2015-08-20 16:20:00

ክራኮቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰይ 2016


ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝዳለዎ ዓለም ሃቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ኣብ ክራኵቪያ ምኽንያት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተበገሰ መርበባዊ መደብ ምዝገባ ተሳተፍቲ መንእሰያት መሰረት ድሮ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሽሕ መንእሰያት ከምእተመዝገቡ ኣብ ክራኮቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናኢት ኮሚቴ ኣዋሃሃዲ ኣባ ኣንድረው ዎልፒዩክ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሚእቲ ሺሕ ዜጋታት ፖላንድን፣ 23 ሺሕ ካብ ኢጣሊያ፣ ሽዱሽተ ሽሕ ካብ ስፐይን፣ ነፍሲ ወከፍ ካብ ጀርመንን ኦስትሪያን ብራዚልን ኣርጀንቲናን ካናዳን ሽዱሽተ ሺሕ ከምእተመዝገቡን። ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋጽኡ መንእሰያት እውን ይምዝገቡ ከምዘለዉ ኣባ ዎልፒዩክ ዝሓበዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ኣስዒቡ፣ ናይ ተሳተፍቲ መንእስያት ምዝግባ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ካብ ኣፍሪቃ ንኣብነት ካብ ጋቦንን ናይጀሪያን ጫድን ብዙሓት መንእሰያት ካብ ኢንዶኖዢያን ማለዢያን ከምኡ እውን ዮርዳኖስን ካብ ሆንዱራስን ሃይቲ ጓተማላን ዝተዋጽኡ ብዝሒ ተሳተፍቲ መንእስያት ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.