2015-08-18 15:56:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ


እቲ ኣብ ናይጀሪያ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ኣዋናዊ  ሕብረተሰብ ጸረ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ባህሊ ዘቝሞ ተግባርን ልምድን መላእ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ እምነቶምን ብጸሎትን ጸኒዖም ክቃወምዎ ናይ ፖርት ሃርኵርት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ካሚዪሉስ ኤቶኩዶህ ንሾሞንተ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሰበኻኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ማዕርገ ክህነት እንክሰርዑ ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ጻውዒት ክምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሓዳር ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ምፍቓድ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር እዩ

እንነበረሉ ዘሎና ዓለም በቢ ዕለቱ ዝቀያየር ብምዃኑ፣ እቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ዓቢይ ሓደጋ ዝዀነ ኣብ ሕይወትን ናብራን ብምስምስ ምዕባለ ስነ ምርምርን ማሕበራዊ ምዕባለን ዝተኣታተው ምቅይያር ልምድን ባህልን ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መንፈሳውነትን ግብረ ገብን  ብድሆ ምዃኑ ገሊጾም እዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኾነ ልምድን ባህልን ከም ኣብነት ኣብ ኣየርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝፍቀድ ዘሎ ሓዳር ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎ ሰባት ውሳኔ ጠቒሶም፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ማሕበራዊ ክብርን ምዕባለ ሰብኣዊ ክብርን ዘመዛብል እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዋናዊ ባህላውን ማሕበራውን ብድሆታት ምግጣምን ምቅዋምን

ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊል እግዚኣብሔር ዘጽንዖ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ሓቂ ውህበትን ውበትን እዩ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምኑን ዝእመኑን እሙናትን ዘይበርስ ነባሪ ክቡር ዋጋ እዩ፣ ብዓይኒ ባህልን መንፍሳውነትን መርዓ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ዓይነት መርዓ በራሲ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ፖርት ሃርኩርት ጳጳስ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ምኽባርን ምክንኻንን ሰብኣዊ ክብርን ሓቀይና ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ብዘይ ፍልልያት ዓሌትን ሃይማኖትን ቋንቋን ነባሪ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ቆይሞም ነቲ ማሕበራውን ግብረ ገብን ሕማቕ ኣመል ክቃወሙን ኣብ እምነትን ኣብ ሱታፌ ቅዱሳት ምስጢራት ክጸንዑን ብፍላይ ድማ ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ከዘውትሩን ሓደራ ከምዘሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.