2015-08-13 12:35:00

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 10 2007 ዓ.ም. (08/17/2015)


መዝሙር፡ ዛቲ ይኢቲ. .ማርያም ማኅደረ መለኮት . . ንባባት፡ ኤፈ 4:30-5:2፥፥ 2ዮሓ 1፡1-7፥ ግ.ሓ.27፡39-ፍ፥ ዮሓ 6:41-51።

ምስባክ፡ አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊመን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም” መዝ. 45፡9።

ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ብማርያም መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ ንምህለል። ምስጢር ምህልላና ኵልና ደቃ ብሓደ አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።

መዝሙር፡ እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘይአውዓያ ይብል። ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልዑል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ክንብላ ይግብአና።

ብማርያም አቢልና አብ ኢየሱስ ክንቀርብ ድላይ አምላኽ እዩ፥ ንሳ አደ ክትኮነና ተዋሂባትና መገዲ ሰማይን ድላይ አምላኽ ክትመርሓና ባዕሉ ወዳ ሂቡና። አምላኽ አብኡ ክንቀርብ ናቱ ክንከውን ኵሉ ጊዜ ምስ ደለየና እዩ፥ ብሂጉ ዝፈጠረና አምላኽ ሎሚ እውን በዚ ቅዱስ እዋን ብፍሉይ አብኡ ዘቕርበና ምስኡ ዘወሃህደና መገዲ ክነናዲ ድላዩ እዩ።

ሓደ ካብቲ ባዕሉ ከሉ ጊዜ ምሳና ክነብር ዝሃበና ህያብ ቅዱስ ቍርባን እዩ። ቅዱስ ቍርባን ዝዓበየ ምልክት ፍቕርን ኩሉ ጊዜ ምሳና ከምዘሎ ዝነግረና እዩ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ከይንደክም ኢሉ ምስ ምሉእ ሓይልን አፍልጦን ክንምርሽ ኢሉ ከምቲ ንኤልያስ ነብይ አብ ፩ዘነ 19፡4-8 ዘሎ እነንብቦ፥ ኤልያስ አብ አጻምእ በረኻ ክከይድ እንከሎ ደኺሙ ጸሚኡ ጠምዩ ንሞት እናተመነያ እንከሎ አምላኽ መልአኹ ሰዲዱ ጉዕዝኡ ክቕጽል መግብን ማይን ሂብዎ፥ ተንስእ ነውሕ ጉዕዞ እትኸዶ አሎካ እናበለ ጉዕዝኡ ከም ዝቕጽል ዝገበረ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ከኡ ይብለና አሎ።

አብዚ ብዙሕ ንሕይወትና ዝጠቅም ክንርኢ ንኽእል። ብዙሓት አብ ሕይወትና ከም ኤልያስ ኢና። ንደክግም ንጠሚ ከምኡ መገዲ ክንቅይር ንደሊ እዚ ኹሉ ግን ካብ መገዲ አምላኽ ዘውጽእ እዩ። ንድላይ አምላኽ ክንስዕብን ጽን ክንብል ንአምላኽ ክንዝክር አሎን። ኤልያስ ነብይ ብዙሕ ጊዜ ምስ አምላኽ ዝራኸብ ዝነበረ ንንጉሥ አሃብ ብድፍረት ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጌጋ ብስም አምላኽ ዝተዛረበ ከምኡ አብ ገዛ መበለት ንተአምራት አምላኽ ዝመስከረ ከምኡ ካብ ሰማይ ሓውን ማይን ከምዝወርድ ዝገበረ ሰብ እንከሎ አብዚ ጉዕዞ በረኻ ደኺሙ ሰልክይዎ ሞት ተመንዩ። አብ ከቢድ ተስፋ ቍርጸት ኵሉ ነገራት ትርጉም ምስ ሰአነሉ አምላኽ ሽዑ ክምግቦን ንጉዕዞ መገዱ ክቕጽልን ሓጊዝዎ። እሞ ካብ ኤልያስ እንታይ ንምሃር? ቅልል ብዝበለ ኩሉ ትጽቢታትና አብ አምላኽ ክንገብር አሎና። አምላኽ አብ ዝደለዮ እዋን ክመጽአና ክሰምዓና እዩ ክሳብ ሽዑ ብትዕግስቲ ክንጽበ አሎና። ሓልዮትን ሓለዋን አምላኽ ኵሉ ጊዜ ምሳና ከምዘሎ ክንዝንግዕ የብልናን። ካልእ ቀንዲ ነገር እሞ ዓቢ ምትብባዕ ክኾነና ዝኽእል እሞ እንምሃሮ ስሕታን ወይ ጌጋ ምግባር ተሳዒርና ማለት አይኮነን ወይ አኹሉ ሕይወትናን ጉዕዞናን ተወዲኡ ማለት አይ ኮነን።

