2015-08-29 15:48:00

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ፦ ዘተ ምስ ቤተ ክርስቲያን ቫልደዝን ምንጻሕ ተዘክሮን


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲን ቫስቶን ሊቀ ጳጳስን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነትን ዘተን ሓልዮ ድርገት ኣባልን ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ኣብ ቶረ ፐሊቸ ኣብ ዝካይድ ዘሎ ናይ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ከም ተዓዛቢ ዕዱም ኰይኖም ብምስታፍ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ምስ ቫልዳዊት ቤት ክርስቲያን ዘተ ክቕጽልን ምንጻሕ ተዘክሮ የድሊ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣንቶነላ ፓለርሞ ሓቢረን።

ኣብ ቶረ ፐሊቸ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ኣወሃሃዲ ኤውጀኒዮ በርናርዲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብካቶሊካውቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ስደትን መከራን ጠቒሶም፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ይቕረታን ካብ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ምሕረት ዝሓትት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መንጐ ቫልዳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ርክብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ቢሎም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ቫልዳውያን ክርስቲያን ዝተፈጸመ ስደትን መከራን እቲ ናይ ሎሚ ካቶሊካዊ ምእመን ዝፈፈጸሞ ኣይኰነን፣ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ከምዘበልዎ ምንጻሕ ተዘክሮ የድሊ። ከምቲ ዝተፈጸመ ዓይነት ስደትን መከራን ዳግም ከይክሰት ዝብል ምንጻሕ ተዘክሮ እዩ። እቲ ዝተፈጸም ስደትን መከራን ጸረ እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ይቕረታን ምሕረትን ጥራሕ እዩ ዘንጽሖ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ንቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ይቕረታ ዝሓትትን ምሕረት ዝልምን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቃል መሰረት ነቲ ዝሓለፈ ዘይምርድዳእ ምዝካር ዘይኰነስ ሓድሽ ምዕራፍ ብምኽፋት ሓድሽ ናብ ውህደት ዝመርሕ ናይ ሓባር ናይ ዘተ ጉዕዞ ክብገስ ዘተባብዕ እዩ ቢሎም ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ሕቶ ብእወታዊ ከምእተቐበለቶ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ናይ ዘተ ጉዕዞ ዘበራትዕ እዩ፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ክርስትያን ማሕበረሰብ ብቕንዕናን ብሕውነታዊ መንፈስ ተደሪኹ ክራኸብን ክዝትይን የተባብዕ ኢሎም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት እውን ከምዝዝትይን፣ ዝዀነ ይዅን ሰብ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ክእንገድ ከምዘለዎን፣ ካብ ውግእን ጥምየትን ስደትን ዘምልጥ ኵሉ ምእንጋድ ንኽርስቲያን ኣማራጺ ኣይኰነን፣ ባዕሉ ወንጌል ዝሓቶ ክርስቲያናዊ ኣግባብ እዩ።

እቲ ናይ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ሓደኣዊ ጾታ ኣብ መንጐ ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ሓዳርን መውስቦን ፍቑድ ዝብል ውሳኔ ከምዝሃበሉን፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋንን ኩነትን ጭቡጥ ሓድሽ ርድኢት ክግበረሉ ከምዘድልዮ ዝሕብር እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ቀጺሎም ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ተዓዛቢ ዝሳተፉ ዘለዉ ዘረባ ዘስምዑ ካቶሊካዊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ፦ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ክኽበሩን ሰብኣዊ ክብሮም ክሕለውን ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታ ዝቐውም መውስቦ ምስቲ ባህርያዊ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ሓዳር ዘመዓራርይ ማለት ኣይኰነን፣ ምስቶም ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ምስ ዘለዎም ሰባት ንኸይንዝትይን ንኸይንራኸበን ሓቢርና ንኸይንጓዓዝ ዝድርኽ ኣይኰነን። ምፍቃሮምን ምኽባሮም ክንርድኦምን ክንሰምዖምን ከምዝግብኣና እዩ ዘተሓሳስብ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.