2015-09-11 11:32:00

ሓዲስ ዓመት 2008 ዓ.ም. ዘመነ ዮሓንስ


መዝሙር፦ ዮሓንስ አኅድዐ . . . . ። ንባባት፡ 1ቆሮን 1፡17-25፥ ያዕ. 5:8-11፥ ግ.ሓ. 5:12-17፥ ማር 6፡17-29

 

ምስባክ፡ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው። “ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11-12። አድኅነኒ እግዚኦ እምእለ ሮዱኒ እስመ ይኄይሉኒ ወአውጽአ እሞቅሕ ለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ፥ “ ንስምካ ምእንቲ ከምስግነካ ካብቶም ኃይሎሚኒ ዘለዉ ጸላእተይ አውጽአኒ” መዝ. 142፡6-5።

ርሑስ ብዓል ሓዲስ ዓመትን ብዓል ቅዱስ ዮሓንስ እናበልኩ ንኹልኹም ሰናይ ትምኒተይ እናገልጸኩ ዓመት ሰላምን ፍቕርን፥ ዓመት ምዕባሌን ብልጽግናን ልዕሊ ኹሉ ኸአ ፍቕሪ አምላኽ ብዝያዳ አብ ሕይወትና ዝርአየሉ አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላም ዝነግሰሉ ዓመት ይግበረልና።

ባሕቲ መስከረም ሓዲስ ዓመት አቆጻጽራ ሃገርና እዩ። ነዚ ዕለት አሰንዩ ዝውዕል ብዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ። አብ ጎሮሮሳዊ ባኅረ ሓሳብ ሓዲሽ ዓመት አብ ባሕቲ ጥሪ “ማርያም አደ አምላኽ” እናዘከሩ ይጅምርዎ፥ ንሕና ሓዲስ ዓመትና አብ መስከረም ሰማዕትነት ቅዱስ ዮሓንስ እናዘከርና ንጅምሮ። ትሓስቶን መንፈስን ናይ ኩሉ ባኅረ ሓሳባት ተመሳሳላይ እዩ። አብ ሓዲስ ዓመት ሓደስቲ መደባትን መምርሒታትን ገርካ ብተስፋ ዓመትካ እትጅምረሉ ስለ ዝኾንካ ወሳኒ ተራ አብ ሕይወት አለዎ። ዓመት ምቝጻር እንተ ኾይኑ አጀማምራና ሓንቲ ለውጥን ሓዲስ ነገርን ስለ ዘይብልና አይነፍርን ኢና ስለዚ ዓመትና ፍረ ክህልዎ ሓሲብና ንአና ብነፍስን ብስጋን ዝጠቕመና ነገር ሒዝና ክንአትዎ ይግብአና። ነፍስወከፍ ሓዲስ ዓመት ክንጅምር እንከሎና ፍሉይ መልእኽቲ ክንክተሎ ዝግብአና አለዎ። 

መልእኽቲ ሓዲሽ ዓመት፡

ሓዲሽ ዓመት ይእቶ አሎ። ብሓዲስ መንፈስን ብሓዲስ ራእይን ዓመትና ንጅምሮ። አብዚ ዓመት መቅድም ኵሉ ምስ አምላኸይ ክገብሮ ዘሎኒ ነገራት ቀዳምነት ሂበ ክምድብ። አምላኽ በቲ ዝሃበኒ ጸጋ ተጠቒመ አብ አገልግሎት ድለት አምላኽ ከውዕል ክውስን ይግብአኒ። ከምኡ ምስ ከማይ ዝአመሰሉ አሕዋተይ ብፍቕርን ስኒትን ክነብር ኢለ መብጽዓ ክአቱ እሞ ብኹሉ ሰናይ ክገብር ኢለ ንሓዲስ ዓመት ክጀምሮ ክንብል።
አምላኽ ብፍሉይ ክንጥቀመሉ ዝሃበና ጊዜ። ንደቂ ሰብ ጊዜ ክውሃበና እንከሎ ክንጥቀመሉ እዩ፥ ማለት ተፈጥሮና አለሊና ብኹሉ ናይ አምላኽ ክንከውን ነቲ ውሃቢ አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክነብር። ዝውሃበና ዘሎ ጊዜ ብኹሉ ንአምላኽ ክንመስል ክንቅደስ፥ ሓቅን ሰላምን ርትዕን አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንምስክር ምእንቲ እዩ። ንጊዜ አምላኽ አብ አገልግሎት አምላኽ ተጠቒምና ክንክእል አሎና።
ብርጉእ መንፈስን ብሩህ ተስፋን ዓመትና ክንጅምሮ። ክርስትያን ሓደ ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ወዲ ተስፋ እዩ። ክርስትያን ተስፋ ክቖርጽ አይናቱን እዩ። መሰረት ተስፋና ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። አብ ኵሉ ሕይወትና አምላኽ ማእከል ሕይወትና ገርና እንተ ጀመርና ጉዕዞና መወዳእትኡ ፍረን ዕግበትን ዝህብ ክኸውን እዩ። ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ አምቢርና ዝክአለና ንግበር ሽዑ ዝተረፈ አምላኽ ባዕሉ ክምልአልና እዩ።