ሕይወት ማርያም ብፍሉይ አብ ክልተ ነገር አብነትና እዩ።

፩ያ ጉዕዞ ግብጺ፡ ሕፃን ወዳ ሒዛ ንግብጺ እሞ ነቲ አጻምእ በረኻ ሲና ክትጉዓዝ እንከላ ዝተሰምዓ ድኻምን ጽምእን ጥመትን ዘሕለፈቶ። አብ ምህልላ ፍለሰታ ነዚ ብዝርኢ “ከርስኪ ጠግዐ በኃጢአ ስቴ ወመብልዕ። ቄቍዓ አእጋርኪ ልምሉማት በሓዊረ ፍኖት ጽኑዕ፥ አብራክኪ ደክማ በፍኖት እምብዝኃ ረኃብ ወጽምእ. . . . “ እናበልና ነቲ ዝሓለፈቶ ንዝክር።
፪ይ ሞት አብ መስቀል፡ አብ ቀራንዮ ወዳ ክመውት ክትርእዮ እንከላ ነቲ ኹሉ ዝወረዶ ግፍዒ ክትጸውር ምኽአላ ንኣና ዓቢ አብነት እዩ። አብ ሕይወትና ዝጓነፈና መጠኑ ብዘየገድስ ምስ አምላኽ ክንሓልፎ ከሎና ዘይክአል የለን።

አብ መልእኽቲ ጳውሎስ ንሎሚ ዝተነበ ከዘኻክር እንከሎ ከም ደቂ አምላኽ መጠን ነፍስ ወከፍና መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና ኢና። እቲ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ አብ ጉዕዞ ሕይወትና መራሒና ጸግዕናን ዘሰንየን እዩ። ንሕና እምብአር አሚና ምስኡ ክንጉዓዝ አሎና። ንአምላኽ እነሕዝን እንተ ኾና ጉዕዞ ሕይወትና ከቢድ ይገብሮ። አሚና ምስኡ እንተ ተጎዓዝና አብቲ ከርፋሕን መሪርን ዝኾነ ጉዕዞ ሕይወትና ከመርሓና እዩ። መንፈስ ቅዱስ አብ ክርስቶስ አብቲ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ሕያው መግቢ ዝኾነና ናብቲ ዝምግበናን ሓይሊ ዝህበናን ክመርሓና እዩ። ጳውሎስ ነዚ ከመይ ገርና ክንረኽቦ ከም እንኽእል ክነግረና እንከሎ “ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ አምላኽ መንፈስ ቅዱስ አይተጕህይዎ፥ ብዘሎ ምረትን ነድርን ቍጥዓን ታዕታእን ጸርፍን ምስ ኵሉ ክፍአት ካባኽትኩም ይርሓቕ፥ ግናኸ ከምቲ አምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኳንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” (ኤፈ 4፡30-31) ይብል።

ኢየሱስ አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ብፍላይ ብፈሪሳውያን ኵሉ ጊዜ ዓቢ ተጻብኦ ይጓነፎ ነሩ። ፈሪሳውያን ይአምንዎ አይነበሩን፥ እንተ ተኻእሎም ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዋጋ ክኸልኡ ግጉይ ትምህርትን ዘረባን ይዝርግሑ ነሮም። ኢየሱስ ግን ብግብሮም አይሰንበደን ካብ ምምሃርን ምንጋርን ዓዲ አይወዓለን። አብቲ ክበሎ ዝደለ አተኲሩ የስተምህር ይነግርን ነሩ። ንሱ ከምቲ ንኢልያስ እቲ ዝተመገቦ መግቢ ሕይወት ኮይኑ ከምብሓዲስ ከም ዝጉዓዝ ዝገበሮ ከምኡ ኢየሱስ ሓዲስ መግቢ ከምዝኾነ አረጋጊጹ።

ዕለት ዕለት አብ ጉዕዞ ሕይወትና ብቅዱስ ቍርባን አቢሉ ክምግበና ሓይሊ ክህበና አብኡ የቕርበና። ንሱ ብመንፈስ ቅዱሱ በቲ ዝመርሓናን አብ ቅኑዕ መገዲ ከም እንጉዓዝ ዝገብረናን ይመልአና። ንሱ መግቢ ሕይወት ነቲ መንፈሳዊ ጥመትና ዘጽግብ እዩ። ክርስቶስ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ከምቲ አብ ምድረ በዳ ንኤልያስ ዝተባህለ፥ ተንሥእ፥ ብላዕ፥ ስተን ጉዕዞኻ ብምሉእ ተስፋን ሓዲስ መንፈስን ተጎዓዝ ይብለና።

