2015-08-25 16:24:00

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ፦ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ብዘይ ሕድ ሕዳዊ እደ ኣታውነት ስለ ሓባር ጥቕሚ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ክህቡ


ሓቂ ንምዝባዕ ኣብ በለካን ለኽዓካን ዝቐውም ክርክር ዝተፈላለየ ክውንነት ንኣብነት ስድራ ቤትን በርገሳዊ መርዓን ዘለዎ ዝተፈላለየ ክውንነት ሓደኣውነት ከምዘለዎ ገርካ ምግላጹ ርትዓዊ ኣይኰነን፣ እቲ ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዝቐርብ ዘሎ ሓድሽ ትምህርቲ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝበልዎ፣ ብሓቂ ናይቲ እንኰኣዊ ኣመለኻኽታ ምልካውነት እዩ እንክብሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ክርክርን ትርጉም ኣልቦ ክትዕ ዝዀነ ይኹን ጸገም ብግቡእ መሚኻ ብምዝታይ ንምፍታሕ ዘይሕግዝ እዩ። ዝዀነ ይኹን መደረ ንሓቂ ከመዛብልን ናይ ክውንነት ሓቅታት ከዕብርን ኣይክእልን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብሓቅን ብርግኣትን ኣቲ ዝበለጸ ንምዕታር ኣሚቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማታ ዘማእከለ ምይይጥ ብርግኣትን ብሓቀይናን ፍርድን ብቕኑዕ ቀልበይና መምዘንታትን ክምራሕ ኣለዎ ምስ በሉ ብዛዕባ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ኣመልኪቶም ድማ ክልቲኣቶም ሉኣላዊ ሕጋውነት ለበስ ኣካላት እያቶም፣ ብምክብባርን ብዘይ ሕድ ሕዳዊ እደ እታውነት ስለ ሓባር ጥቕሚ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ክህቡ ይግባእ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ብምኽባር እትገልጾ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ኵሉ ብብቑዕ ግልጽነት ብዝተኽተል ዘዕግብ ግልጽን ኣዘራርባን ገራ እያ እተቕርቦ። ንኣብነት እቲ ኣብ መርዓ ማለት ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ዝቖመ ባህርያዊ ስድራ ቤት ናይ ኢጣሊያ ሕገ መንግስቲ እውን ኣፍልጦ ዝህቦ ቅዋመ ምዝባዕ ዓቢ ጌጋ እዩ። ናይ ክውንነት ፍልልያቱ ኣፍልጦ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ክውንነት ከከም ቅዋሜኡ በቢ ኩነቱ ምምልካት የድሊ፣ እንተዘይኰይኑ እቲ ዝተፈላለየ ክውንነት ከም ሓደኣውነት ዘለዎ ጌርካ ጠርኒፍካ ብእንኰኣዊ ርትዓውነት ምምልካት እቲ ዝዓበየ ጌጋ እዩ።

ኣብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ መንነታዊ ጾታዊ ስምዒት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቲ ስነ ሕይወታዊ መንነት ወጻኢ በቢ እዋኑ ከከም ድላይካ ዝቀያየርን ዝውሰንን ገርካ ዝሕሰብን ዝንበርን ዝኽወንን ከምዘይኰነ ተነጽር። ካብዚ ወጻኢ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ እቲ ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዝቐርብ ዘሎ ሓድሽ ትምህርቲ ጾታዊ ስምዒትካ ከከም ድላይካ ዝኸወን እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ብሓቂ ናይቲ ኣንኰኣዊ ኣመለኻኽታ ምልካውነት እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ቀጺሎም ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፦ እዚ ማሕበራዊ ክስተት’ዚ ብሓቂ ዘሕዝን ሰብኣዊ ፍጻሜ እዩ። ስለእቲ ጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ከከም ድላይካ ዝተፈላለያ ሃገራት መልሲ ዝወሃባሉ ዘይኰነስ ናይ ሓባር ዓለም ለኻዊ መልሲ ዘድልዮ ዘሕዝን ሰብኣዊ ፍጻሜ እዩ። ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መጻኢ ሕይወቶም ዝተመሓየሸ መታን ክኸውን ካብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ኣሚቶም ጥሜትን ጽምኣትን ሞትን እናገጠሙ ዝፍጽምዎ ጎዕዞ ምእታው ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዓለም ለኻዊ ጉዳይ እምበር ብሔራውን ክፍለ ዓለማውን ጉዳይ ገርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ንስደተይናታት ብቑዕን ግቡእን እንገዳ ከከም ናይተን እቶም ስደተይናታት ዝኣትውለን ሃገራት ዘለወን ናይ ምእንጋድ ኩነትን ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ንስደትን ንምዝብልናን ዝዳርግ ሰላምን ኤኮኖምን መንግስታዊ ስርዓትን ዝምልከት ምኽንያት መሰረታዊ ፍታሕ ንኽርከቦ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ምንቅስቓስን ዓቢይ ጻዕርን ምክያድ የድሊ።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ እትርከብ ቤት ሕክምና እያ። ከምዚ ብምዃና ድማ ናብ ደጋዊ ፍክሊ ከተማታትናን ህልውናን እናበለት ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ብቓልን ሕይወትን ተነቓቕሕ። ተልእኾኣ ድማ ንሱ ሓድሽ ቃል ብስራት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.