ሓዲስ ዓመትና እምብአር ብንጹሕ ልብን መንፈስ ንጀምሮ። ፩ያ ንዝሓለፈ ጌገና አሪምና ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ገርና ንጀምሮ። ንአምላኽ በዲለ እየ ምሓረኒ ክንብሎ። ንሓውና ንሓፍትና ንዝበደልናዮ ብልብና በዲለ ኢልና ተአሚና እቕረታ ክንሓትት። ፪ይ ነዚ ንጀምሮ ዘሎና ዓመትን አብ ኵሉ እንገብሮ ጉዕዞ ሕይወት አምላኽ ብጸግኡ ከሰንየና ክንልምኖ። ነዚ ዓመት ምሳኻ ክጅምሮ እሞ ከምቲ ዝሃብካኒ አፍራይ ኮይነ ክርከብ ሓግዘኒ ንበሎ።

ምጅማር ሓዲስ ዓመትና ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ምዃኑ ፍሉይ ትርጉም አለዎ። ቅ.ዮሓንስ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ብአምላኽ ንፍሉይ ተልእኮ ዝተሓርየ እዩ። መልአኽ እግዚአብሔር ንዘካርያስ ልደት ዮሓንስ ክነግሮ እንከሎ “አብ ቅድሚ አግዚአብሔር ዓብይ ክኸውን እዩ፥ ገና አብ ከርሢ አዲኡ እንከሎ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ፥ ንብዙኃት ካብ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚአብሔር አምላኾም ክመልሶም እዩ” (ሉቃስ 1፡15-16) እናበለ አበሲርዎ። ከምዝበሎ ኸአ አብ በረኻን አብ ዓድን ሰቢኹ ንብዙኃት አብ አምላኽ መሊሱ። ንሱ “ካባይ ዚብርትዕ አነ ደኒነ ስራኽ አሣእኑ ኽፈትሓሉ ዘይበቅዕ ብድኅረይ ይመጽእ አሎ” (ማር 1፡7) እናበል ንልደትን ምጽአት ክርስቶስ እቲ መስሕ ሰቢኹ። አብ ዮሓንስ 1፡6-8 ዘሎ እንተ ረአና “ንሱ ምስክር ኮይኑ ኵሎም ብእኡ ምእንቲ ኺአምኑ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር መጸ፥ ብዛዕባ ብርሃን ደአ ኺምስክር መጸ እምበር ንሱ ብርሃን አይነበረን” እናበለ መንነትን እንታይነት ዮሓንስ ይገልጸልና። ንኢየሱስ መን ምዃኑ ክነግር እንከሎ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ “እንሆ ገንሸል አምላኽ” (ዮሓ 1፡36) እናበለ ንሰዓብቲ አብ ኢየሱስ ከም ዝሰግሩ ገርዎም። ኢየሱስ ባዕሉ ብዛዕባ ዮሓንስ ክምስክር እንከሎ “ካብ አንስቲ ዝተወልዱ ዘበሉ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከምዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (ማቴ 11፡11) ኢሉ።

ዮሓንስ ንሓቅን ነቲ ዝአምነሉን ካብ ምስባኽ ድሕር አይበለን። ሰባት ብትምህርቱን ሕይወቱን ዝረአይዎ መሲጥዎም “እንታይ ንግበር ኢሎሞ” ካብቶም ህዝቢ አብ ዝሓተትዎ “ክልተ ክዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፥ ቀለብ ዘለዎ ድማ ኸምኡ ይግበር” ኢልዎም፥ንተቐበልቲ ቀረጽ ከአ ምስ ሓተትዎ “ካብቲ ዝተአዘዘልኩም ሕልፊ አይትውሰዱ” በሎም። ንወተሃደራት ከአ “ንሓደ እኳ አይትግፍዑ ብሓሶት ውን አይትኽሰሱ ደሞዝኩም ይአኽለኩም” ኢልዎም (ሉቃ 3፡ 10-14)። ዮሓንስ መጥምቅ ነቲ ዘሎ ጌጋ ብንጹር ይቋወሞ ነሩ እዚ ኸአ አብ ሞት አብ ጺሕዎ። ሄሮዱስ አንጢጳስ (ማር 6፡1729) ሓደ ካብቶም ደቂ ሄሮዱስ ዓቢ እዩ ነሩ፥ ንሱ ንቀዳመይቲ ሰበይቲ ፈቲሑ ንሰይቲ ሓዉ ሄሮዲያስ ብዘይ ሕጊ ስለ ዘአከባ ዮሓንስ ብዘይፍርሒ ካብ ኃጢአቱ ክምለስ ነጊርዎ በዚ ምኽንያት ከአ ንሞት ተፈሪዱ ብሰማዕትነት መይቱ።

