2015-08-08 18:02:00

ሸበድበድ ዝበዝሖ ሕይወት (ንባብ፡ ማቴ 14፡22-ፍ) አስተትኖ በባ ንጉሠ


ምድራዊ ሕይወትና አስተውዕል አቢልና ክንርእዮ እንተ ኸአልና ከምዚ አብ ወንጌል ማቴዎስ ዝንበብ አብ ማዕበል ከም እትናወጽ ጃልባ እዩ። ዘመና ህዉኽ ንርእስኻ ኮነ ንኻልእ ክተሓጉስ እኹል ጊዜ ዘይትረኽበሉ ኮይኑ ይርአየካ። ሰብ ክጎይን ሸበድበድ ክብልን ጥራሕ ትርእዮ። ኵሉ ጊዜ የብለይን ምአስ ከርክበሉ አይጥዕመንን ትሑዝ እየ ዝብል ጥራሕ ትሰምዕ። ሰብ ሓዳር ክልተ ስራሕ ክሰርሑ ዳርጋ ደቆም ብሓደ ከይረአይዎም ይዓብዩ። ወረ አብ ገለስ ንሕፃናቶም ጊዜ ስለ ዘይብሎም አብ “Parking lot” ይቀባበሉ። ዕድል ዝገበሩ ወለዶም ወይ ቤተሰቦም ዝረኸቡ ንቆልዑት ይሕዙሎም ወለዲ እሞ ክጎዩን ክወጹ ካብ ገዛ ኢኻ እትርእዮም። አሎኻዶ አሎኺዶ እዩ ናይ እዋና ኮይኑ ዘሎ ቋንቋ።

በጺሕናዮ ዘሎና ተክኖሎጂ ብዝያዳ ክንራኸብን ክንፈልጥን ካብ ጽምዋ ነጻ ክገብረናን ክሕግዘና እዩ ዝነበሮ እንተ ኾነ መጠን ተክኖሎጂ ዝማዕበሎ ሰብ መጠኑ ብጽምዋ ተበሊዑ መዓልትን ለይትን ብተለፎን ጥራሕ ኮይኑ ርክብና እዚ ነቲ ዘሎና ጸገማት አግዲድዎ ሰብ ብማሺን ተተኪኡ ንሓዉን ሓፍቱን ጸሊኡ ዕላሉ ምስ ዘመና ዘምጽኦ ምህዞታት ጥራሕ ኮይኑ እዚ ኸአ ጠንቂ ናይ ቅሳነት ዝጎደሎ ሕይወት ኮይኑ ሰብ ከም ጽሉል ንበይኑ ክዛረብ ንርኢ አሎና።

ሸበድበድ ዝበዝሖ ናብራ ንብዙሓት ጠንቂ ምብትታን ከምኡ ጠንቂ ጥዕና ምስአን ብዓቢኡ ከየዕረፉን ከይተሓጎሱን ይአኽለኒ ከይበሉ ሕይወቶም ይሓልፍ አሎ። ብዙሓት ስድራታት ዘይተደለ ጠባያት አጥርዮም ዳርጋ ጉዕዞ ሕይወቶም ክርእዩ ጸጊምዎም አይ ንርእሶም አይ ንስድርኦም ምዃን ተሳኢንዎም አሎ። ልዕሊ ኵሉ ጥዕና ተሳኢኑ ብጸቕጢ ደም ብኮሎስትሮል ከምኡ ሕማም ልብን ካልእን ዝሳቐዩ ውሑዳት አይኮኑን እዚ ኹሉ ሕይወት ሸበድበ በዚሕዎ ሰብ ዕረፍቲ ስኢኑ ንርእሱ ምእላይ ስኢኑ የዕበድብድ ይርአ አሎ። ምስ እዚ ኹሉ ኸአ ብዓዲ ከምኡ ካብ ዝተፈላለየ ብተልፎን መወዳእታ ዘይብሉ ጸገማት እናነገሩ ሓግዝ ስደዱ እከለ አብ ከምዚ ተአሲሩ ተታሒዙ ነፍሲ አድሕን ዝብል መልእኽትታት ዳርጋ መዓልቲ መዓልቲ እንሰምዖ ኮይኑ አሎ። እዚ ኹሉ ንኹሉ ሕይወትና ጸልይዎ ሰብ ከም ማሺን ክሳብ ዝስበር ከምዝኸይድ ማሺን ኮይኑ አሎ።

