2015-09-15 18:38:00

ንፈተና ጸላኤ ሠናያት ንምሽናፍ መንገዲ መስቀል ምስዓብ የድሊ!


ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ በዓለ ክቡር መስቀል ብክብ ዝበለ መንፈሳውነት ዘኪራ ውዒላ! አብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ነቲ “ብዝተቀደሰ መስቀልካ ስለዘድኃንካና ኦ ጐይታ ንሰግደልካን ነመስግነካን አሎና” ዝብል ቀስተ ጸሎት ብምድጋም እቲ አብ ዕጸ መስቀል ካብ ጐድኑ ዝፈሰሰ ማይን ደምን ምንጪ ምሕረትን ምሥጢራትን ዝረኸበት ቤተ ክርስትያን ንድሕነት ደቂ ሰብ ዝተኸፍለ ዋጋ መለኮታዊ ደም ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ እንከተስተንትን ንቅድሚት ንምስጓም እንታይ ከምዘድሊ ከአ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ “እንኮ መንገዲ ሕይወት ክርስትና ከምቲ ክርስቶስ አብ ዕፀ መስቀል ዝገበሮ ምሉእ ትሕትና ብምልባስ እዩ” እንክብሉ አብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰቢኾም፣

አብቲ ቅዳሴ እቶም ንምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ብምኽሪ ክሕግዝዎም ዝመረጽዎም ቤትምኽሪ ካርዲናላት ዘቍሙ ትሽዓቲዖም ንጉባኤ አብ ሮማ ብምርካቦም ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ቀዲሶም፣ እዚ በብግዚኡ ዘካይድዎ ናይ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ክሳብ ጽባሕ ዕለት 16 መስከረም ክቅጽል ምዃኑን ከም ቤት ምኽሪ ካብ ዝቆሙ እዚ መበል ዓሠርተው ሓደ ጉባኤ ቤትምኽሪ ካርዲናላት ምዃኑን ይዝከር፣

ቅዱስነቶም አብቲ ስብከቶም ቀንዲ ዘተኰሩሉ ፈተና ሠይጣን እንክኸውን እዚ ፈተና እዚ ብዘይመጠን ረቂቅን ቅንአት ዘበግሶን ስለዝኾነ ወትሩ ክንጥንቀቅ ከመይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንዘመደ አዳም ከዕኑ ምስ ተጣበበ እዩ፣ ካብቲ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ናብ ፈተና አይተእተውና ቀንዲ እንክትከውን ናይ መጨረሻ ለበዋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት እውን “መንፈስ ስንድው እዩ ሥጋ ግን ድኹም ስለዝኾነ ናብ ፈተና ከይት አትውሲ ወትሩ ጸልዩ” ዝበሎ ዓይነት እዩ፣ ቅዱስነቶም ቀንዲ ምልክት ናይዚ ክንፈልጦን ክንጥንቀቀሉን ብማለት ሠይጣን መጀመርያ ግርም ገሩ ንላዕሊ የደይበካ ብስምዒትን ታሕጓሳን ሰማየ ሰማያት ይሰቅለካ የተላልካ አብ መወዳእታኡ ግን ሓነው ቢልካ ብምውዳቅ ሽዋሕዋሕ ቢልካ ዳግም ንምትንሳእ ክሳብ ትጽገም ይገብረካ እሞ ተጠንቀቁ ቢሎም፣ ነዚ መረዳእታ ዝኸውን አብ ኦሪት ዘፍጥረት ንሔዋን ከመይ ጌሩ ከምዘታለላን ብሰበባ አስባባ ገሩ ከአ ን አዳም ከመይ ገቢሩ ከምዘውደቆን ካብዚ ውድቀት እዚ ክትንሥ ኡ ብዘይምኽ አሎም አብ ስቅለት ወዲ አምላኽ ከመይ ቢሉ ከምዝተበጽሔን ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ድሕነት ዘመደ አዳምን ታርኽ ድሕነትንናን ምስትንታን የድሊ ቢሎም፣ ቀንዲ ጥንቃቄ ዘድልዩ ከመይ ገቢሩ ከምዘስድዕ አበርቲዑ ስለዝሓባብል ዘሰሓሕትን ኮይኑ አብ መወዳእታ ተጣዒስካ ዘይትምልሶ ኩነት ብምውዳቅ ደሞዙ ሞትን መከራን እዩ ስለዚ ተጠንቀቁ ይብሉ፣

