2015-08-18 16:01:00

ብፁዕ ኣቡነ ፐረጎ፦ ንሓልዮት ምዕባለ ኣፍሪቃ


ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ዜጋታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ኣዚዩ ዘተሓሳብ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ገሊጾም እዚ ሓደገይና ማሕበራዊ ክስተት ወሳኒ መፍታሒ መታን ክረክብ እቲ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዓቢይ ስልጣን ዘለዎ መላእ ሃገራት ዓለም ዝሓቁፍ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እንታይ ይገብር ኣሎ ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኰ ገሊጾም።

ባሕሪ መዲትራኒያን እቲ ኣብ ዓለም ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሕይወት ዝውሕጥ ባሕሪ ተባሂሉ ዝግልጽ ኰይኑ ከምዘሎ እንክንገር ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ሸሞንተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሺሕን 3 ሚእትን ዜጋታት ከምዝጠሓሉን፣ ሕጂ እውን እቲ ንስደት ዝዳርግ ሕቶ መፍትሒ እንተይዘይተረኽብሉ ናይ ዝሞቱ ዜጋታት ቁጽሪ ክብ እናበለ ዝኸይድ ምዃኑ ይንገር።

ምእንጋድን መናድቕ ምሕናጽን

ኣብ ግሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደሴት ኮስ ዝኣተዉ ስደተይናታት ኣብ ዓበይቲ መራኽብ ይእንገዱ ከምዘለዉን ኤውሮጳ ነቶም ስደተይናታት ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕሪ እንከለዉ ናይ ሞት ሓደጋ ከይጋጥሞም እናተባህለ እተቕርቦ ናይ ሕይወት መድሕን ድጋፍን ምእንጋድን ንበይኑ መፍትሒ ከምዘይኰነ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ገለ ገለ ሃገራት ስደተይና ንምንጻግ መናድቕ ዶባተን ኣብ ምሕናጽ ይጓየያ ከምዘለዋ ዝረአይ ኰይኑ፣ ምእንጋድን ምንጻግን መናድቕ ምሕናጽ ስደትን ምምዝባልን የጥፍእ ማለት ኣይኰነን። ንስደት ዝዳርግ ሕቶ ግቡእ መልሲ ምሃብ ከምዘድሊ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይና ጉዳይ ዝሓሊ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ፐረጎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ካብ ውግእን ድኽነትን ገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ቢልካ ምስዳድ ሎሚ ዝተፈጥረ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት ዘይኰነስ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ተግባር እዩ። ስለዚ ነቲ ሎሚ ዝስደድ ብምጻግ ዘይኰነ እቲ ንስደት ዝዳርግ ማሕበራውን ሰብኣዊ ጸገም ብምውጋድን ፍትሕን ዕርቅን ሰላምን ብምርግጋጽ ዝፍታሕ እዩ። ኤውሮጳ ነዚ ወሳኒ መፍትሒ ኣብ ምርግጋጽ ክትሓብር የድሊ። ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኰነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጐስጓስ ክግበረሉ ዝግባእ ውሳኔ እውን እዩ ቢሎም ንናይ ኣፍሪቃ ምዕባለን ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዘተኰረ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቐውም መደብ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ እንተይዘይኰይኑ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝበልዎ ቁጠዔ ሕዝቢ ውዒሉ ሓዲሩ ልዕሊ ዝዀነ ይዅን መንግስትን ሃገርን ተቓውሞ ናዕብን ኰይኑ እዩ ዝባራዕ። ምእንቲ’ዚ ስእነት ፍትሕን ሰላምን ድኽነት ዘንቅሎ ዘሎ ቁጠዔ ሕዝቢ መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.