2015-08-29 15:52:00

ፊሊፒንስ፦ ንኽንክን ተፈጥሮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት


ዕለት 1 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መላእ ካቲሊካውያን ማሕበራትን ምእመናንን ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ስለ ክንክን ተፈጥሮ ሓቢሮም ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብ ማኒላ ካቴድራል ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን ከብዕሉን ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ተፈጥሮ ወቕቲ

ካብ 2013 ዓ.ም. ዝተበገሰ ወቕቲ ተፈጥሮ ዝብል መደብ ንሽዱሽተ ሰሙን ብዛዕባ ክንክን ተፈጥሮ ዘተባብዕን ኣብ ክንክን ተፈጥሮ ዝኣመተ ሕንጸትን ጎስጓስን መርሃ ግብርታት ዘጠቓለለ ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርትን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ናይ ባህልን ስነ ጥበብን ስነ ምርምርን መግለጽታትን ምርኢትን ዝቐረብሉ እዋን ክኸውን እንከሎ፣ ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ ድማ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእክቲ ዝውከስ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ጎስጓስ ንኽንክን ተፈጥሮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ

ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ስለ ክንክን ተፈጥሮ፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ሓደገይና ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየርን ብከላ ከባቢ ኣየርን ንኽውገድ ኣብዚ መዳይ ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ግብኡ ኣስተዋጽዖ ከበርክት ዝሓትት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ፓሪስ ዛዕባ ክንክን ተፈጥሮ ኣብ ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መራሕቲ ዓውደ ጉባኤ ዝቐርብ ናይ ጻውዒት ክታም ናይ ምእካብ መደብ ይካይድ ከምዘሎን፣ እዚ መደብ ምእካብ ክታም ካብ ወርሒ ሐምሌ 2015 ዓ.ም. ብሓልዮት እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ፍትሒ ንተፈጥሮ ዕላማ ዝዓዩ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ብዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ናይ ከባቢ ኣየር ሓልዮ ምንቅስቓስ ከምእተበገሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።    








All the contents on this site are copyrighted ©.