2015-08-09 18:12:00

፩ ሰንበት ዘፍልሰታ ፫ ነሓሰ 2007 ዓ.ም. (8/10/2015 ዓ.ም)


ተጋብኡ በቅጽበት ለግንዘተ እሙ ቅድስት ብፁዓን ሓዋርያት ቦኡ ኃቤሃ በሰላም አምኁ ኪያሃ በስብሓት ገነዙ ሥጋሃ (ዚቅ ዘፍልሰታ)።

መዝሙር፡  ዮም ንወድሳ ለማርያም. . . . . .። ንባባት፡ ኤፈ 4፡17-24፥ 1ጴጥ 1፡6-12፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ዮሓ 6፡24-35 

ምስባክ፡እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ”  “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ.   87፡5።

መዝሙር፡ በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽልላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ። 

ካብ 1-16 ነሓሰ ዘሎ ጊዜ ብፍሉይ ንዝኽሪ ፍልሰታ ለማርያም ብጸሎትን ምህልላን ጾምን ነሕልፎ እዋን እዩ። ጾመ ፍልሰታ ወይ ጾመ አርድእት እውን ይብሃል እዩ። ምእንቲ ክብሪ ማርያም ብጾምን ብምህልላን ናብ ብዓል ፍልሰታ ንምስንዳው እንገብሮ ክልተ ሳብዕቲ እዩ። ድንግል ማርያም ከም ወዳ ብሥግአ እውን ካብ ሙታን ከም ዝተንስኤት እሞ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ዘኪርና ነብዕሎ።

ተራ ማርያም አብ ድሕነት ፍጡር ወዲ አዳም ክሳብ ክንደይ ዓቢ ቦታ ከምዘለዎ ክንገልጽ ኢልና በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ብዓላት ማርያም ነኽብር። ፍልሰታ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ፍሉይ ዝገብሮ አምላኽ አደ ወዱ ክትከውን ዝሓረያ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ብኽብሪ ብሥግአን ብነፍሳን አብ ክብሪ ዝፋኑ ከም ዘእተዋ ዝሕብር እዩ።

ብናይ ማርያም እሽታ ክርስቶስ ከማና ኮይኑ አድኂኑና። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ከም እንርእዮ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ህያባት ክርስቶስ ዝሃበና ሥጋኡን ደሙን እዩ። ሰብአዊ ባህሪ ኩሉ ካብ ማርያም ወሲድዎ ክርስቶስ ምድራዊ አቦ የብሉን ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ማርያም ተወሊዱ ስለዚ ንክርስቶስ ሓደ ካብቲ ካባና ፍሉይ ዝገብሮ ከማና ብሰብአዊ ዘርኢ አይተጸንሰን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ከርሲ ማርያም ሓዲሩ ተጸኒሱ ተወሊዱ ማርያም እምብአር ኵሉ ናታ ዝኾነ ሂባቶ። ኩልና ንወለድና ንመስል ሰባት ብመልክዕና የለልዩና ወዲ እጌለ/እገሊት እናበሉ የለልዩና ኢየሱስ መልክዑ ንማርያም እዩ ዝመስል በዚ ይኸውን ደቂ ናዝሬት እዚስ እንፈልጦ ዘይኮነን አዲኡ ማርያም እንድያ እናበሉ ዘለልይዎ ዝነበሩ። ንኢየሱስ ዝርአ ንማርያም ይርኢ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ “ናይ ሕይወት እንጌራ አነ እየ እቲ ናባይ ዝመጽእ አይኪጠምን፥ እቲ ብአይ ዝአምን ድማ ኮቶ አይኪጸምእን እዩ” (ዮሓ 6፡35) ዝብል ነንብብ። ሰብ ሕይወት ክህልዎ ካብቲ ኢየሱስ ዝህቦ መግቢ ክምገብ አለዎ። “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አባይ ይነብር አነ ኸአ አብኡ እነብር” ይብለና። እዚ ነቲ አብ መአዲ ቅዱስ ቁርባን እንሳቶፎ እዩ ዝነገር። አብ መአዲ ቅዳሴ ብምሉእ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ንካፈል ምስኡ ምሉእ ሓድነት ረኺብና ብኹሉ ንዓግብ ምኽንያቱ አምላኽ ብርእሱ ምሳና ስለ ዘሎ። አብ አምላኽ ሓድነት ክህልወና እንከሎ ጥራሕ እዩ ሕይወትና ዕግበትን ቅሳነትን ተስፋን ዝረክብ። አምላኽ ምስኡ ዘሎ ሕይወት ዝጸገመ እንተ ጸገመ ተስፋይ አይቆርጽን እዩ ኲኖ ጸበባን ውርደትን ዘሎ ብርሃን ሰላም ርእዩ ስለ ዝኽእል ነቲ ጊዝያዊ ጸበባ ይጾሮ ይቅበሎ።

