2015-09-01 15:29:00

ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል፦ ዜጋታትን መንግስትን ጸረ ምግባረ ብልሽውና ክተግሁ


ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንሓደጋ ከይቃላዕ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ደው ንምባል ኣብ ዘተን ጸረ ምግባረ ብልሽውና ምትጋህ ከምዘድሊ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 25 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከተ ዝሓብረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝቢ ብራዚል ቅልውላው ኤኮኖምን ከምኡ እውን እቲ ብርእሰ ብሔር ዲልማ ሩሰፍ ዝምራሕ መንግስቲ ብዝተፈላለየ ምግባረ ብልሽት ተኸሲሱ ኣብ ዘለሉ ኣዋንን፣ ሕዝቢ ነዚ ብምቅዋም እውን ዝተፈላለየ ሰላማዊ ኣድማ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ኣዋን፣ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብራዚል ፍትሕን ሰላምን ዘተን ምቅዋም ምግባረ ብልሽውና ናይ ዴሞክራሲ መስረት ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ሓቢሩ።

ናይ ጉድለት ሕዳሴ ልዑል ዋጋ ኸፋልን ተዓዳይን ሕዝቢ እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቲ  ጠቒሶም ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ምኽባር ንገዛእ ርእስን ንመልእ ሕዝቢ ረብሓን ንሃገርን ንሰላምውን ፍትሓውን ምዕባለ መሰረት እዩ፣ ካብዚ ወጻኢ ግና ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ ቢሎም እቲ ሕዝቢ ኣጋጢምዎ ዘሎ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕ ንምጥፋእ ድማ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስትን ሰናይ ፖለቲካዊ ድላይ ሃልይዎም ንብራዚልን ሕዝብን ናብ ብሉጽ ምዕባለ ዝመርሕ ሰብኣውነት ዘማእከለ ከይዲ ፖለቲካ ከረጋገጹ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ እተሓሒዙ ድማ ስነ ምግባራዊ ትእዛዝ ዋሕስ ስርዓት ዴሞክራሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.