ዝተፈላለየ ማዕበል ዘናውጾ ዘመና ምስ እዚ ናይ ወንጌል ትሕዝቶ ክንርእዮ ሓጋዚ እዩ። ጸገም ምስ ወረደና አብ መን ክንከይድ አሎና? ጸገምና እንታይ እዩ? አምላኽ ንጸገማትና ክፈትሕ ከምዝኽእል ንአምንዶ? ኢየሱስ ምሳና አሎ ክሕግዘና ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ።

እንታይ ንግበር?

መጀመርያ ናይ ግላዊ ሕይወትና ማዕበል አለሊና ክንክእል አሎና። አብ ሕይወትና ዘጸግመና ዘሎ ጠንቁ ካበይ እዩ ብኸመይከ ከህድኦ እኽእል ኢልና ምስ ርእስናን ምስ ሕብረተሰብናን ክንዛረብ ክንክእል አሎና። ማዕበል ሕይወትና ምስ ካልኦት አወዳዲርና ፍታሕ አይንረኽበሉን ኢና። ህድእ ኢልና ክንሓስብ ጠንቂ ናይ ሸበድበድ ዘብለና ክንርኢ ካልኦት ሓሊፍሎም ሃብቲሞም ስድርኦም ሓጊዞም ዝገደደ መንፈዓት ተቖጺሩ ካብ ዓዲ ንስደት ዘውጽኡ ጀጋኑ ንፉዓት ተባሂሎም ሰብ ካብታ አምላኽ ንአና ጥራሕ ዝሃባ እንፈትዋ ሃገርናን ርጉእን ጥዑይን ባህልና ሓዲጎም ንዓዲ ጓና ክስደዱ ምኽንያት ኮናዮም ስለ ዘሎና ክንሓስብ የድሊ።

ጥዕና፥ ሃብቲ፥ ሰላም፥ ፍቕሪ፥ አብ ዓዲ ጓና ጥራሕ ዝርከብ ገርና ስለ እንሓስብ አብ ዘይንፈልጦ ባህልታትን ኵነታትን ከም እንወድቕ ገሩና ንህወኽ ንሽበር ብመጠኑ ኸአ ንኻልኦት ንህውኽ አሎና። ነዚ ብሓቂ ክንቅይሮ ክንልውጦ እንተ ኾና አተሓሳስባና ክንልውጥ ከምኡ ሓቂ ክንአምን አሎና። አብ ስምዒትን ካልእ ዘብለጭልጭ ነገራት ጥራሕ አተኲርና እንገብሮ ውሳኔ የጥፍአና አሎ።

አብ ወንጌል ማቴዎስ ጠንቂ ፍርሕን ሸበድበድን ከምኡ አበይ ክንፈትሖ ከም እንኽእል ይነግረና። አብ ምዕ. 14፡22-ፍ እንተ አንበብና ሕይወት ሰባት ካብቲ ዝጓነፎ ጸገማት ከመይ ገሩ ክወጽእ ከምዘለዎ ክንርኢ ንኽእል። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ንህዝቢ ክሳብ ዘሰናብቶም ብጃልባ ሓሊፎም ክጸንሕዎ ነጊርዎም። ንሱ ብሕት ኢሉ ክጽሊ አብ እምባ ደይቡ።

አብዚ ክንርድኦ ዘሎና ካብ መጀመርያ መርከብ ወይ ጃልባ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ። ንሓዋርያቱ አብ ጃልባ ክጸዓኑ ክብል እንከሎ ነቲ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘልኦም ርክብን አብአ ኵሉ ዝጓነፎም ክሓልፍዎ ከም ዝኽእሉ ክገልጸሎም ኢሉ እዩ። አብ ቤተ ክርስትያን ኵሉ ይርከብ ሕውነት ፍቕሪ ምትሕግጋዝ ከምኡ ብዓቢኡ ክርስቶስ ምስአ አሎ። “ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም አሎኹ አፍደገታት ሲኦል አይከሸንፍዋን እዮም” ክብሎም እንከሎ ዝመጽአ ይምጻእ ዝኸበደ ይኽበድ ሓንትስ ብእምነት ጸኒዖም ይጉዓዙ እምበር ምስኦም አሎ። ስለዚ ንሓዋርያቱ አብ ጃልባ ኮይኖም ንቀላይ ገሊላ ክሰግሩ ይነግሮም። ቀላይ ባሕሪ አብ ርድኢት ቀዳሞት ክርስትያን አምሳል ኩሉ ፈተና ዝርከቦ ናይ ጥፍአት ምኽንያት ከምኡ ጋኒን ዝርከቦ ቦታ ጥፍአትን ሞትን እዩ። አብ ባሕሪ እምብአር ብርቱዕ እምነት የድሊ ጸኒዕካ ምጉዓዝ የድሊ።