ሕይወት ማርያም ብምልኡ ናይ እዚ አብነት እዩ። ንሳ ኵሉ ዝኸውን ብአምላኽ ዝተባህላ ምስ ሰምዐት አሚና ተቐቢላቶ። እምነት መበገሲ ናይ ኩሉ ጉዕዞ ርክብና ምስ አምላኽ እያ፥ እምነት ዘይብሉ ርክብ አብ ባዶ እዩ ዝነብር። ማርያም ከስ ሕይወታ ምሉእ ምስ ምሉእ እምነት እያ ተጓዒዛ። መከራ አብ ምጽናስ ወዳ እዩ ጀሚርዋ፥ ዮሴፍ ክፈትሓ ወሲኑ ግን ነገሩ ብመልአኽ ምስ ተነግሮ አሚኑ ተቐቢልዎ፥ ነፍሰ ጾር ኮይና እትሓርሰሉ ቦታ አይረኸበትን ወዮ ወዲ አምላኽ ኵሉ ዝኽእል ዝውለደሉ ቦታ ስኢኑ፥ ወዳ ምስ ወለደት ገዛእ ሃገር ክቐትሎ ስለ ዝደለ ንስደት ንዓዲ ጓና እሞ ዕሸል ወዳ ሒዛ ሃዲማ፥ አብ ስብከቱ ዝጀመረሉ ኵሎም ከዋርድዎ ገለ ጋኔን ሒዝዎ ክብልዎ ገለ ኸአ ኃጢአተኛ ክብልዎ ትሰምዕን ትርእን ነራ፥ አብ መወዳእታ አብ መስቀል ጨካን ሞት ከመውት እንከሎ አብ ጎኑ ደው ኢላ ናይ ወላዲት ንብዓት እናበኸት አሰንያቶ ነዚ ኹሉ ብእምነት ስለ ዝተጓዕዘት ክትሓልፎ ክኢላ።

ማርያም ኢየሱስ ወዳ መድኃኔ ዓለም ምዃኑ ስለ ዝአመነት ንዝወረደ ፈተና መከራ ስደት ሞት ተቐቢላቶ። ኩሉ ብመንጽር ወዳ ርእያ ስለ ዝኸአለት ክትቅበሎ አይ ከበዳን። ንሳ ምስ ወዳ ሓድነት መንፈስን ድለትን ነርዋ። ሕይወታ ብምልኡ ናቱ ስለ ዝገበረቶ ምስኡ ፍሉይ ርክብ አለዋ። ናይ ማርያም ርክብ ምስ ኢየሱስ ብፍላይ ከአ አብ ቅዱስ ቍርባን ክንርእዮ ከሎና አብ ክልተ መሰረታውያን ነገራት ዝተመስረተ እዩ።