ጉዕዞ ሕይወት ዝተሓባለኽን ከቢድን ከም ዝኾነ ነፍሲ ወከፍና አብ ተመክሮ ሕይወትና ወይ አብ ሕይወት እንፈልጦም ንርእዮ አሎና። ብዙሓት ንክርስቶስን ንጸግኡን አብዮም ገለ አብ ናይ ገዛ ርእሶም ዓቕምን ክእለትን ተመስሪቶም አየድልየናን ዝብሉ ገለ ኸአ ሰይጣን ተዓዊትሎም ንመገዲ ጸጋም ደፊሮም ከመርጹ ምርአይ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተ ተባህለ ጌጋ አይመስለንን። አምላኽ ዘይ መርሖ ሕይወት ሒዝካ ምጉዓዝ ሳዕበኑ ጥልመት ጥፍአት ህውከት ምፍልላይ ከምኡ ከይተነሳሕካ ምማት እዩ። ነዚ ርኢና አብቲ ምንጪ ሕይወትና ዝኾነ ክርስቶስ ክንምለስ ዓይንና ክንርኢ እዝንና ሰናይ ክሰምዕ ሎሚ ምሰዲኡ ኮና ንለምኖ።

ማርያም ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና። ጉዕዞ መገዲ ሕይወትና ጠፊኡና ዓነውነው ክንብል እንከሎና መምርሒና ገርና ነቲ ንሱ ብቤተ ክርስትያኑ ዝብለና ምስማዕ እዩ ዘድልየና። ሎሚ እንታይ ይብል አሎ? አብ እንታይ ኢና ደኺምና ዘሎና ኢልና ጉዕዞና ክንርኢ የድሊ። እቲ ወሪዱና ዘሎ ብዙሕ እኳ እንተ ኾነ እቲ ቀንዲ፡

ንአምላኽ ብርእስና ተኪእናዮ አሎና። አነ ዝብል መንፈስ ነጊሱ ኩሉ ከም እንፈልጥ ሓንቲ ከምዘየድልየና ኮና ንጕዓዝ አሎና። ፍጡራት ድኹማት ተጓገይቲ ምዃና ዘንጊዕና አብ ጸልማት ንጉዓዝ አሎና ስለዚ አምላኽ ልዕሊ ኩሉ ገርና ክንርኢ ይግብአና።
ፍቕርን ሰላምን ጠፊአናን አለዋ። ንአምላኽ ዝሓደገ እተን ቀዳሞት ዘጥፍአን ፍቕርን ሰላም እየን። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ጽቡቕ ክገብር አይክእልን እዩ። ጽቡቕ ክንረክብ ሰላም ክወርድ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ንአምላኽ ሎሚ ንርከቦ።
አብ መአዲ ክርስቶስ ንሳተፍ። ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ ሕይወት አለዎ ኢሉና ክርስቶስ። ሕይወት ክንረክብ ጉዕዞ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ ተሳተፍቲ መአዲ አምላኽ ክንከውን አሎና። ምስ ክፍአትና ከሎና ልብና ተረሓሒቝ እንከሎ አብ መአዲ አምላኽ አይንቕረብ፥ መጀመርያ ምሉእ ንስሓ ንግበር።

አብ መወዳእታ ከም ኤልያስ ጓሂና ሎሚ አብ ሓጎስ ክቕየረልና እዩ። አብ ሕይወትና ዝስምዓና ጽምዋ ተስፋ ቁርጸት አብ ሓጎስን አብ ምሉእ ተስፋን ክቕየረልና እዩ ምኽንያቱ “ምሸት እኳ ብኽያት እንተ ኾነ ንግሆ ግና እልልታ ይኸውን” (መዝ. 30፡5)። ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ንዝጓነፈና ጸበባን ፈተናን ክንሓልፎ ጸጋ አምላኽ የድልየና ስለዚ ክንልምን አሎና። ባዕሉ ክርስቶስ ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም ለምኑ ክውሃበኩም ኢሉና” አሎ፥ ክንልምን እንከሎና ንርእስና አብ ኢድ አምላኽ ስለ እነንብር ኵሉ ይህበና። ሰብ ሎሚ ንአምላኽ ምልማን ጠፊእዎ ንርኢ አሎና።

አብ አምላኽ ክንቀርብ ንጽዋዕ አሎና። ካባና ዘድሊ “እግኢአብሔር ሠናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርአዩን” (መዝ. 34፡8) ዝብል አብ ልብና ገርና ምጉዓዝ እዩ።

ጉዕዞ ሕይወትና ምስታ አብ ዕጸ መስቀል እንከሎ ዝሃበና አደና ክንገብሮ እንከሎና ዕዉትን ምሉእ ተስፋ ዝለበሰን ክኸውን እዩ። ኦ ማርያም አደና መገዲ ወድኺ ምርሕና ኢልና ንለምና።

ቅድስና ዝመልኦ ምህልላ ዘመነ ፍልሰታ፥ ሰምን ፍቕርን ንስሓን ዘውርድ ይግበረልና!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.