2015-08-22 16:29:00

ፍሉይ ኢዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ወንጌል ምሕረት ናይ ምብጻሕ ተልእኾኣ ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕ ዓመታዊ በዓል ንጽሕት ድንግል ማርያም ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ተጀሚሩ ዓመታዊ በዓለ ክርስቶስ ንጉስ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ኢዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት ከምዝኣወጁን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብፍሉይ ብፍሉይ ሓላፍነት ክምራሕ እውን ከምዝወሰኑን ክዝከር እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ቅዱስ በሪ መንፈሳዊ ንገደት ዝፍጽሙ ዘካይድዎ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝመርሕ ካብ ካስተል ሳንት ኣንጀሎ ዝብገስ በደባባይ ፒዮስ መበል 12 ኣቢሉ ብኮንቺሊያዚዮነ ዝሓልፍ ናብ ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘብጽሕ ፍሉይ ናይ ኣጋር መንገዲ ከምዝፍጠረሉ ናይ ኢዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት ፍሉዩ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ምዝገባ መንፈሳውያን ንጋዶ ይጅምር

ናይ ምሕረት ዓመት ኣሰናዳኢ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዝሕብሮ ናብ ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንገደት ዝፍጽሙ መንፍሳውያን ነጋዶ ምጭንናቕ ከየጋጥሞም መታን በቲ ዳቢሊው ዳብሊው ኣይ ኤም ነጥቢ ቪኤይ www.im.va ብዝብል ኣድራሽ ብዝተደርሰ ናይ ዓመተ ኢዮቤል መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዞም ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕላፍ ነዊሕ ምጽባይ ከይሁሉን ናይ ጸሎት ሃዋሁ ንምሕላውን

መንፈሳውያን ነጋዶ በቲ በሪ ንምሕላፍ ዘይውዳእ ነዊሕ መስርዕ ከየጋጥሞምን እቲ መንፈሳዊ ንግደትን ፍጻሜታቱን ዘለዎ ዓቢይ ትርጉም ከይሰሓትን ናይቲ ፍሉይ ዓመተ ኢዮቤል መንፍሳውነትን ናይ ጸሎት ኩነትን ከይዝንጋዕ መታን መንፍሳውያን ነገዶ ቅድም ቢሎም ክምዝገቡ ዕድል ከምእተፈጥረ ናይ ኢዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት ኣሰናዳኢ ቤት ጽሕፈት መግለጺ የመልክት።

ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ መንፍሳውያን ነጋዶ መእንገዲ ማእከል ክቐውም እዩ

በቲ ዝተገልጸ መርበብ ሓቤረታ ክምዝገቡ ንዘይከኣሉ ድማ ወለንተይናታት ኣባላትን ካቶልካውያን ማሕበራትን ኣገልግሎትን ብዛዕባ ኢዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት ሓበሬታ ዝህብሉ ፍሉይ መእንገዲ መንፈሳውያን ነገዶ ማእከል ኣብ ጎዳና ኮንቺሊያዚዮነ ቍጽሪ 7 ክቐውም ምዃኑ ዝሓብረ ናይ ኣሰናዳኢ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣስዕቡ፣ ናይ ካልእቶ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ባዚሊካ ማለት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖን ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለ ሙራን ቅዱሳት በርታት ካብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ዓባይ ድማ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ ክኽፈት ምዃኑን በዞም ባዚሊካ ቅዱሳት በርታት ንምሕላፍ ምዝገባ ከምዘየድሊ ድማ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና፦ ምሕረት ከም ናይ ሕይወት ኣገባብ ምቕባል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይቲ ፍሉይ ኢዮቤላዊ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከምዝገለጽዎ ናይዚ ፍሉዩ ኤዮቤላዊ ዓመተ ምሕረት መርሕ ቃል ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6 ፍቕዲ 36 ዝተወስደ “ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ (ርሕሩሕ) ዝዀነ መሓርቲ (ርሕሩሓት) ኵኑ” ዝብል ምዃኑን እዚ ድማ ምሕረት ከም ናይ ሕይወት ኣገባብ ንምቕባል ምሕረት ኣምላኽ ምስትንታን ከምዘድልን ምሕረት ኣምላኽ ንምስትንታን ድማ ቃል እግዚኣብሔር ጽን ምባልን ከምዘድሊ ንምምልካት ምዃኑ ከምዝገለጽዎ ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ኣሰናዳኢ ኣስዒቡ ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ክኽፈት ምዃኑን ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.