፩ያ ቀጻልነት ምስጢረ ሥጋዌ፥ ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝብሎ “አብ መንጎ ቃልን ሥጋን ክፈላለ ዘይክአል ርክብ ተፈጢሩ” (ዮሓ 1፡14)፥ እዚ ሥጋ እዚ ኸአ ንዓለም ሕይወት ዝህብ እዩ (ዮሓ 6፡51)። አብ ምስጢረ ሥጋዌ መሰረት ገርና ድንግል ማርያም ካብአ ቃል ሥጋ ዝለበሰ ብግድነት ምስ ቅዱስ ቍርባን ዘራኽብ አልአ። ቅ. አጎስጢኖስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ካብ ሥጋ ማርያም ሥጋ ለቢሱ፥ በዚ ሥጋ አቢሉ አብዚ ምድራዊ ሕይወት ይነቀሳቐስ ነሩ፥ ደቂ ድኅነት ምዃና ክነረጋግጽ ካብ ሥጋኡን ደሙን ክንበልዕን ክንሰትን ነጊሩና፥ እንተ ኾነ ካብዚ ሥጋ ዝበልዕ ግድነት አቐዲሙ ከመስግንን ክውድስን አለዎ፥ንኡ እና አመስገና ክንኃጥእ አይንኽእልን ኢና፥ እንተ ዘየመስገና ወይ አኽበርና ግን ንኃጥእ።
፪ይ መሰረታዊ ነገር ቅዱስ ቁርባን ስዋጢ ቅዳሴ) ዝኽሪ ሞት ክርስቶስን ነቲ አብ ቀራንዮ ዝኾነን እዩ፥ ዮሓንስ ከም ዝብሎ ማርያም አብ ትሕቲ መስቀል ኢየሱስ ነራ። አብዚ እንርእዮ ማርያም አብ መስዋዕቲ ክርስቶስ ንሰማያዊ አብኡ ብምስታፋ ንሳ እውን አብ ሰማያዊ አቦ ንርእሳ ከም መስዋዕቲ ተቕርብ ነራ። ድንግል ማርያም ከስ ብግድን አብቲ ምስጢር ቅዱስ ቍርባን ከም ምስጢር መራኽቢ ነራ እያ። ስለዚ ማርያም አብ ምስጢረ ሥጋዌ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ብምስታፋን ከምኡ አብ ቀራንዮ ዝዓረገ መስዋዕቱ ብምስታፋን ብፍሉይ መገዲ አብ ቅዱስ ቍረኣብን ፍሉይ ርክብ አልአ።

ብዙሓት ቅዱሳን አበው ቤተ ክርስትያን ንምስጢረ ሥጋዌ ምስ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ዘለዎ ምትእስሳር አብ ትምህርቶም የዘውትርዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ክርስቶሎጎስ ዝተባህለ ከምዚ ይብል “እንገራ አብ ከርሲ ድንግል ዝተዘርአ፥አብ ሥጋ በዂዑ፥ አብ ሕማማቱ ተሓስዩ፥ አብ መቓብር ተጋጊሩ አብ ቤተ ክርስትያን መጺኡ አብ መንበረ ታቦት ተቐሚጡ ዕለት ዕለት ንምእመናን ሰማያዊ መግቢ ኮይኑ”። አብ መጽሓፍ ቅዳሴና አብ አኾቴተ ቍርባን ጎስዓ ልብየ ‘ኦድንግል መፍረይት ለእንተ ይትበላዕ ወመንቅዕት ለእንተ ይሰተይ። ኦኅብስት እንተ እምኔኪ ለእለ ይበልዑ በአሚን ሕይወት ውእቱ ወመድኃኒት ውእቱ. . . . . ኦ ጽዋዕ እንተ ምኔኪ ለእለ ይሰትዩ በአሚን ዘያጎሥዕ ጥበበ ወይሁብ ሕይወተ” እናበለ ናይ ማርያምን ቅዱስ ቍርባንን ምቅርራብ ይገልጽ።