ክንሰግሮ ዝግብአና ብዙሕ ነገራት አሎ፥ አብ መንጎ ጥሒልና ከይንተርፍ ከምኡ ኵሉ ሓሳባትና ድላያትና አብ መንጎ በኒኑ ከይተርፍ ክንሳገር እንተ ኾና ዓቢ ምስትውዓልን ምስ አምላኽ ምቅርራብ የድልየና። ሕይወትና በብእዋኑ ካብ ደረጃ ንደረጃ ይሳገር ካብ ሕጻንነንት ናብ መንእሰይ ምዃን ካብኡ አብ ጉብዝና ካብኡ አብ ክንድሰብ ምዃን፥ ካብኡ አብ ሽምግልና ድሕሪኡ ብሞት ይዛዝም እዚ እንሰግሮ ደረጃ ዕድመ ብመጠኑ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብን አብ ሕብረተ ሰብ ዘሎና ተራ ከምኡ አብ እምነትና ክንሓልፎ ክንሰግሮ ክንዓብየሉ ዘድልየና ነገራት አሎ። መጠን ብዕድመ እናዓበና ዝኸድናሉ መጠን መጠኑ ነቲ ዝሓለፈ ድኽመታትና ሓሊፍና መጠኑ አብነታውያን ኮና ክነብር ይግብአና። እቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ አብ ማዕዶ ክሰግሩ ዝነገሮም ንሕና እውን አብ ሕይወትና አብ ዝበለጸ እሙናት ዘብልና ክንሰግር ይግብአና። ዘይምስጋር አብ አረጊት ባህልኻን ጠባያትካን እምንባር እዩ ዘስምዕ።

አብ ምስጋር ዝጓነፍ ፈተና፡

ሓዋርያት አብ ጃልባ ምስተሳፈሩ ሽዑ ጸገም ጀሚሩ ካብ ምድሪ አዝያ ርሒቓ ነራ ብርቱዕ ማዕበል አናዊጽዋ በዚ ኸአ አብ መንጎ ሞትን ሕይወትን እንከለዉ ኢየሱስ ብራብዓይቲ ክፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ ብማየማይ እናኸደ ናብአቶም አቢሉ መጺኡ። (ማርቆስ 6፡48 “ብጥቕኦም ክሓልፍ ደልየ” ይብል)። አብዚ ማቴዎስ ናይ ኢየሱስ እንታይነት ክገልጽ ኢሉ አምላኽ ጥራሕ ክገብሮ ዝኽእል ማንም ካልኦ ክገብሮ ዘይክእል ከምዝገበረ ይነግር። ማርቆስ እውን ፍሉይ መልእኽቲ ክመሓላልፍ ኢሉ “ብማየ ማይ ብእግሩ እናኸደ ናብአቶም በጽሐ ኪኃልፎምውን ደለየ” ይብል እዚ ከአ አብ ገለ እዋን ከቢድ ጸገም አብ ዝወረደና ጊዜ አምላኽ ምሳና ከምዘየሎ ንሓስብ ንሱ ግን ብዝተፈላለየ መገዲ ብጥቓና አሎ ይሓልፍ እቲ ጸገም ንሕና አይንርእዮን። ሓዋርያት “ምትሃት” መሲልዎም ንአምላኽ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ከለልይዎ አይ ከአሉን። ንሕና እውን ልብና ምስተረበሸ ዓቕልና ምስ ጠፍአና አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ንርስዕ ሽዑ አብ ፍርሕን ተሃዋኽን ንነብር። አብ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ ነገራት ክቕየረልና ዝኽእል።

