2015-09-11 11:23:00

ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብቲ አብ ሰሶሙን ዘቅርብዎ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል አብ ኵስኰሳ እምነትን ንኩሉ ብክፉት ልቢ ከም ሓውን ሓፍትን አብ ምቅባልን ዓቢ ግደ ዘለወን ሥድራቤትን ቍምስናን ስለዝኾነ እዘን ክልተ መሠረታውያን ባእታታት ብህጹጽ ምሕዝነት ክፈጥራን አብ መንጎኤን ኪዳን ተኺለን ክደጋገፋን አጥቢቆም አተሓሳሲቦም፣ ሥድራቤትን ማኅበረ ክርስትያንን ምንጪ ሕውነትን ኅብረትን ስለዝኾና ክልቲኤን ዘመሳስል ብዙሕ ነጥብታት ስለዘለወን ብክፉት ልቢ ንኩሉ ከሐድሳ ጻውዒት አቅሪቦም፣

“ተቀባሊ ኩሉ ንምዃን ማዕጾኡ ዘየርሑ ቁምስናስ ይኹን ገዳም ቤተ ክርስትያን ማለት ንጥዑይ ንሕሙም ንጽጉም አብ ትሕቲ ስደት ንዝርከብ ወዘተ ንዘይምቅባል ማዕጾኦም ዝረገጡ ቤተመዘክር እምበር ቤተክርስትያን ተባሂሎም ክስመዩ አይግባእን” እንብሉ ብብርቱዕ ቃና ነተን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንጽጉማት ዘይቅበላ ቍምስናታትን ገዳማትን ድሕሪ ምውቃስ ኩሉ ካብ ሥድራቤት ከምዝነቅልን ቤተክርስትያን እውን ናይቶም ካብ እግዚአብሔር ዝውሕዝ ፍቅሪ ሕውነት ዚአምኑ ቤት ብምዃና አምሳል ሥድራቤት ከምዝኾነት ኢየሱስ ከምዝምህረና አዘኻኺሮም፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ አብ መንጎ ቤተክርስትያንን ሥድራቤትን ዘሎ ምትእስሳር ከምዝምህረና ከአ ንሱ ንባዕሉ ከምቲ አብ መልእኽቲ ዕብራውያን “ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።

ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ።  ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ” (2፡16) ብማለት ዝገልጾ ወልደ እግዚአብሔር አብዚ ምድሪዚ ኪመጽእ ከሎ አብ ትሕቲ ሓንቲ ሥድራ ከምዝተወልደን ንኩሉ ካብታ ሥድራ ከምዝተማህረን ንሰብአዊ ባህርና ከምዝለበሶን ነዚ ከአ በቲ ምስ አቦኡ ዝነበሮ ውህደት ተቀቢሉ ነታ ዝተዋበቶ ሓዋርያዊት ተልእኮ ክፍጽም ክኢሉ፣