አሰር ቀዳሞት ነብያት ብምክኽታል ንመራሕ ሃገር ብድፍረት ብዝገበሮ ዘይሞራላዊ ኃጢአት ዓው ኢሉ ብድፍረት ክፍአቱ ነጊርዎ። ንንጉሥ ቃል ኪዳኑ ክከኽብር አብ ኪዳኑ እሙን ክኸውን ብድፍረት ነጊርዎ። እንተ ኾነ ዝሰምዕ እዝኒ አይረኸበን ሄሮዱስን ሄርድያዳን አብ ዝሙት ይነብሩ ነሮም ንዮሓንስ ከአ ዋጋ ሕይወቱ ከም ዝኸፍል ገርዎ። ነብያት አብ ብሉይ ኪዳን አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ከምኡ አብዚ እዋና ልኡኻት አምላኽ ንሓቂ ክነግሩ ከለዉ ብዙሕ ጊዜ ዝሰምዖም የለን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓው ኢሎም ውግእ ጠጠው ክብል ግፍዒ ዓመጽ ደው ክብል፥ ሰብ ብሞራላዊ ሕይወቱ ሕጊ አምላኽ ከኽብር ይነግሩ አለዉ ከም ዮሓንስ ሰማዒ እዝኒ አይረኸቡን አለዉ። 

ሰብ ንሓቂ ምቕባል ምስ አበየ ዳርጋ ዕዉር እዩ ዝኸውን፥ አብ ኃጢአት ዝተአልከ ሕይወት ምስ አምላኽ ርክብ ስለ ዘይብሉ ንሓቂ ንፍቕሪ ንሰላም ክርኢ ዓይኒ የብሉን። ክርኢ ካብ ኃጢአቱ ክምለስ ሓጋዚ የድልዮ ከም ዮሓንስ ኮይኑ ብድፍረት ንሓቂ ዝዛረብ ነቲ ክፍአቱን ጌግኡን ገሊጹ ዝነግር የድልዮ። አብ ዓለምና ብዙሓት ንሓቂ ንፈርሓ ንሰባት ጌግኦም ካብ ምንጋር እና ረአና ከምዘይረአና ንኸውን ገለ እዋንስ ምኽንያት ውድቀቶም ባዕልና ኢና።

ሎሚ ኩሉና ከም ዮሓንስ ንሓቂ ብድፍረት እንነግር ክነክውን አሎና። አምላኽ ዝኸብረሉ ግብሪ እምበር ሰብ ከማና ክሕጎስ እንገብሮ ክፍአትን ኃጢአትን ክንሓድጎ እዋኑ እዩ። ናይ ዘመና ሰማዕታት ናይ ዘመና ሰበኽቲ ወንጌል ንሕና ኢና። ንሰባት አብ አምላኽ ክቐርቡ እንሕብር እንምህር ንሕና ኢና። ዮሓንስ ንተመሃርቱ ንኢየሱስ ምስ ረአየ አብኡ አስጊርዎም “እዚ እዩ እቲ መስሕ እቲ መድኃኒ” እናበለ አብ ኢየሱስ አብጺሕዎም ንሕና እውን ሓውናን ሓፍትናን አብ ኢየሱስ ክነብጽሖም ድላይ አምላኽ እዩ።

ካብ መገዲ አምላኽ ርሒቑ/ቓ ዘሎ ክንመልስ፥ ተባኢሱ ንዘሎ ክንዓርቕ/ ተሸጊሩ ንዘሎ ክንርድእ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና እዩ። እዚ ተልእኮ ንውሑዳት ሰባት ወይ ንካህናትን አብ አገልግሎት ንዘለዉ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እዩ። እሞ አብ ሰናይ ግብሪ ድየ ወፊረ ዘሎኹ ወይስ አብ ግብሪ ሰይጣን አበሎኹ ክንብል ምስ ሕልናና ክንዛረብ እዚ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ዓቢ ጥቕሚ አለዎ።

