2015-08-27 16:11:00

ኣብ ጋዛ ቆሞስ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምዝዛም ውግእ


ዕለት 8 ሐምሌ 2014 ዓ.ም. ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ዕጡቓት ሓይሊ ምንቅስቓስ ሓማስ ካብ ወሽመጥ ጋዛ ዝፍንውዎ ንዝነበሩ ናይ ተወንጫፊ መጥቓዕቲ ንምፍሻል ኣሚቱ ዘበገሶ መጥቃዕቲ ካብ ዝውዳእ ሓደ ዓመት ከምዝገበረን፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ሚእቲ ሕጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሺሕን 2 ሚእትን ፍልስጥኤማውያንን ከምኡ እውን 66 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣስራኤልን ሓሙሽተ ተራ ንጹሓን ዜጋታት እስራኤል ንሞት ዝዳረገ ውግእ ደው ንምባል ዝተበጽሔ ስምምዕ ሓደ ዓመት ከምዘቑጸረ ክዝከር እንከሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ጋዛ ቆሞስ ኣባል ማሕበር ዘትስብእቱ ኣባ ማሪዮ ዳ ሲልቫ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ድሕሪ እቲ ውግእ ንዳግማይ ሕንጸት ጋዛ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣተወ ቃል ገና ቃል ኰይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ። መደባት ዳግማይ ሕንጸት ብዙሕ ኣይረኣይን፣ ቓጣርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቃል ዝኣተውዎ ሓገዝ ኣብ ኢድ መን ከምዝኣትው ዘይፍለጥ እዩ እንክብላ ከምዘደናጉየኦ ገሊጾም፣ ምጥርጣረን ድማ መሰረት ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሓገዝ የደንጉዮ ኣሎ፣ ሕዝቢ ጋዛ ዝረኣዮ ዓቢይ ዳግማይ ሕንጸት የሎን።

ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞም ዜጋታት ኣብ እዋን ሙቐትን ክረምትን ሕጂ እውን ኣብቲ ዝዓነወ ኣባይቱ እዩ ዝነብር ዘሎ። ተመሃሮ ኣብ ዝዓነዉ ኣባይቲ ትምህርቲ ትምህርቱ ይከታተል ኣሎ፣ ዋሕዲ መግብን ስእነት ጋዝን ገና መፍትሒ ኣይረኸበን ካብ እስራኤል ኰነ ካብ ግብጺ ዝኣትው ዝነበረ ቀረብ ከም ቀደም ኣይኰነን፣ ኣንተተረኽብ ድማ ናይ መሸጣ ዋጋኡ ኣዚዩ ክቡር እዩ ኢሎም።

መነባብሮ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ጋዛ ኣዚዩ ዝመረረ እዩ። እቲ ኣዚዩ ብስእነት ስራሕ ዝጥቃዕ ዜጋ ድማ ኰይኑ ኣሎ፣ ክርስትያን ምዃን ንስእነት ስራሕ የቃልዕ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጋዛ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝመጽእ ሓገዝ ብዘይ ፍልልይ ንዅሉ ትዕድል፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ዘይብሉ ብሓቂ ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ምሕናጽ የድሊ፣ ዅሉ ሃይማኖቱ ብነጻነት ክነብር ክኽእል ኣለዎ ቢሎም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ጋዛ ዝርከብ ሕንጻ ናይ ሃገረ እስላም ዕጡቓት ሓይሊ ኣርማ ተለጢፉ ከምእተረኽበን ብዙሓት ድማ ኣባላት ዕጡቓት ሓይሊ ሃገረ እስላም ኣብ ጋዛ ክህልዉ ዝከኣል እዩ ዝብል ጥርጠራ ከምዘለዎምን እንተዀነ ብዙሓት ማሕበረ ክርስቲያን ዝርከብዎም ዜጋታት ፍልስጥኤም መጻኢና እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ቃል ምረት ከምዘስማዑ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.