2015-09-10 16:21:00

ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ቦዘ፦ ምሕረትን ይቕረታን


ገዳም ቦዘ ዘካይዶ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ምሕረትን ይቕረታን ርእሰ ጉዳይ ከተኵር ምግባሩ እንክዝከር፣ ለምዘበን ዕለት 12 መስከረም 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ኣብ ምሕረትን ይቕረታን ዘተኰረ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዓለም ለኻዊ ናይ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ዓውደ ጉባኤ ዕለት 9 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ገዳመ ቦዘ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምእተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኰላግራንደ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዓውደ ጉባኤ ምሕረትን ይቕረታን ካብ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ዝተዋጽኡን ናይ ኣንግሊክዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ህዳሴ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣስተምህሮ ከምዘቕርቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፦ ምሕረት  ኣብ ውሽጡ ይቕረታ ዘጠቓልል ናይ ፍቅርን ለውሃትን እግዚኣብሔር መብራህቱ እዩ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ገዳመ ቦዘ ኣበ እምኒየት ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ምሕረት እግዚኣብሔር እቲ ኣዚዩ ዝዓበየ መዳርግቲ ዘይብሉ ክተርፍ ዘይግብኦ ንመላእ ዘርኢ ሰብን ንማሕበረ ክርስቲያንን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘድሊ እዩ። ስለዚህ ድማ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ቅዱስ ዓመት ምሕረት፣ ካቶሊካውያን ጸጋ ምሕረት  ዘስተንትንሉ ዓመት ጥራሕ ኰይኑ መታን ከይተርፍ ኣብዚ ዓቢይ ጸጋ’ዚ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ክሓብራን ከስተንትናን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳውያንን ናይ ህዳሴ ኣቢያ ክርስቲያንን ክሓብራን ምሕረትን ይቕረታን ኣብ ዝብል ጸጋ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያ ክርስቲያን ዘለወን መንፍሳውነትን ስነ ቅዱስ መጽሓፍ መጽናዕታውን ቲዮሎጊያውን ስነ ኣበው መጽናዕቲ ኣቢለን ዝነብረኦ መፍንሳውነት ከቃልሓ ዘተባብዕ ዓውደ ጉባኤ እዩ ኢሎም።

ምሕረትን ይቕረታን ናይ ዓውደ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትታት ርእሰ ጉዳይ ጥራሕ ኰይኑ ከይተርፍ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ድላይ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ ድማ በቢ ዕለቱ ዝንበር መንፈሳውነት ክኸውን መታን ንምትብባዕ ዝተዳልወ ዓውደ ጉባኤ እዩ ምስ በሉ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን እምነት መምዘኒ ድማ እዩ ኢሎም።

ምሕረት ወሰናስን ዘይብሉ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ ማለት እዩ። ቤተ ክርስቲያን እውን ንገዛእ ርእሳ ካብ ታሪኽ ከምእርድኦ ናይቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተበሰረ ምሕረት ዝበረኸት ከምዘይነበረት እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ክንእመነሉ ይግባእ። ምሕረት ዘይሰዓረሉ ዝሓለፈ ታሪኽ የልቦን። ወትሩ ሰዓሪ እዩ። እዚ ብሓቂ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ምሕረት በቢ ዕለቱ ብግብሪ ምንባር የድሊ። ማለት ድማ ነቶም ናይ መጠረሽታ ክፍሊ ሕብረተሰብን ድኻታትን ዕሩቓትን ስኡናትን ኰታ ነቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም እንክብል ገይታና ኢየሱስ ናብ ዝገለጾም ምባል ማለት እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዛ በቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሰርዕዎ ናይ ምሕረት ሊጡርጊያ ኣቢላ በቲ ባዕሎም ነቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝሓተትዎ ይቕረታን ምሕረትን ብምቅላሕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ቤተ ክርስቲያን ንዝኣበሰቶ ኵሉ ምሕረትን ይቕረታን ሓቲቶም ዘበገስዎ ምሕረት ኣብ ማእከል መንፈሳውነትን ቲዮልጊያን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ከይዲ ሎሚ እውን ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቶሪኖ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ቫልዳውያን ማሕበረ ክርስቲያን ንዝፈጸመቶ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ በደል ምኽንያት ብዝሓተትዎ ይቕረታን ምሕረትን ይቕጽል ኣሎ፣ ምሕረትን ይቕረታን እትነብር ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት እያ ኢሎም። ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ምሕረትን ይቕረታን ሓላፍነት ከከም ናይ ውልቀን ታሪኽ ክነብርኦ ይግባእ። ይቕረታን ምሕረትን ምልማን ሓያልነት እዩ። ሓያል ጥራሕ እዩ ምሕረትን ይቕረታን ዝሓትትን ዝህብን፣ ስለምታይ ኣብኡ እግዚኣብሔር ስለ ዝነብር። ብዘይ ወንጌላውያን መጋበሪያ ሓቂ ንምክልኻል ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ብዝተፈላለያ ኣቢያ ክርስቲያን ዝተፍጸመ በደል በቲ ናይ ሓቂ መጋበርያ ብዝዀነ ወንጌላዊ ምሕረትን ይቕርታን ኣቢልካ ምውጋድ የድሊ፣ በደለይናን ተበዳሊትን እትበሃል ቤተ ክርስቲያን የላን፣ ምሕረትን ይቕረታን ሕድ ሕዳዊ ክኸውን ኣለዎ፣ እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ብሰፊሑ ክትንትኖ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.