አብ ናዝሬት ትብሃል ንእሽቶ ዓዲ ዓብዩ ሓዋርያዊ ተልእኾኡ አብ ዝጀመረሉ ግዜ ሰባት ብምምራጽ ሓንቲ ማሕበረ ክርስትያን አቍሙ እዛ ማኅበር እዚአ ከአ መልክዕ ሥድራቤት ዝነበራ ኮይኑ ንማንም ዘይተወስን ንኩሉ እትቅበል በዓልቲ ርሕው መዓጾ እያ ዝነበረት፣ አብዛ ስድራቤት እዚአ ጴጥሮስን ዮሓንስን ንረክብ ከማኡ እውን ፈረሳውያንን መጸባሓውያንን ዘማውያንን አሕዛብን ስደተኛታትን ጽጉማትን ወዘተ፣ መልክዕ ቍምስና ከስ እዚ እዩ፣ ቍምስናን ሥድራቤትን እተን ክልተ መሠረታውያን ነገራት ናይ ደቂሰባት ኮይኑእን አባኡ እታ ካብ እግዚአብሔር እትምንጩ ፍቅሪ ትግለጽ፣ ብቃል አምላኽ እትምራሕ ቍምስናን ሥድራቤትን ልባን ማዕጾአን አርሕያ ምቅባል እንተዘይኮኑ ካልእ ክገብራ አይክእላን፣ እንክብሉ ባህርይ ሥድራቤታትን ቍምስናታትን ድሕሪ ገሊጾም አብዚ ዘመንና ዝቅልቀል ዘሎ ናይ ጥፍአት ኃይልታት ንምቅዋም ክልቲኤን ናይ ሓባር መርገጺ ብምውሳድ ከመይ ቢልካ ነዚ ሥነሓሳባውን ቍጠባውን ፖሎቲካውን ማእከል ኃይልታት ንምቅላስ ብግዲ አብ ማእከለን ኪዳን ብምፍጣር ነቲ እንኮ ተስፋና ዝኾነ ክርስቶስ ከቅርባን ነቲ ናይ ጥፍአት ኃይልታት ዝቃወም ፍቅሪ ዘማእከል ኃይልታት ከቁማ ነዚ ከአ ብምሉእ ምትሕብባርን አብቲ ዝገብራኦ ናይ ስብከተወንጌልን ናይ ነፍስን ሥጋን ናይ ምሕረት ሥርሓት ዘዘውትራሉ ዓውድታትን ክግበር አለዎ እንክብሉ ምስ አዘኻኸሩ ምናልባት ገገለ ሰባት ንሕና ደአ መን ኰና አብ ቤተክርስትያንን ቍምስናታትን ክነገልግል ወይውን ዚአክል ጸገማት አብ ሥድራና አሎና ዓቅሚ የብልና ብቅዓት የብልናን ዝብል ፈተና ንዘጥቀዖም ምእመናን አመልኪቶም ከአ ብጸጋ እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ብቍዕ እየ ዝብል ማንም ከምዘየሎን ብዘይ ጸጋ እግዚአብሔር ምንም ክንገብር ከምዘይንኽእልን ገሊጾም፣ ርግጽ እዩ ቍምስናታት ንም እመናኖም ከገልግላ ዘድሊ ሓገዝ ከበርክታ ማዕጾአን ከፊተን ክቅበላ ኩሉ ከም ገዝ ኡ ኮይኑ ከምዝስም ዖ ክገብራ ተኸባቢረን ክሰርሓ እኳ እንተለወን ሥድራቤታት ከአ ብወገኖም ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ግደኦም ከበርክቱን ሓደራ ቢሎም፣

አብዚ ጽንኩር ኩነታት ክትመርሓናን ክትመኽረናን እትኽ እል እታ እመ ምክረ ሠናይ ዝኾነት አደ ኢየሱስን አደናን ማርያም ምዃና ንምግላጽ ከአ ከምቲ አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ነቶም ሓዋርያት “ንሱ ዝበለኩም ዘበሉ ኩሉ ግበሩ” እናበለት ሠናይ ምኽሪ ዝሃበቶም ንሕና እውን ምኽራ ጽን ቢልና ንስማዕ ንሱ ዝበለና ምስ ገበርና ከአ ተአምር ክንርኢ ኢና፣ አብዚ ግዜ እዚ ሥድራቤታትን ቍምስናታትን ንመላእ ማኅበረሰብ ዓለም ኃቢርካ ናይ ምንባር ተአብር ከርእዩ ከምዘለዎም ንዘክር፣ እንክብሉ ሥድራቤትስ ይኹን ቁምስናታት ብስም እግዚአብሔር አብ ዝተአከቡሉ ጊዜ እግዚአብሔር አብ መንጎኦም ስለዝርከብ ዕለት ዕለት ተአምር ክርእዩ ከምዝኽ እሉ አረጋጊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.