ኢየሱስ አጆኹም አይትፍርሑ “አነ እየ” ኢልዎም። እዚ አነ እየ ዝብል ንእግዚአብሔር ጥራሕ ዝርኢ እዩ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ ደጋጊሙ “አነ እየ” ዝብል ክደግም ንሰምዖ እዚ ኸአ ነቲ ንሙሴ አብ ዕፀ ጳጦስ ባዕሉ አምላኽ ስሙ ክገልጽ ዝበሎ እዩ ዘስምዕ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ሸውዓተ ጊዜ ከምዝተባህለ ንርኢ። 

”አነ ንዓለም ብርሃኑ እየ” (8:12, 9:5) “

”እቲ አፍደገ አነ እየ” (10:7,9)

”እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” (10:11,14)

”ትንሣኤን ሕይወትን አነ እየ” (11:25)

“መገድን ሓቅን ሕይወትን አነ እየ” (14:6)

“አይትፍርሑ” ዝብል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ትንሣኤ ክርአዮም እንከሎ ብዝያዳ አይትፍርሑ ክብሎም ንርኢ። ሰብ እንታይ ምስኮነ እዩ ዝፈርሕ። እምነት ምስ ዘይህልዎ፥ ሓቂ ካብኡ ርሒቓ አብ ሓሶት ክነብር እንከሎ፥ ዝኾነ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኢሉ ዝገመቶ ከጥቅዖ እንከሎ፥ ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ሓዲጉ አብ ካልእ ክጽጋዕ እንከሎ፥ ርእሰ ተአምኖ ከጥፍእ እንከሎ፥ ብሓጺሩ ቦታ አምላኽ ብኻልእ ክትክእ እንከሎ ይፈርሕ። አዳምን ሔዋንን ንአምላኽ ስለ ዝሓደጉ ፈሪሖም ተሓቢኦም ክፉእ ግብሪ ዝገብር ኩሉ ጊዜ ፈራሕ እዩ፥ ሓቂ ዝሓዘ ጥራሕ እዩ ዘይፈርሕ።

ዘየለሊ ዳርጋ ዕዉር እዩ፡

ሓዋርያት ኢየሱስ ምስኦም አብ ጥቕኦም እንከሎ ከለልይዎ አይክአሉን። ካብቲ ሓደ ብርቱዕ ጕድአት ብሰንኪ ፍርሓት ዝመጽእ ብሥጋን ብመንፈስን ከምእትዓውር ይገብረካ ዳርጋ አብ ቅድመኻ ዘሎ ብኻልእ ዓይኒ ትርእዮ። ሓዋርያት ክሳብ አነ እየ ዝብሎም ክርእይዎ ከለልይዎ አይከአሉን። ዝገደደ እምነት ተጥፍእ ሽዑ አብ ዘይተደለ ወድቀት ተምርሕ። 

አለሊኻ ዘይምኽአል ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸገም ወይ ድኽመት እዩ። አምላኽ አብ ሕይወትና ብዝተፈላለየ መገዲ ክንርእዮ ከነለልዮ ኢሉ ይግለጸና ግን አይነለልዮን። ዝተፈላለየ ምልክታት ይህብና ጸማም እዝንን ዓይንን ንህቦ ሽዑ ብጥቓና ይሓልፍ። ክንጽውዖ ክነለልዮ እንከሎና ይመጸና ይሰምዓና ብእምነት ንዝሓተትናዮ ኸአ ይገብረልና። አብ መገዲ እያርኮ ክሓልፍ እንከሎ እቲ ዕዉር ኢየሱስ ከምዝሓልፍ ዘሎ ምስ ፈለጠ “ዓው ኢሉ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ራሕርሓለይ ኢሉ ለሚኑ” እቶም ጥቕኡ ዝነበሩ እኳ ሱቕ ክብል እንተ ሓተትዎ ቀጺሉ ጸዊዑ ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ዝዓግትዎ ዝኽልክልዎ ዝነበሩ አምጽእዎ ኢልዎም። ነቲ ዕዉር ከአ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኢልዎ ንሱ ኸአ ክርኢ እደሊ እልዎ። “ከም እምነትካ ይግበረልካ” ኢልዎ። (ማቴ 2፡29-34፥ ሉቃ 18፡35-43፥ ማር 10፡46-ፍ). እምነት ዘለዎ ዝገጠመ ይግጠሞ አይዕገትን እዩ። እምነት ክጠፍእ እንከሎ እዩ ኩሉ ጸገማት ዝብርትዓና።

