሓደ ሰብ በቦ/በድ ጥራይ ዝምርሑ ሥድራቤታ) ናብ ቃል ኪዳናዊ ሕይወት ገጾም ንከምርሑ ምሕጋዝ - ምሕረት አብ ሥድራቤት (እቲ ዓቢ ውሒዝ ናይ ምሕረት) - ሥነ ጥበብ ምስናይ - ዝተፈላለዩን ዝተፋትሑን ሥድራቤት አብ ውዑል - እግዚአብሔር ፈጺሙ አይሓድገናን - ንቃልኪዳን ኢባቍዕ ንምግባር ዝግበር ናይ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ሓጺር አብ ምግባርን ናይ እምነትን ርክብ - አብ መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ናይ ዘገልግሉ ቍጽሪን መንፈሳዊ ቤት ፍርድታትን ምብዛሕ - ሓባራዊ ናይ ሓዋርያዊ ግብረተልእኮ መስመራት - ተፋቲሖም ብማዘጋጃቤት ዳግም ንዝተመርዓው አብ ማኅበረ ክርስትያን ምውኅሃድ - ናይ ንስሓ ሕይወት - አብ ሓድነት ቤተክርስትያን ብመንፈስ ምስታፍ - ምስ ዘይወዲሃይማኖት ዝግበር መርዓን ዘይምዕሩይነት አምልኾን - ናይ ኦርቶዶክስ ባህሊ ፍሉይነት - ምስ ሓደ ዓይነት ጾታ ፍሉይ ዝንባሌ አብ ዘለዎም ዝግበር ግብረተልእኮአዊ ቈላሕታ  

ሓምሻይ ምዕራፍ;- ሥድራቤት ምውላድን ኵስኰሳን - ናይ ሕይወት ምትሕልላፍን ናይ ዘይምውላድ ግድልን - ናይ ምውላድ ሓላፍነት - ከም ውላድካ ክተዕቢ ሓላፍነት ምውሳድን ናይ ሓደራ ውሉድን - ሕይወት ደቂሰባት ዘይትንከፍ ምሥጢር - ናይ ኵስኰሳ ግድልን ግደ ሥድራቤት አብ ስብከተ ወንጌልን ^ መደምደምታ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.