ቅዱስ አጎስጢኖስ አብ ሓደ ካብ ስብከቱ (ስብከት 293፡13) ንቅዱስ ዮሓንስ ምስቲ ሓደ ካህን ክገብሮ ዘለዎ ዘመልክት እዩ ይብል። አጎስጢኖስ ከስተንትን እንከሎ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንኢየሱስ ከም ቃል አምላኽ ገሩ ይገልጾ፥ ዮሓንስ መጥምቅ ግን ድምጺ ነቲ ቃል ዝቕድሞ እዩ። ድምጺ ቅድሚ ቃል እዩ። ናይ ሓደ ካህን ተራ ከም ዮሓንስ ምዃን እዩ፥ ድምጺ ንቃል። ሓደ ካህን ናቱ ቃል ከይተዛረባ ብድምጺ ነቲ ቃል አብ ልቢ ካልእ ከምዝአቱ ክገብር አለዎ። ድምጺ መንጎኛ እዩ፥ ቃል አብ ልቢ ክአቱ ዝሕግዝ። ካርዲናል ራዚንገር አብ ናይ ቅ. አጎስጢኖስ ክትንትኑ እንከለዉ አብ “Pilgrim Fellowship of Faith: The Church as Communion (p 164) አብ ዝጸሓዎ ዝበልዎ።

ናይ ሓደ ካህን ሕይወት ከምኡ ናይ ነፍስወከፍ አማናይ ሕይወት ድምጺ ናይ ቃል ምዃን እዩ። “ንሱ ክልዕል አነ ክንእስ”፥ ድምጺ ቀንድ ስርሑ ነቲ ቃል ምምሕላፍ እዩ፥ አብዚ መሰረት ገርና ክንካየድ ከሎና ኩሉ እንገብሮ ትሕትናን አገልግሎትን ንጹር እዩ። ሰባት አብ ሕይወት ዮሓንስ መጥምቕ ዝረአይዎ እዚ እዩ። ካህናት ብፍላይ ፊተውራሪታ፥ አገልገልቲ ቃል አምላኽ እዮም። እቲ ዝዛረብ ዘሎ ዘይኮነስ እቲ ዝዛረበሉ ዘሎ እዩ ዘገድስ። ንአምላኽ ክንሰብኽ እንከሎና እቲ ቀንዲ እቲ ሰባኻይ ዘይኮነ እቲ ዝሰብኮ ቃል አምላኽ እዩ ቀንዲ።

አብዚ ሓዲስ ዓመት ከም ዮሓንስ “ቃል አምላኽ” ክንከውን አብዚ እንጅምሮ ዓመት ቃልና ግብርና ሕይወትና ኩሉ ነቲ እንአምኖ ዝገልጽ ኸከውን እዩ ዝድለ ዘሎ። ሰባት አባይ እንታይ ይርእዩ ወይ ካብ ዘረባይ እንታይ ይሰምዑ ክንብል ይግባእ። ዝሰብኽ ዝምስክር ውሒዱ ዓለምና ብዓምጽን ኃጢአትን ተበኪላ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሎሚ ከም ዮሓንስ ንሓቂ ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ፍትሕን ርትዕን ይጎድል አሎ ዝብሉ፥ ሰብ ይብደል አሎ ኢሎም ዝዛረቡ ብሕይወቶም ዘርእዩ የድልይዋ አለዉ። ነዚ ዝገብሩ ካብ ሰማይ ወይ እውን ካልኦት ዘይንፈልጦም ሰባት ዝገብርዎ አይ ኮነን ነፍሲ ወከፍና ግፍዒ ኃጢአት ክግበር ክንርኢ ከሎና መን እዩ ዝገብሮ ዘሎ ብዘየገድስ መራሒ ይኹን ማንም ሰብ መራሕ ሃገር ይኹን ሰባኺ ወንጌል ንሓቂ ንፍትሒ ንመገዲ አምላኽ ዝጥሕስ እና ረአና ሱቕ ንብል እንተ ኾና አብቲ እከይ ግብሪ ኢና ንተሓባበር አሎና ስለዚ አምላኽ ሒዝና ንሓቂ ደው ክንብል አሎና። ዓመትና ፍረ ዝህልዎ ዘመና ተሓድሶ ዝወርዶ ከምዚ ክንገብር ንእከሎና ጥራሕ እዩ።

አምላኽ ብኹሉ ተዓሪቑ ዓመት ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ዝነግሰሉ ጽጉም ዝርህወሉ እሱር ዝፍትሓሉ፥ ዝሓመመ ዝሓውየሉ፥ ዓድና ዓዲ ሰላምን ፍቕርን ዝገብር ዓመት ይግበረልና።

 

ንኹልና ርሑስ ሓዲስ ዓመት ይግበረልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   








All the contents on this site are copyrighted ©.