2015-09-10 16:11:00

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ፦ ሕዳሴ ከይዲ ሕገ ቀኖና ንናይ ሲኖዶስ ዕዮ ብሩህ ይገብሮ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘለዎም ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ቀዳምነት ንምሕረት እግዚኣብሔር ብምስትውዓል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝእሰር ምስጢረ ተኽሊል ብከይዲ ሕገ ቀኖና ዘይህልው ዝብል ብይን ንኽወሃቦ ምስጢረ ተኺሊል ብዝኣሰሩ ምእመናን ዝቐርብ ናይ ፍትሕ ሕቶ ዝግበር ከይዲ ዘመሓይሽ ዝሃብዎ ክልተ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ናይ ዝካየድ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍልዩ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ሓድሽ ውሳኔ ኣብ ከይዲ ሕገ ቀኖና እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ብርሃነ ወንጌል ዝቖመ ምስ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓፈሻዊ ግብረ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሳዂዕኻ ዝረአይ እዩ። ስለዚህ ወንጌላዊ እዩ፣ ማለት ቀዳምነት ትርጉም ምሕረት እግዚኣብሔር ዘቃልሕ ፍትሕን ፍቕርን ኣስተንፍሶ ዝገበረ፣ ንኵነት ሰብኣዊ ፍጥረት ቀረባን ብብሉጽ ቀረባ ንምዃን ሓደስቲ መገዲ ዘመላኽት እዩ። ስለዚህ ዝተሰርዐ ምስጢረ ተኽሊል ዘይህልው ዝብል ውሳኔ ንምሃብ ብሕገ ቀኖና ብክልተ ከይዲ ዝኽወን ዝነበረ፣ ሕጂ ግና ብሓደ ከይዲ ክፍጸም እዅል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፣ ስለዚህ ዘይህልው ዝብል ውሳኔ ንምሃብ ዝጠፍእ ዝነበረ ነዊሕ ጊዜ ዘሕጽር፣ ናይ ሕገ ቀኖና ከይዲ ዝሕድስ እዩ። ኣብቲ ውሳኔኦም ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳትን ዝሃብዎ ሓድሽ ስልጣን ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መሰረተ ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ ጳጳስ ክቡር ናይ እምነት ምስጢርን ናይ ጳጳሳዊ ጉባኢያዊ ከይዲ ዘለዎ ክብርን ናይ ሰበኻ ጳጳስ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘለዎ ሁባሬ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ዝተኣሰረ ምስጢረ ተኽሊል ዘይህልው ንኽበሃል ዝውሰድ ዝነበረ ጊዜ ክሓጽርን ዝኽፈል ዝነበረ ዋጋ ብዝለዓለ ደረጃ ክወርድ ጥራሕ ዘይኰነስ ብነጻ ክኽወን ዘለዎ ከይዲ እዩ፣ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ከይዲ ሕገ ቀኖና ዘይፍትሓዊ እዩ ሓጺር ጊዜ ዝወስድ ከይዲ ሕገ ቀኖና ድማ ፍትሓዊ እዩ ንምባል ኣይኰነን፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሕገ ቀኖና ከይዲ ዕጋበት ብዘለዎ አገባብ ነቶም ፍትሕ ዝሓቱ እቲ ዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ዘይህልው ዝብል ብይን ዝጽበዩ እቲ ኣብ ነዊሕ ምጽባይ ዝነብርዎ ሰብኣውን መንፍሳውን ሃውክ ሻቕሎትን ዘወግድ ናይ ሕልና ርግኣት ዝህብ እዩ። እቶም ደያኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣኽበርቲ ኣካላት ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዝህቡን በቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጽሙ ምዃኖምን ከስተውዕሉን ንምእመና ቀረባ ክዀኑን ዘተባብዕ እዩ፣ ንስኡናት ዘማእከለ ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ዝተኣስረ ምስጢረ ተኽሊል ዘይህልው ዝብል ብይን ንምሃብ ዝፍጸም ናይ ሕገ ቀኖና ከይዲ ዝወስዶ ዝነበረ ነዊሕ ጊዜ ክሓጽር ዝብል ድላይ ድማ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ድላይ እዩ ኔሩ፣ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ዘስተውዓሉን ቤተ ክርስቲያን ንምእምናን ቀረባ ክትኸውን ዝመርሕ ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ካብዚ ቀጺሉ እቲ ዘድሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሕዳሴ ውሳኔ ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል እዩ፣ ከምቲ ናይ ቅዱስነቶም ውሳኔ ዘመልክቶ፣ ቅዱስ ኣቦና ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝቖመት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ፣ እዚ ድማ ወንጌላዊ ማለት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.