2015-09-11 11:13:00

መልእኽቲ ሊቀጳጳሳት ዘመንበረ አሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ንሓዲስ ዓመት ግዕዝ


፩ መስከረም ፳፻፰፣ 11 መስከረም 2015

ክቡራን ካህናት; ክቡራት ደናግል; ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ; - ሰላም እግዚኣብሔርን ጽላል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ወትሩ ኣይፈለኹም እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም።

ሎምዘመን፣ ነዛ መልእኽቲ ሓንሰ መስቀለ፡ ኣብ ፋጥማ፡ ሃገር ፖርቱጋል ኮይነ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። ብጸጋ ኣምላኽ ካብ ዕለት 24 ክሳዕ 31 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣኼባ፡ ምስ ካልኦት 16 ኮምቦናውያን ጳጳሳት ኣብዚ እርከብ ኣሎኹ። እዚ ቦታ እዚ እኖና እግዝእትነ ማርያም ብ1917 ዓመተ ምሕረት ነቶም ሠለስተ ጓሶት፡ ማለት ንሉቺያን፡ ፍራንሲስኮን፡ ጃቺንታን፡ ካብ ወርኂ ግንቦት ክሳዕ ወርኂ ጥቅምቲ 1917፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርኂ ተራእያቶም እያ። ራእይታት ማርያም ፋጥማ፡ ከኣ፡ ድልዱል እምነት፡ ቀጻሊ ጸሎት፡ ሓቀይና ንስሓን መንፈስ ተጋድሎን ኣብ መጨርስታ ከኣ ብምሉእ ልብኻ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ፡ ንድኅነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኽር መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።

ሎሚ፡ ፋጥማ፡ ናይ እምነት ቤት ትምህርቲ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። እዚ ከኣ ብ1917 ዓ ምፈ፡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል፣ እምነት ኣዝዩ ውሒዱሉ፣ ኣንጻር ቤተክርስትያን ዝተወደበ ናይ ማሶኒ መንግሥቲ ነጊሡሉ ኣብ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ብኣዴና ማርያም ገቢሩ ንናእሽቱን ገርሀይናታትን ቆልዑት ተገልጸሎም። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ማዕቢሉ ዝበሃል ዝነብረ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ፣ “እግዚኣብሔር ሞይቱ እዩ”፣ “ወዲ ሰብ፡ ብሓቂ ክምዕብል እንተኾይኑ፡ እግዚኣብሔር ክጠፍእ ኣለዎ”፣ ዝብል ሓዲስ ፍልስፍና ነጊሡሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፣ ቀዳማይ ውግእ ዓለምውን ኣብ ዝኸድካዮ ሞትን ስንክልናን ዕንወትን ዘሪኡ ነበረ። ብሓጺሩ፡ ሃምን ቀልብን ዝበዝኁ ሰባት ኣብ ገንዘብን፡ ስልጣንን፡ ጊዚያዊ ምቾትን፡ ጥራይ ከተኩር ይርአ ነበረ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ጭካነን ህርፋንን ቅንእን ንዓይ ይጥዓመንን ገኒኑ መሰል ድቂ ሰባት ተረጊጹ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ከኣ ፍትሒ ጎዲሉ ነበረ።