ክንአምን መረጋገጺ ንሓትት፡

ቅ. ጴጥሮስ ከም ኩሉ ጊዜ ዝገብሮ ክንዲ ዅሎም ኮይኑ “ንስኻ እንተ ኾንካ ብማየ ማይ አባኻ ኽመጽእ አዝዘኒ” እናበለ ብሓቂ ኢየሱስ ከምዝኾነ ከረጋግጽ ሓቲትዎ። አብዚ ጴጥሮስ ነቲ አምላኽ ጥራሕ ዝገብሮ ክገብር ደልዩ። ጉዕዞ ማይ ምስ ጀመረ ፈሪሑ ጥርጣረ አሕዲሩ ክጥሕል ጀሚሩ “ጎይታይ አድኅነኒ” እናበለ አእውዩ። አብዚ ብዙሕ ክንምሃሮ ዝሕግዘና ነገራት አሎ።

ብዙሕ ጊዜ እምነትና ምጥርጥር አለዎ። አምላኽ ሓደ ነገር ክገብረልና ንሓትት ምስ ገበረልና ኸአ አብ ጥርጣረ ንአቱ። ጴጥሮስ ብማየ ማይ ክኸይድ ሓቲቱ እንተ ኾነ ብግስ ምስ በለ እምነት አጉዲሉ ተጠራጢሩ። ሳዕበኑ ክጥሕል ጀሚሩ። ምጥርጣር ጥፍአት ሞት እዩ ዘምጽእ። ስለዚ ምሉእ እምነት ክንገብር የድሊ።
እንልምኖ አቐዲምና ክንፈልጥ አሎና። ንአምላኽ ክንፍትኖ ኢልና እንተ ገበርና ዕጫና ከም ጴጥሮስ ምጥሓል እዩ። ንድላይ አምላኽ ድአ ንለምን እምበር ንድላይና ክግበረልና ክንልምን አይግባእን። ከምቲ ንስኻ እትደልዮ እንተ ኾነ ሃበኒ ንበሎ።
አብ ብርቱዕ ፈተና ወይ ጸገም አብ ዝጓነፈና አብ አምላኽ ክነእዊ እንከሎና ይረድአና። አምላኽ አድሕነኒ ለውጠለይ ኢልና ብልቢ ክንልም እንከሎና ካባና ርሑቕ አይኮነን። “ለምኑ ክውሃበኩም ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም ኢሉና እዩ”።

ጴጥሮስ ብሰንኪ ጎደሎ እምነት ክጥሕል ምስ ቀረበ ስለ ዝለመነ ኢየሱስ አድኂንዎ አብዚ ክልተ ነገራት ንርኢ።

ጸዊዕካ ምኽአል። ፍሉይ ነገር ክንገብር ወይ ክግበረልና ንአምላኽ ጸዊዕና ክንክእል አሎና። ኢየሱስ ብትስብእቱን ብሕይወቱን ደቂ ሰባት ክንኮኖ ዝግብአን ሓቢሩና። እነፍቅር፥ እንምሕር፥ ርሕሩሓትን ሓዳጋትን ክንከውን። ከም ሰባት መጠን ነቶም ዝመርሑና ምናልባት ጌጋ መገዲ እንተ መርሑና ክነግሮም ከምዘሎና አምሂሩና። ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ከም ዝተፈጠርና መጠን መጠኑ እሙናት አብ ኩሉ ኮና ክነብር ከም ዝግብአና ሓቢሩና። አብ ጽንኩር እዋን ንአምላኽ ክንልምን ይግባእ።
ምድኃን፡ አብ ጉዕዞ ሕይወት ከምዘሎና መጠን ሕይወትና ጉዕዞና ዓለምና ብዝተፈላለየ ጸገማት ሰብ ብዝሰርሖን ባህሪ ብዝፈጥሮን ኵሉ ጊዜ ምስ ተፈተነ እዩ ስለዚ ዓው ኢልና ከድኅነና ክንልምኖ ይግባእ። አምላኽ ከድኅናነ አብቲ ዘሎናዮ ክበጽሓን እሞ ካብኡ ከውጽአናን ከድሕነና ድላዩ እዩ። ከምቲ ንጴጥሮስ ኢዱ ሂቡ ዘድኃኖ ንአና እውን ከብ ዘሎናዮ ዓዘቕቲ ከውጽኣና አድኅነኒ ንበሎ።