ቤተ ክርስትያንን ቅዱስ ቍርባንን ክልተ ክፈላለዩ ዘይክእሉ እዮም፥ ልክዕ ከምኡ ኸአ ማርያምን ቅዱስ ቍርባንን። በዚ ምኽንያት እዩ አብ ጊዜ ቅዳሴ አብ ምስርቕ ይኹን አብ ምዕራብ ማርያም እትዝከር። ወላ እኳ አብ ወንጌላውያን ብዛዕባ ማርያም አብ ጸሎተ ሓሙስ ምንባርን ዘይምንባራን አይጥቀሱ እምበር አብ ድሕሪ ዕርገት ዘሎ እዋናት ምስቶም ሓዋርያት ኮይና አብ ምቑራስ እንገራ ትሳተፍ ከምዝነበረት ከምኡ አብ ጸሎታ ምስኦም ትጽሊ ከምዝነበረት አብ (ግ.ሓ. 1፡14፥ 2፡42) ንርኢ። ማርያምከስ አብ ምሉእ ሕይወታ ፍሉይ ርክብ ምስ ቅዱስ ቍርባን ዘልአ እያ። ወላ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምስርዑ ንሳ ነቲ አብ ቅዱስ ቁርባን ዘሎ እምነት ትነብሮ ነራ ምኽንያቱ ንጽሕ ማህጸና ንሥጋዌ ቃል አምላኽ አወፊያ እያ። አብ መስዋቲ ቅዳሴ ንሕማማትን ትንሣኤን ክንዝክር ከሎና መቐጸልታ ናይ ትስብእቱ እዩ።

ገብርኤል መልአኽ ከበስራ እንከሎ ማርያም ንወዲ አምላኽ ጸኒሳ ብአካል ሥግኡን ደሙን ጸኒሳ እዚ አቐዲሙ ነቲ ነፍስወከፍ አማናይ ሥጋኡን ደሙን ዝቕበሎ እዩ ዝሕብር። ከምቲ ማርያም ንወዲ አምላኽ ክትጸንስ ሕራይ ዝበለት ሥጋን ደምን ዝቕበል ከአ አሜን እናበለ ይቕበል። ማርያም ቃል አብ ከርሣ ምስ ኃደረ ታቦቱ ኮይና ንሕና ንቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ከሎና ታቦቱ ንኸውን።

ሓደ ካልእ አብ ወንጌል ዮሓንስ (2፡5) አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ ተአምራት ማርያም ነቶም ጠዓጣቖ ዝበለኩም ግበሩ ትብሎም እዚ ምስቲ አብ ጸሎተ ሓሙስ ነርድእቱ “እዚ ንዝኽረይ ግበርዎ ዝብል” ይመሳሰል። 

አብ ጎቦ ቀራንዮ ክስዋእ እንከሎ አብ ጎኑ ደው ኢላ ዝነበረት አብ ኵሉ ንዝክሩ ዝግበር መስዋዕቲ ምስኡ ደው ኢላ ንመስዋዕቲ ቤተ ክርስትያን ተዕርግ። አብ መስዋጢ እንከሎ እዩ እዚአ አደኹም ኢሉ ዝሃበና ስለዚ አብ መስዋቲ ቅዳሴ ክንእከብ እንከሎና ማርያም ምሳና አላ።

አብዚ እዋን አብ ምህልላን ጸሎትን ጾምን እንከሎና እምብአር ንማርያም አደና ብኹሉ ደቃ ክንከውን “ንሱ ዝበለኹ ግበሩ” ክትበልና እንከላ ንድላይ ወዳ ክንገብር ብፍላይ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንእከብ ከሎና ልብና አንጺሕና ታቦቱ ማኅደሩ ክንከውን እሞ ክንቅደስ። ነፍሲ ወከፍና እንተ ተቐደሰ ዓለምና ሰላም ፍቕሪ ክወርዶ እዩ እሞ “ሰአሊ ለነ ማርያም ኃበ ፍቅር ወልድኪ መድኃኔ ዓለም” ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.