መልእኽቲ ማርያም ፋጥማ፡ በንጻሩ፡ ቀዳምነት ንእግዚኣብሔር ምሃብ ከምዝግባእ፣ ተስፋ ቊርጸት ሓዘንን ብኽያትን ጭካነን በዚሕሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ መልእኽቲ ምሕረትን ምጽንናዕን ተስፋን ፍቕሪ ሓድሕድን ዝመልኦ እዩ ዝነበረ። እቲ መልኣኽ ብ1916 ዓምፈ፡ “ኣነ መልኣኽ ሰላም እየ፣ ምሳይ ኮይንኩም ጸልዩ” እናብለ ነቶም ሠለስተ ጓሶት ዝመሃሮም “ኦ ኣምላኸይ፡ ኣነ ኣኣምን ኣነ ተስፋ እገብር እፈትወካ። ምእንቲ እቶም ዘይኣምኑ፡ ተስፋ ዘይገብሩ፡ ዘይፈትውኻ ከኣ ምሕረት እሓትት” ዝብል ናይ እምነት ስራሕ ጸሎት እዩ። እግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ጊዜውን ከይተረፈ ጩራ ብርሃን ይሰደልና። ራእይ ፋጢማውን ሓደ ካብዚ እግዚኣብሔር ብማርያም ገቢሩ ንዓለም ዘምጽኣላ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ ነቢሩ። ሕዝቢ ፖርቱጋል ካብ ውግእ ናብ ሰላም፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምእንቲ ክሳገር ነዚ መልእክቲ እዚ ብማርያም ተመሓላለፈሎም። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተኸተልቱ “ደቂ ብርሃን ምእንቲ ክትኮኑ ከኣ ብርሃን ከሎኩም ብብርሃን እመኑ” (ዮሓ 12፡36) ከምዝበሎም ንሕዝቢ ፖርቱጋል እውን ነዚ ዕድመዚ ኣቕረበሉ። ነዚ መልእኽቲ ሰላም ብልቢ ስለዝተቐበልዎ ከኣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከይሳተፉ ወሰኑ። ኣዴታት ፖርቱጋል ከኣ ማርያም ፋጥማ ካብ ውግእን ህልቂትን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣድሒናትና ኢለን ዝነበረን ውርቅን ኣልማዝን ኣኪበን እቲ  ሕጂ ኣብ ቤተመዘክር ፋጥማ ብጥንቃቐ ተዓቚሩ ዘሎ ኣዝዩ ክቡር ዘውዲ ኣብ ርእሲ ምስሊ ማርያም ፋጥማ ክደፍኣ ወሰና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ ኢየሱስ ባዕሉ፡ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ካብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለዝገለጽካዮ፡ ኣመስግነካ ኣሎኹ። እወ፡ ኦ ኣቦይ! ኣብ ቅድሜኻ ዘሓጒሰካ ንሱ እዩ” (ማቴ 11፡25-26) እናበለ ከምዝጸለየ፡ ኣብ ፋጥማ ድማ እቲ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ልዑል እግዚኣብሔር፡ በቶም ደቂ 10፡ 8፡ 7 ዓመት ዕድመ ዝነበሮም ሕጻናት ገቢሩ እዩ ዓብይ መልእኽቲ ገሊጹ። ብሓቂ ከኣ እቶም “ንጹሓት ልቢ፡ ንኣምላኽ ክርእዩዎ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”(ማቴ 5፡8)።

ኣዴና ማርያም ብመልእኽቲ ፋጥማ ናብ ምሉእ ዓለም ዘምጽኣቶ ተስፋን ሰላምን ኣብ ተግባር ምእንቲ ክርአ ግን በቶም ጓሶት ገቢራ ቀጻሊ ጸሎትን ተጋድሎን ተባዕ ምስክርነትን ብጽዑቕ ክዝውተር ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ ኣያ። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ ዘመናት ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ “ኲሉሳዕ ተሓጐሱ፡ ከየቋረጽኩም ጸልዩ፣ ብዂሉ ኣመስግኑ፣ ከመይ ኣብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት ኣምላኽ ዚደልዮ እዚ እዩ። ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ፡ ትንቢት ኣይትንዓቑ፡ ንዂሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሠናይ ኃዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ርሓቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ንዂልንትናኹም ይቐድሶ፣ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኽትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ”(1ተሰ 5፡16-23)ዝብል ዓሚቚ መልእኽቲ፡ እቶም ዘይተማህሩ መንእሰያት ክርድእዎ ብዝኽእሉሉ ቋንቋ ከተመሓላልፈሎም ንርኢ። ተግባራውን ብቀጻሊ ጸሎት ዝተደገፈን እምነት ሓቀይና ሓጐስን ቅሳነትን ዘፍሪ ምዃኑ፣ እዚ ከኣ ንጽቡቕን ንቅኑዕን ዘበለ ኲሉ ክንቅበል፣ ንክፉእን ሓሶትን ዘበለ ከኣ ክንነጽግ ከምዝሕግዘና የረድኣና። ማርያም ፋጥማ ብዙኅ ጊዜ “ጸልዩ ብዙኅ ጊዜ ጸልዩ፣ መዓልቲ መዓልቲ መቚጸርያ ድገሙ” እናበለት እያ ተማሕጺና። በዚ ከኣ ማርያም ናይ መቚጸርያ ተባሂላውን ትጽዋዕ እያ።