ቅዱስ መጽሓፍ ሠይጣን ሓሳውን ቀናእን ምዃኑ የዘንቱ ተመን ተመሲሉ ከምዘስሓተ በዚ ከአ ሓጢአት አብ ዓለም ከምዝአተው እንክዝንቶ እዚ ፈተና እዚ ከምዘዕንወና ንምልከት፤ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኦ አብዳን ሰብአ ገላትያ መን አስደዓኩም! ንዓኹም ንድሕነት ንዝተጸዋዕኩምሲ መን ሓባበለኩም! ንዓኹም ንሓርነት ዝተሓረኹምሲ መን አሰሓሓተኩም/መን አጋገየኩም እናበለ ይገንሖም፣ እዚ ጸገምዚ ግን አብ መላእ ታሪኽ ድሕነት ንረኽቦ እዩ፣ እቲ መስሓቲ ተመን ዘስደዖም ውሑዳት አይኮነን፣ ነዚ ምልክት እዚ ከአ ነቲ አብ ምድረበዳ እምነት ብምጕዳልን ብምጕርምራምን ን እግዚአብሔር ብምሕዛን ዝወረደ መቅጻዕቲ መርዛማት አትማን ንምፍዋስ እግዚአብሔር ንሙሴ ካብ አስራዚ ተመን ሠሪሕካ አብ ባላ ስቀሎ ይብሎ እዚ ከአ ከምቲ ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ዝበሎ ትንቢት ናይቲ አብ ዕፀ መስቀል ተሰቂሉ ከድሕነና ዘለዎ ክርስቶስ እዩ፣

ከምቲ ጽሑፋት ዝብሎ ክርስቶስ ንኩሉ አበሳና ለቢስዎ እዩ! አብ እንግዳዓዑ ተሸኪምዎ፣ ምንም ሓጢአት ዘይገበረ ክንሱ ሓጢአትና ብምሉኡ ብምሽካም ሓጢአት ኮነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ምእንታና ሓጢአት ኮነ” ነቲ ናይ ተመን አምሳል ብምውሳድ ሓጢአት ኮይኑ አብ ዕፀ መስቀል ከአ ተሰቅለ፣ እዚ ብዘይ መጠን ዘስካሕክሕ ኩነት ምእንቲ ድሕነትና ተገብረ! ናይ ሎሚ ሥር ዓተ አምልኾ ቃል አምላኽ ከስ ነዙይ የስተምህረና! ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ኮነ ሓጢአትና ለበሰ፤ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ከአ “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።”(ፊል 2፡8) ኮነ፣

መንገዲ ክርስትናኸስ ከምቲ ክርስቶስ አብ ዕፀ መስቀል ዝገበሮ ርእስኻ ምትሓት እዩ፣ ንር እሱ ኢምንት ገሩ፤ ሓጢአት ዘይፈልጥ ክንሱ ነአና ክብል ሓጢአት ኮነ፡ ምስጢረ ተመንከስ እዚ እዩ ተመን ኮይኑ ተቀጥቂጡ ተሰቂሉ፤ እዚ ዘስካሕክሕ እዩ፣ አብ አብያተ ክርስትያና ዘለው መሰቃል ወላውን አብ ክሳውድና ንወድዮም መሳቅል በረቅረቅ ዝብሉ አዋርቅ ብጣዕሚ ምልኩዓት እዮም፤ እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ፤ ልብሱ ዝተገፈ ዕራቁ ኮይኑ ምእንቲ ድሕነትና ደም ዝነዝሕ ዝነበረ! ዝተገፍዔ ሥጋ ወልደ እግዚአብሔር ኢና ክንጥምት ዘሎና፤ ፈቲና ጸሊ እና መንገዲ ክርስትና እዚአ እያ፣ ነቲ ተመን ንምስ ዓርከስ ከምቲ እግዚአብሔር ንሙሴ አብ ሲና ዝበሎ ዘዝተነኽሰ ናብቲ ዝተሰቅለ ተመን እናጠመተ ዝሓዊ ዝነበረ ንሕናውን ካብ ፈተና ንምህዳምስ ይኹን ንክንድሕን ነቲ ዝብለጭልጭ መሳቅል ዘይኮነ ነዚ ሓቀኛ መስቀል ትኽ ቢልና እንተጠሚትና ካብ መርዚ ናይዚ ፈታኒ ክንድሕን ኢና፣

አብ ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ንበዓለ ክቡር መስቀል ተኸቲሉ ዝውዕል ዕለት ሥቃይ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ዝዝኸረሉ በዓለ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ብምዃኑ ቅዱስነቶም ነዙይ እውን አብ ግምት ብምእታው ኦ ቅድስት ድንግል ንሥቃይ ወድኺ አብ ልብና ኅተምልና ብፍቅሩ ከም እንበክን ከም እነመስግንን ግበርና ነቲ እግዚአብሔር ንሓደ ወዱ ምእንቲ ድሕነትና ብፍቅሩ ዝለአኾን ምእንታና ንዝተዋረዶን ንዝተሓቶን እናዘከርና ወትሩ ናይ ምስጋና ንብ ዓት ከም እነውሕዝ ግበርና ንበላ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.