ሎሚ እምብአር ጉዕዞ ሕይወትና ክንርኢ የድሊ አሕዋት፥ ካብ ተመክሮ ሕይወተይ አበናይ እየ ከም ክርስቶስ ከይነብር ሓሚቐ ዘሎኹ? አበይን ከመይን እዩ ብቐጻሊ አብ ሕይወተይ ለውጥን ካብቲ ዘለኽዎ ክወጽእ ከምዘሎኒ ዝስምዓኒ? አምላኽ አባይ መጺኡ ከምዘሎ ካብ ዘለኽዎ ክድሕነኒ ከምዝደሊ ክርድአኒ እንታይ ክገብር ይግብአኒ? ምናልባት ጸሎት ከዘውትር ከምኡ አስተንትኖ ክገብር ምስ ስዳርይ ምስ አዕሩክተይ ወይ ምስ አበ ነፍሰይ ሕይወተይ ክምርምር።

እዝን ካልእ ሕቶታትን ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ መሊስና ክንክእል እሞ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክመልሰና ንዝህበና ዘሎ ኢዱ ሒዝና ካብ ፍርሕን ሞትን ክንትንሥእ ንለምኖ።

ኵልና አሕዋት ጴጥሮስ ኢና አብ ሕይወትና ንጠራጠር ንኽሕድ ንጠልም ንፈርሕ እዚ ኹሉ ክልወጠልና አብ ክርስቶስ እንተ ተመለስና እሞ እምነትና እንተ ነበርናዮ እዩ። አብ ጽንኩር ኩነታት ሕይወትና ኵሉ ይጽልምተና እዩ ሽዑ ኵሉ ፈተና እዩ ዝመጽአና ስለዚ ሽዑ ንኢየሱስ ክንርኢ ክንፍትን አሎና። ንሱ ብጥቓና አሎ ንጸውዓዮ ከድሕነና ከአ እዩ።

ጴጥሮስ ካብ ምጥላቕ ምስ አድሓኖ ናብ መርከብ ናብ ብጾቱ መሊስዎ፥ ከምዝተባህለ መርከብ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ ስለዚ አብ ቤተ ክርስትያን አብታ ማሕበር መሊስዎ ስለምንታይ ምሉእ ምትእምማን አብ ቤተ ክርስትያን አብ አሕዋት እዩ ዝርከብን ዋሕስ ዘለዎን። ሎሚ እውን ንኹሉ እትቕይረልና ንጸገምና እትፈትሓልና አብ ቤት ክርስትያን አብታ ሰውነት ክርስቶስ እንተ ተሓወስና እዩ ዋሕስ ድሕነትና እነረጋግጽ።

ማቴዎስ “አብ ጃልባ ምስ ደየቡ ንፋስ ሃድአ” ይብለና አብ ዓለምና ዘሎ ክፍአት ማዕበል ከምኡ እዚ እንርእዮ ዘሎና ንደቂ ሰብ አጸጊሙ ዘሎ ውግእ፥ ጥልመት፥ ክሕደት፥ ክፍአት ሰዶምን ጎመራን ኩሉ እንርእዮ ዘሎና ክሃድእን ክቕየርን አብ ቤተ ክርስትያናን አብ እምነትናን ጸኒዕና ነቲ ብቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ዝንገረና እንተ ሰማዕና ጥራሕ እዩ። “ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ” ኢሉ ንሓዋርያቱ ነጊሩ እዩ። ሎሚ ቤተ ክርስትያን አብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይና ካብ ክፍአት ማዕበል ወጺእና ብኃጢአትና ክንሳሕ ትነግረና አላ ንስምዓያ።

ኦ ንኹሉ ጸበባን ክፍአትን እትቕይር መድኃኒና ቀይረልና ይአኽለኩም ኢልካ ካብ ወሪዱና ዘሎ ክፍኣት ማዕበል የማናይ ኢድካ ሰዲድካ አድሕነና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.