እቲ መዓልቲ መጸ ጸሎተ መቚጸርያ ከነብጽሕ ከሎና ምእንቲ ኃጢኣተይናታት ንደግሞ “ኦ ኢየሱሰይ! ንበደላትና ይቕረበለልና፡ ካብ ሓዊ ገሃነመ እሳት ሰውረና፡ ንኲለን ነፍሳት፡ ኣውራ ነተን ምሕረትካ ብፍላይ ዘድልየን ንሰማይ ውሰደን” ዝብል ተደጋጋሚ ሓጺር ጸሎትውን፡ ኣዴና ማርያም፡ በቶም ናእሽቱ ጓሶት ገቢራ፡ ኣብ ፋጥማ ዝመሃረትና ጸሎት እዩ። ብኃጢኣትና እንተተነሳሕና፡ ነቶም ፈሊጦም ወይ ከይፈለጡ ኣብ ኃጢኣትን ክፍኣትን ዝጠሓሉ ኣኅዋትናን ኣኃትናንውን ክንዝክሮም ከሎና ልቢ እየሱስ ከምዝልስልስ፣ ሰላምን ዕርቅን፡ ከምዝነግሥ ርጉጻት ኢና።

ኣብዚ እዋን ሓንሰ መስቀለ፡ እዚ፣ ማርያም ኣብ ፋጥማ ዝሃበቶ ዓብይ መልእኽቲ፡ ምስቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት ቊ 90 እንረኽቦ ጥበብ ዝመልኦ ጸሎትውን ዝሰማማዕ እዩ። እቲ“ዕድመና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝኀ ከኣ ሰማንያ ዓመት እዩ። እዚ ከኣ ጻዕርን መከራን እዩ ዘምጽኣልና። ዕድመና ቀልጢፉ ይኃልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ” (መዝ 10) ዝብል ማዕዳ፣ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ተምክሮ ደቂ ሰብ ዝተመሥረተ ሃናጺ ትምህርቲ እዩ ክንብል ንኽእል። ዳዊት “ንሰብ ከምቲ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ውሒዝ ገበርካዮ፡ ከም ትኽስታ ሓጺር ዕድመ ሀብካዮ፡ ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ፣ እወ ከምቲ ንግሆ ዚዕምብብን ዚልምልምን፡ ኣጋ ምሸት ግና ተዓጺዱ ዚነቅጽ ሣዕሪ እዩ” (መዝ 90፡5-6)ይብል። ነዚ ኩሉ እናፈለጥና ግን ብቐሊሉ ንርስዖ እሞ፡ ኣብዚ ዓለም ንዘለዓለም ከምእንነብር መሲልና ንካየድ። ከምቲ ዝግባእ፡ ኣብ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ኣይንህቦን። ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣዘራርባናን ኣከያይዳናን ኣስተውዒልና ኣይንሓስብን፡ ተጠንቂቕና ኣይንመርጽን፡ ብቅንዕና ኣይንፈርድን፡ ብዓይኒ ምሕረት ኣይንጥምትን፡ ነቶም ሓገዝና ዝሓቱ ወይ ዘድልዮም ሽጉራት ኣኅዋትና ንምሕጋዝ ተጊህና ኣይንውፈን። ብሓጺሩ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ጥበብ ይጐድለና።

