2015-09-10 16:17:00

ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ፦ ነፍሲ ወከፍ ቁምስና ቶሪኖ ኣብ ምእንጋድ ስደተይና


ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ኣብ ሰበኻኦም ዝርከባ ቁምስናታትን ኣባይቲ መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦን ብመንፈሳዊ ማሕበራት ዝመሓደር ኣባይቲ መእለያ ኣረጋውያንን ብዝተኻእለ መጠን ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ክሳብ 5 ስደተይናታት ከእንግዳ ሓደራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ውሳኔ፣ ዝሓለፈ ዕለት 6 መስከረም 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ወንጌላዊ ኣስተንትኖ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሰበኻታትን ገዳማትን ኣባይቲ መንፈሳዊ ማሕበራትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ኣባይቲ፣ ስደተይናታት ስድራ ከእንግዳ ሓደራ እንክብሉ ከምዘቃልሕዎ ኣብ ቶሪኖ ናይ ስደተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ሰርጆ ዱራንዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ዘቕረብዎ ጻውዒት ነቲ እግዚኣብሔር ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝጸገወና ውሉዳዊ እንጋደ ማእከል ዝገብር መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ መፍትሒ ክረከቦ ዘተባብዕን ክስዓብ ዘለዎ መገዲ እውን ዝሕብር እዩ። ነቲ ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝፍጠር ምጭንናቕ እውን ዘቃልል እዩ። ክርስቲያን ስድራ ኣብ ምእንጋድ ስደተይናታት ክተሓባበር ዘተባብዕ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

እቲ ደስ ዘብል ኣብ ሰበኻ ቶሪኖ ዝርከባ ቁምስናታት ኣባላት ምእመና ስድራ ኣባይቲ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ተኽሲቱ ዘሎ ካብ ውግእን ዓመጽን ጥምየትን ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ቢሉ ናይ ዝስደድ ዜጋ ጉዳይ ዘማእከለ ምይይጥ ክግበር ምርአይ እዩ። ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ሓላዊ ሓወይ ኣይኰንኩን ዝብል መልሲ ዘይኰነስ ሓውኻ ኣበይ ከምዘሎ ምፍላጥን ዘድልዮ ሰብኣውን መንፍሳውን ንምቕራብ ጽቡቕ ድላይ ክህልወካ ከምዝግባእ ዝሕብር መደብ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.