2015-08-22 16:46:00

ኡጋንዳ፦ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ንምክልኻል


ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤታዊ ሕይወት ንምትብባዕ ኣሚቱ ዛዕባ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራን ዘተ ዝካይደሎም ኣብተን ሓምሽተ ሰበኻታት ኮቲዶን ሞሮቶን ሶሮቲን ቶሮሮን ጁንጃን ዝካየዱ ዓውደ ጉባኤታትን ኣስተምህሮ ዝቐረብሎ ተኸታታሊ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘዳለዎ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ኣብቶም ዝካየዱ ዓውደ መጽናዕትታት ድማ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾን ጸዋዕታን ዘማእከለ ሕንጸት ንምእመናን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ክቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ካብቲ እዋናዊ ባህሊ ዘቕርቦ ኣሉታዊ ተጽእኖ ምክልኻል

ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ሓላፊ ኣባ ስተፋን ካንዲያ ይብሉ፣ እቶም ዝካይዱ ዓውደ ጉባኤታትን መጽናዕታትን ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ክቐርቡን ነታ ናብኦም እትነቕል ቤተ ክርስቲያን ከለለዩን ዝድግፍን ኣብዚ እዋን’ዚ ብድሆታት ስድራ ቤትን ተኽሊልን እዚዮም ብዙሓት እያቶም፣ ቀጥዒ ዘይብሉ ንመርዓ ዝፈስስ ወጻኢ ስድራ ቤት ምእንቲ ገፊሕ ንናይ ደቃቶም መርዓ ዝዕደይዎ ናይ ገንዘብ ሃብትን ካብ ዓቕምኻን ንላዕሊ ምዃን ዓይነት ኣካይዳ ዝኣመሰሉ ዘይጥልቂ ትርጉም ቃል ኪዳንን ከምኡ እውን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝተኣታተዉ ኣሉታዊ ልምድታትን ትርጉም ስድራ ቤትን ዝብሉ ብድሆታት ከም ኣብነት ጠቒሶም ምእመናን ትርጉም ስድራ ቤትን ምስጢረ ተኽሊልን ብጥልቀት ክርድኡ ዝድግፉ መደባት እያቶም ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.