በዚ ምኽንያት እዩ ዳዊት ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዝሙሩ፡ “ጥበበይናታት ምእንቲ ክንከውንሲ እቲ ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ምሃረና” ክብል ዝርከብ። ነዚ ሓዲስ ዓመት ክንጅምር ከሎና እምበኣር ቅድሚ ኲሉ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ነቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ጊዜን ዕድመን ንብረትን፡ ከመይ ኢልና ብጥበብን ብምስትውዓልን ክንጥቀመሉ ከምዘሎና ክንሓስብ ኣድላዪ እዩ። ጊዜ ህያብ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ምእንቲ ክንዓብየሉ፡ ምእንቲ ክንመሃረሉ፡ ክንስሓሉ፡ ክንዕረቐሉ፡ ብሓጺሩ ነፍስና ምእንቲ ክንፈቕደሉ እዩ ዕድመ ዝውስኸና። “ጊዜ ከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ ከምዝበሃል” ንሕናውን ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና ነቲ ዝተዋህበና ዕድል ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ኃቢርና ከኣ “ጐይታየ! ቊጥዓኻ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝጸንሕ?፡ ተመለስ!፡ ንባሮትካ ምሓሮም። ምሉእ ዕድመና ክንሕጐስን ባህ ክብለናንሲ፡ ንግሆ ንግሆ ዘለዓለማዊ ምሕረትካ ኣጽግበና፣ ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልታትን፡ ክፉእ ዝረኣናለን ዓመታትን ኣሓጒሰና” (መዝ 90፡13-15)እናበልና ምስ ኣምላኽና ንዋሳእ።

ማርያም ፋጥማ፡ ዝበኽያ ኣዴታት ክጸናንዓ፡ ዝጠምዩ ቆልዑ ክዕንገሉ፡ ዝተረበሹ መንእሰያት ክረግኡ፡ ብነፍስን ብሥጋን ዝሓመሙ ክፍወሱ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቁ ክምለሱ ኣያ ጸዊዓ። እታ ኣደ ምሕረት፡ ሎሚውን ንወዳ፡ “ክሳዕ ሕጂ ዝሞትዎ፡ ዝተሳቐዩዎ፡ ዝበኸዩዎ፡ ዝጠመዩዎ፡ ዝሓመምዎ፡ ዝተሰደድዎ፡ ይኣኽሎም፡ ብምሕረትካ ደኣ ተዓረቆም፡ ውፉር ደኃን ኣእተወሎም፡ ዝረሓቐ ምለሰሎም፡ ዝጠፍአ ኣክበሎም” ትበለልና። እግዚኣብሔር ነዚ ዝህበና ዘሎ ሓዲሽ ዓመት ዮሓንስ ወንጌላዊ፡ ዓመት ዕርቅን ኅውነትን፡ ዓመት ፍትሕን ሰላምን፡ ክገብረልና ከኣ፡ “ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን። ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና። እወ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ” (መዝ 90፡17) እናበልና ኣጥቢቕና ንማህለል። ከም እንፈልጦ ኣብዚ ዝሓለፈን፡ ሕጂ ዝኣቱ ዘሎን ዓመት፣ እኖና ቤተክርስትያን ብዛዕባ ውፉይ ሕይወትን ስድራቤትን ከነስተንትን ምእንቲ ውፉያትን ስድራቤትን ክንጽሊ ዓዲማትናን ኣተባቢዓትናን እያ። እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ከኣ ፍሉይ ዓመት ምሕረት ኢላ ሰምያቶን መዲባቶን ኣላ። ነዚ ሓዲስ ዓመት ክንጅምር ከሎና እምበኣር ነዚ ሠለስተ ዓበይቲ ኣርእስትታት ክንዝክርን ምስ መላእ ቤተክርስትያን ክንጐዓዝን ከምዝግብኣና ፈሊጥና ብግልን ብኃባርን ሱታፌና ነደልድል። ዓመት ውፉይ ሕይወት፡ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስድራቤት፡ ፍሉይ ዓመት ምሕረት፡ ብእምነትና ክንሕደስ ዝሕግዙና መደባት እዮም ስለዚ ብዝበለጸ ተገዲስና ክንጥቀመሎም ይግባእ።

ንኲልና፡ ኣብ ዘዘሎናዮ፡ ቡሩክ በዓላት ሓንሰ መስቀለ ይኹነልና። ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

 ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.