2015-09-08 16:31:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንውግእ ኣይንማረኽ


ዕለት 6 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ርእሰ ከተማ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ሃይማኖታት ርክብ ንሰላም ናብ ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኣልባኒያ ካብታ ናይ ሰማዕታት መሬት ዝዀነት ሃገር ሓድሽ ናይ ሰላም ትንቢት ክብገስ ዘነቓቕሕ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕለት 9 መስክረም 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ሃይማኖት ስለ ሰላም ዓውደ ጉባኤ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝተዋጽኡ ስለ እዋናዊ ሕብረተሰብን ዛዕባ ስደትን እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተባርዔ ብዙሓት ዜጋታት ንሞትን ዓመጽን ዝዳርግ ዘሎ ቅልውላውን ስለ ስነ ምህዳርን ዓውሎማነትን ርእሰ ጉዳያት ዝዝትዩ ልዕሊ 400 ተጋባእያን ዘሳትፈ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንውግእ ኣይንማርኽ ቢሎም ኣብ ቅድሚ እቶም ብምኽንያት ውግእን ድኽነትን ዓመጽን ዝሳቐዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሸለልተይና ምዃኑ ንግዛእ ርእሱ ካብቲ ንሓደጋ ዘቃልዕ ኵነት ኣዚዩ ዝኸፍኤ ተግባር እዩ ቢሎም፣ ኩልም ተጋባእያን ሰላም ዝከኣል ምእዃኑ ከተሓሳስቡን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እቲ ጉባኤ ሰላም ዝከኣል ምዃኑ ክምስክርን ነዚ ሓቂ እዚ ከቃልሕን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

መናድቕ ዶባትካ ክብ ምባልን ነቶም ሰላም ደልዮምን ካብ ማሕበራዊ ኢፍትሃውነትን ኢሰብኣዊ ተግባራት ገዛእ ርእሶም ነኸድሕኑ ብሉጽ መጻኢ ኣማዕድዮም ዝስደዱ በራትካ ምዕጻው ንገዛእ ርእሱ ዓመጽ እዩ። ንሕጻናትን ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ውዳቕ ምርኣይን ሕይወት ምንጻግን ንገዛእ ርእሱ ዓመጽ እዩ፣ ኣብ መንጐ እቲ ብዝተትረፈረፈ ሃብቲ ዝነብርን ጸጊቡ ዝጉሕፍን ብስእነት ንሕይወት መሰረታውያን ነገራት ዝሳቐ ሕዝቢ ዘሎ ናይ ናብራ ፍልልይ ኣዚዩ ክሰፍሕ ምግባር ንገዛእ ርእሱ ዓመጽ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ እቲ ብካቶሊካዊ ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዝዳለው በቢ ዓመቱ ዝካይድ ናይ መላእ ሃይማኖታት ዓውደ ጉባኤ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣሲዚ ዘበገስዎ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ ናይ ታሪኽን ኣሕዛብን ምዕራፋት ኣብ ዝቕየረሉን ዓሚይቕ ምልዋጥ ኣብ ዘርአየሉ ዘሎ ኣዋን ከምዚ ዓይነት ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣዩ። እዚ ድማ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብሉጽ ክኸውን ዘተባብዕን መገዲ ዝፈጥርን እዩ። ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ናይ ኣሲዚ መንፈስ ነቲ ዅሉዕ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ዘቃልሕ እዩ። ኣሲዚ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሰላም ብሓባር ምንባር ዝምስክራሉ ከተማ እያ። ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ከተማ። ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳእቲ እቲ ናይ ለምዘበን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ጉብኤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባኒያ ክካይድ ምግባሩ ድማ ኣልባኒያ እታ ከተማ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ምልክት ምዃና ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ቀዳማይ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝንበር ዘሎ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝምስክር ምዃኑን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ እቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቴሄራን ንኽካይድ ምግባሩ ድማ ነቲ ሰላማዊ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ናብራ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ናይ ኣልባኒያ ናይ እምነትን ሰላምን ሰማዕታት ዘኪሮም ምስክርነቶም እምነቶም ንናይ ክፍኣት መንፈስ ዘይምብርከኽን መንፈስ ሰናይ ካብ መንፈስ ክፍኣት ዝሓየለ ምዃኑ ዝምስክረ እዩ። ኣልባኒይ ዘሕለፈቶ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ካብ ልቢ ሕዝቢ ኣልባኒያ እግዚኣብሔር ክሓክኽ ኣይተኽኣሎን፣ ሕዝቢ ኣልባኒያ ነጻነቱን ዝኽተሎ ሃይማኖት ብዘየገድስን ብሓባር ናይ ምንባር ብቕዓቱ ዳግም ዓቲሩ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ይነብር ኣሎ ቢሎም፣ ጸሎት ናይ ሰላም መሰረት እዩ፣ ሰላም ዝከኣል እዩ፣ ሰላም ብዓውታ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ከነቃልሕ ዘብቕዕ እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.